ቅዱስ ኣቦና፥ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣብ ጃፓን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይድ ተስፋ እገብር ቅዱስ ኣቦና፥ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣብ ጃፓን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይድ ተስፋ እገብር 

ቅዱስ ኣቦና፥ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣብ ጃፓን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይድ ተስፋ እገብር

ኣብ መንጐ ሃይማኖትን ባህልን ኤኮኖምን ሰላማዊ ምትሕብባር ኵለንተናውነት ኣብ ዝዓሰሎ ሰብኣነት እናበረኸ ንዝኸይድ ዓለም ሕንጸት ኣገዳሲ እዩ እዚ ኸኣ ንናይ ሓባር ቤትና መጻኢ ቅኑዕ ፍኖት እዩ እንክብሉ ገሊጾም።

ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጃፓን ምብጻሕ ንኸካይዱ ትስፍው ምዃኖም ዕለት 12 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝርከብ መቐበሊ ኣጋይሽ ናይ ተንሾከኖህ ሺሰትዙ ጃፓናዊ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ነዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተካይድዎ ዘለኹም ወግዓዊ ምብጻሕ ምኽንያት ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣብ ሃገረ ጃፓን ምብጻሕ ከካይድ ዘሎኒ ድላይ ክገጸልኩም እፈቱ እንክብሉ ነቶም ካብ ጃፓን ዝመጹ ኣባላት ማሕበር ተንሾ ክኖህ ሺሰትዙ ከንሹካይ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥

ሃይማኖትን ባህልን ኤኮኖምን ክተሓባበሩ

ኣብ መንጐ ሃይማኖትን ባህልን ኤኮኖምን ሰላማዊ ምትሕብባር ኵለንተናውነት ኣብ ዝዓሰሎ ሰብኣነት እናበረኸ ንዝኸይድ ዓለም ሕንጸት ኣገዳሲ እዩ እዚ ኸኣ ንናይ ሓባር ቤትና መጻኢ ቅኑዕ ፍኖት እዩ እንክብሉ ገሊጾም።

ህርኵት ጻዕሪ ናይቲ ጃፓናዊ ማሕበር ተንሾ ክኖህ ሺሰትዙ ከንሹካይ

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዓለም ናይ ባህልን ምትሕብባርን ውጥናት ዘነቓቕሕ ጃፓናዊ ማሕበር ኣብ 1585 ዓ.ም. ብኽልተ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ካህናት ኣብ ጃፓን ልኡካነ ወንጌል ብዝነበሩ ጻዕሪ ቅድሚ ልዕሊ 400 ዓመት ኣቢሉ ዝተበገሰ ወግዓዊ ርክብ ጃፓንን ኤውሮጳን መሰረት ገይሩ ዝቖመ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ በዚ ናይቶም ክልተ ካህናት ኢየሱሳውያን ጻዕሪ ኣብቲ እዋን ኣርባዕተ ጃፓናውያን ብኣባላት ማሕበር ኢየሱሳያን ልኡካነ ወንጌል ተሰንዮም ምስ ር.ሊ.ጳ. ጎርጎሪዮስ መበል 13 ንኽራኸቡ ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ዓመት ጉዕዞ ናብ ሮማ ከምዝመጹን ዘረጋግጽ ታሪኽ ጠቒሶም፡ እዚ ናይ ባህልን ምትሕብባርን ውጥናት ዘነቓቕሕ ጃፓናዊ ማሕበር ናይቲ ናይ ምርኻብ ባህሊ ውጽኢት እዩ እዩ፡ በዚ ጻዕሪ’ዚ ኤውሮጳውያን ምስ ጃፓናውያን ዝተራኸብሉን ጃፓን ምስ ኣብ ኤውሮፓ ናይ ካቶሊክ እምነት ማእከል ብዝዀነት ሮማ ኣቢሎም ምስ ኤውሮጳ ዝተራኸቡሉ ታሪኻዊ ኵነት ምንባሩ እውን ሓቢሮም፥

ናይ ሕውነትን ናይቶም ዓበይቲ ዕሴታት ልኡካን ኵኑ

እዚ ምብጻሕን ርክብን ንሓጺር ግዜ እውን እንተዀነ፥

ኣዛ ሰዓት እዚኣ ምሳኹም ክራኸብ፡ ከምቲ እቶም ኣርባዕተ ጃፓናውያን ቅድሚ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ብር.ሊ.ጳ. ዝተኣንገዱን ናይቲ ርክብ ሓጐስን ከምኡ እውን ተበራቲዕምን ናብ ሃገሮም ከም እተመልሱ ንስኻትኵም እውን ከምኡ፡ ስለዚህ ናይ ሕውነትን ናይ ዓበይቲ ዕሴታት ልኡካን ኰይንኩም ናብ ሃገርኩም ትምለሱ

ከምዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅዱስ ኣቦና፥ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣብ ጃፓን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይድ ተስፋ እገብር
12 September 2018, 16:45