ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ሲቺሊያ፥ ኣእንጋዲ መጻኢ ሕነጹ

ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ሰማዕትነት ብፁዕ ፒኖ ፑሊዚ ኣብ ሲችሊያ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ምስ መንእሰያት ሲችሊያ ተራኺቦም ናይ ተስፋን ሓሴትን ኣእንጋድን ባህሊ እትሓልሙን ኩኑ፡ ኣብ ነሲብነትን ኣብ ኢምልዋጥን ኢድሕነትን ናይ ዘይምእማን ዋቔዕ ወይ ናይ ኣተሓሳስባ ስነ መጐት ምሩኻ ምዃን ዘይኰነስ በንጻሩ ጐይታ ንምስማዕ ተጐዓዝትን ደለይትን ዓበይት ነገራት እተማዕድዉን እትሓልሙን እተገልግሉን ኵኑ ዝብል ቅውም ሓሳብ ኣማእኪሎም ብዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዝዛዘሙ ተገሊጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ መጻኢ ሓነጽትን፡ ካብ ናይ ገዛእ ርእስኹም ውልቃዊ ድላይ ተበጊስኩም ዘይኰነስ፡ ካብ ሕልምን ዓበይቲ ውጥናት ካብ ዘለኵም እማኔ ተበጊስኩም ናብ ካልኦት እትነቕሉ ብምዃን መጻኢ ሕነጹ፡ እንገዳን ተወሃሂድካ ምንባርን ምትሕብባርን ዝብሉ እቲ ናብ ካልኦት ዝድርኸኩም ዕሴት ክኸውን ኣለዎ ፡ እዚ ሰናይ ምግባር’ዚ ናይ ጨዋነት ዘይኰነስ ናይ ክርስቲያን መለለዪ ተግባር እያቶም፡ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ነቶም ፖለርሞ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ፖሊተኣማ ንዝተረኽቡ ልዕሊ 5 ሺሕ ዝግመቱ መንእሰያት፥ ንጐይታ ኣብ ዙፋን ተቐሚጥካ ኣይኰነን ዝስማዕ፡ ቅድም ቀዳድም ኣብ ጉዕዞ ምርኻብን ናብ ካልእ ብምባል ኣብ ግልጋልን እዩ ኢሎም።

እቲ ሕቶ፡ ናይ ጐይታ ድምጺ ከመይ ገርካን ብኸመይ ኩነትን ምስማዕ ዝብል እዩ

ቅዱስ ኣቦና ካብ ሰበኻ ሞንሪያለ ዝመጸ መንእሰይ ኤማኑኤለ፡ ድምጺ ጐይታ ብኸመይ ሰሚዕካን ነቲ ድምጺ ግብኡ መልሲ ምሃብ ይከኣል እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ፡ ናይ ሲቺሊያ መንእሰያት መምህር ኣበይ ኢኻ እትነብር ብዝብል ወንጌላዊ ቃል ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ይሳተፉ ከምዘለዉ ክንገር እንከሎ፡ ብእምነት ምምራጽን፡ ምስ ቤተ ክርስቲያን ኰይንካን ኣብ ኣስተንትኖን ምምራጽ፡ እግርኻ ኣብ ጭቡጥ ክረግጽ ገይርካ ኣብ እንገዳን ምክንኻንን ምንቕቓሕን ምውህሃድን ዝብሉ ተግባራት ምልምማድ የድሊ፡

እግዚኣብሔር ኣብ ጉዕዞ እዩ ዝስማዕ

ናይ ጐይታ ቃል ዘይንቀሳቐስ ከምዘይኰነ ቅዱስነቶም ገሊጾም፡ ኣብ ዘለኻሉ እትኸይድ ዘይትንቀሳቐስ እንተድኣ ኰይንካ ነቲ ህያው ቃሉ ክትሰምዖ ኣይከኣልን፡ ንጐይታ እትረኽቦ ኣብ ምጉዓዝ እዩ፡ ጐይታ ንዝደልዮ ይርከብን ይዛረብ፡ ዝደልን ዝጉዓዝን ንጐይታ ይረክብ፡ ደላይ ምዃን ጥዕና እዩ፡ በንጻሩ ግና በጺሐ ምባል ሓደጋ እዩ፡ ብፍላይ መንእሰይ በጺሔ ምባል ዓቢይ ሓደጋ ምዃኑ ከለልዮ ይግብኦ። ኢየሱስ ከመይ ገርና ድምጹ ከምእንሰምዖ ባዕሉ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኻትኩም  እንክብል ብኸመይ መዓስን ይሕብረና፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣበይ ኢና ኸ እንደልዮ? ኣብ ናይ ኢድ ተለፎን ኣይኰነን፡ …  ኣብ ተለቪዥን እውን ኣይኰነን፡ ኣብ ዘናውጽ ደርፊ ኣብ ኣእምሮኻ ኣብ ዘደንዝዝ ፈንጠዚያ እውን ኣይኰነን … ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት’ዚ እቲ ርክብ ምስ ጐይታ ዝተቛረጸ እዩ ዝኸውን፡ ዝተቛረጸ ርክብ ወይ ከኣ መስመሩ ዘይርከብ ይኸውን፡ ኣብ ቅድሚ መስቲያት ጐይታ ኣይድለይን….

እግዚኣብሔር ኣብ ተራኻብነትን ርክባትን እዩ ዝዛረብ፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ነቶም መንእሰያት ኣብ ገዛእ ርእስኹም ኣይትተዓጸዉ፡ ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺእካ ንእግዚኣብሔር ምድላይ፡ መንእሰያት ተመክሮታቶም ከካፍሉን ዕርክነት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ምስካልኦትን ብምራኻብን ሓቢርካ ኣብ ምጉዓዝን ድምጺ እግዚኣብሔር ተለልይን ትሰምዕን

እንክብሉ ኣግዚኣብሔር መዓስን ኣበይን ምድላዩ ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ይሕብረና ኢሎም።

መንእሰይ ምሕላም ወይ ምሕላን ዘቋርጽ ኣይዅን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ነቶም መንእሰያት ምሕላምን ምሕላንን ከየቋርጹ ምዒዶም፡ ብዘይ ፍርሒ ዓበይቲ ነገራት ሕለኑ፡ ከይብሉኒ ኣይትበሉ፡ ኣብ ዝተረጋግኤ ኣብ ዝመስል ምንባር ገዛእ ርእስኻ ካብ ምእታው ዘጋጥም ይጋጥመካን በሰላ እውን ይፍጠረልካ ነገራት ምሕላም፡ ሓደ ክውንተይና ሃካይ ካብ ምዃን ሚሳላዊ ምዃን ይበልጽ … ።

መጐዳት ሕይወትካ ምስ መጐዳት እግዚኣብሔር ኣሳንይ፡  ውህደተ መጐድ ምስ ጐይታ ምግባር፡ ስለዚህ ካብ ምስማዕ ናብ ምግልጋል ከተብል እንከለኻ ሞጐድካን ሞጐድ እግዚኣብሔር ተወሃሂዱ ማለት እዩ። ምግልጋል ሕይወት ንኸነስተማቕርን ሕያውነት ሕይወት ክስምዓና ይገብር።

እንገዳን ሰብኣዊ ክብርን

ቅዱስነቶም ሲቺሊያ ኣእንጋዲት መሬት ምዃና ገሊጾም፡ ኣብ ምእንጋድ ምርኻብ ኣሎ፡ ስለዚህ እምነት ኣብ ምራኻብ እዩ ዝምስረት፡ እዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ንበይንኻ ዝሓድግ ስለ ዘይኰነ እዩ፡ ንኽራኸበና ገዛእ ርእሱ ከማና ኰነ ስጋና ድማ ለበሰ ናብኡ ክነብርኽ ናባና ወረደ በይንና ዘይኰናንስ ከም ሓደ ሕዝቢ ክንከውን ደለየ፡ ኢጐነት ዝነጽጉ ክንከውን እውን ደለየ፡ እንገዳን ሰብኣዊ ክብርን ምትሕብባርን ናይ ክርስቲያን መለለዪ ምዃኖም ኣስተውዕሉ ሓደራ … ።

ቅዱስ ኣቦና ካብቶም መንእሰያት ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን ብምቕጻል፡ ምዃንና ምስ ምዃን ካልእ ዝራኸብ ክኸውን ኣለዎ፡ ምእንቲ ካልኦት ዝብላ ኣእዳውና ምእንቲ ካልኦት ምዝርጋሕ ከፍርሓና የብሉን፡ ሕይወት ትንታኔ ዘይኰነስ ዝንበር እዩ፡ ሕይወት ኣብ ምንባር እዩ ዝግለጽ፡ ውህበትካን ግዜኻን ኣብ ኣገልግሎት ምውዓል፡፡

መጻኢ ምሕናጽ

መንእሰይ ወለዶ ናይ መጻኢ ሓናጺ ክኸውን ኣለዎ፡ ኣብ ሕንጸት መጻኢ ኣእዳውን ልብን ምሉእ ድላይን ፍቕርን ምውፋር የድሊ፡ ኩለንተናኻ ኣብ ሕንጸት ምውሳእ፡

ሲቺሊያ ሓቀይና ሰባት የድልይዋ፡ ምዝመዛን ኢፍትሓውነትን ዝኹንኑን ርክባት ብነጻነት ዝነብሩን ዝተናዕቁን ድኻታትን ሕጋውነትን ውሳጣዊ ቅንዕና ዝሓርዩ ዜጋታት የድልይዋ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ሲቺሊያ፥ ኣእንጋዲ መጻኢ ሕነጹ

Photogallery

ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ሲቺሊያ፥ ኣእንጋዲ መጻኢ ሕነጹ
17 September 2018, 16:30