ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስደተይናታት ዝምዝምዝ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክሕተት እዩ

ኣብቲ ኵላዊ ፍርዲ ጐይታ፥ “ወጻእተይና (መጻእተይና) ኰይነ ኣይተቐበልኩምንን” ቢሉ መጻእተይና ብምዃነይ ዘይተቐብልኩምኒ ስለምንታይ እዩ፡ እንክብል ከምዝሓተና ገሊጾም፡ ክርስቲያን ጽልኢ ጓኖትን-መጻእተይናታትን፡ ዘርአይናነትን ብሔርተይናዊ ሕዝብነትን ዝብል ዝሰፍሕ ዘሎ ምርጫ ብምቅዋም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር መታን ብዙሕ ምንቅቓሓት ክገብር ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ኣለዎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ነቶም ኣብ ሮማ፥ ጽልኢ ጓኖትን-መጻእተይናታትን፡ ዘርአይናነትን ብሔርተይናዊ ሕዝብነትን ኣብ እዋን ዓውሎማ ጸኣት ስደተይናታትን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ተጋባእያን ዕለት 20 መስከረም 2018 ዓ.ም. ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ተቐቢሎም፥ ክርስቲያን ነቲ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ኩሉ ዝቃወም ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብሪ ከነቓቕሑ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጻእተይና ጐይታ ምህላዉ ዘብርህ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ኵላዊ ፍርዲ ጐይታ፥ “ወጻእተይና (መጻእተይና) ኰይነ ኣይተቐበልኩምንን”  ቢሉ መጻእተይና ብምዃነይ ዘይተቐብልኩምኒ ስለምንታይ እዩ፡ እንክብል ከምዝሓተና ገሊጾም፡ ክርስቲያን ጽልኢ ጓኖትን-መጻእተይናታትን፡ ዘርአይናነትን ብሔርተይናዊ ሕዝብነትን ዝብል ዝሰፍሕ ዘሎ ምርጫ ብምቅዋም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር መታን ብዙሕ ምንቅቓሓት ክገብር ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ኣለዎ ቢሎም ነቶም ኣብቲ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ሓልዮ ላዕለዋይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈትን ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽርን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ብዘስምዖ ቃል ነዘላለይዎም 200 ተጋባእያን ሓደ ብሓደ ሰላም ምስ በሉ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ወንጌል ዘአንግድ ኣብ ክርስቶስ ውሁድ ኰይኑ ንዅሉ ከም ኣሕዋት ይቕበል

ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ክብርን ውህደትን ንመላእ ዘርኢ ሰብ መሰረትን ብሓባር ከም ኣሓዋት ንኽነብር ከምእተጸውዔ ዘረጋግጸሉን እቲ ኵሉ ብማዕረ ዝደሓነን ኣብ ክርስቶስ ውህደት ኣለዎ ዝብል ሓድሽ ቃል ብስራት መጠን ዘአንገድካዮ እቲ ሓደ ዝገብር ሕውነት መጠኑ ይብርትዕ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላቲያ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፥ ኵሉኻትኵም ብኽርስቶስ ኢየሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይ ግሪኻዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይ ናጻውን የልቦን፡ በዚ ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓልኣንስተይቲ የልቦን እንክብል ከምዘረጋግጾ እዩ።

ክርስቲያን ኣብቶም ዝተናዕቁን ከም ውዳቕ ኣብ ዝረአዩን ንኽርስቶስ ዘገልግል እዩ

ስለዚህ ንኽርስቲያን ስለ እቲ ኣብ ምፍጣርካ ብኑባሬ ብዘለካ ክብሪ ምኽንያት ዘይኰነ ንኻልእ እተኽብር ቅድሚ ኵሉ ክፍቀርን ክትፍቀርን ሓውን ሓፍትን ብምዃኑ እዩ። ስለምንታይ ክርስቶስ ነቲ ምክእኣል ዝብል ብሕውነታዊ ፍቕርን ብግብራዊ ፍቕርን ስለ ዝተከኦ እዩ፡ እዚ ብዝያዳ ነቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከቡን ብፍላይ ነቶም ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ዘመሳሰለሎም ንመጻእተይናታትን ወጻእተይናታትን፡ ክርስቲያን ምዃን ነቲ ዓለም ዘቕርቦ መገዲ ዘይኽተልን ኣንጻሩ ዝኸይድ ንኽርስቶስ ኣብቶም ዝተናዕቁን ዘገልግል እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና … እቲ ዘካይድክምዎ ዓውደ ጉባኤ ብብሔራውን ዓለም ለኻዊን ጸፍሕታት ቅኑዕን ተሓባባርን ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ዘብቅዕ ምትሕብባር ዘነቓቕሑ ተበግሶታት ክተተባብዑ ዝድርኸኩም ይኹን።

ስግኣት ዳግማይ ብጋሴ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ጽልእን ዓሌትን ሃገርን እምነትን መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ

እቲ ንፍጥረት ሰብን ንማሕብራዊ ሰላማዊ ናብራን ዓቢይ ሓደጋ ዝዀነ ዝተሰግሩ ተባሂሎም ዝግለጹ ዝነበሩ ጸረ ሰብኣውያን ተግባራት ዳግም ሕይወት ኣብ ዝዘርኣሉ ዘሎ እዋን ነቲ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዝግስጽ እዋናውያን ተበግሶታት ኣዚዮም ኣገደስቲ እያቶም፡ እቲ ንኻልእ ምጥርጣርን ፍርህን ካባኻ ንዝተፈለየ ምንዓቕን ጽልእን ኣብ ሃይማኖት ድዩ ኣብ ዓሌትን ብሃገን ፍልልያት እውን ዝኽሰት ነቲ ዝተፈልየ ማሕበራዊ ናብራ ሕይወት ኣይብቑዕን ቢሉ ክሕሰብ ዝገብሩ ተግባራት ንምውጋድ ዘብቕዑ ዝተፈላለዩ መደባት ምንቅቓሕ ሕጹጽ ተግባር ክኸውን ኣለዎ።

ናይ ፖለቲካ ኣካላት ናይ ዜጋታት ፍርሂ ከም መጋበርያ ክጥቀምሉ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ዘይምክእኣልን ኣድልዎን ምንጻልን ዝብሉን ተግባራትን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ነቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝኽሰት ፍርሒ ንኽምረጹን ኣብላጺ ድምጺ ንኽረኽቡ ከም መጋበሪያ ብምጥቃም ነቲ ዝረአይ ማሕበራዊ ጸገም ክብእስ ዝገብሩ ኣለዉ፡

ኣባይቲ ስድራን ሓነጽትን ኣገልገልቲ ተነጋጋርያንን ናይ ሃይማኖት መራሕትን

ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ብቐዳምነት እትሕነጸሉ ስፍራ ስድራ ቤት እዩ፡ ገና ኣብ ንኡስ ዕድመኻ እትቕበሎ ዕሴት ንምሏ ሕይወትካ እዩ ዘሰንየካ፡ ተኻፊልካ ምንባርን ምእንጋድን ሕውነትን ተሓባባርነትን ገና ኣብ ጽላል ስድራ ቤት ኢኻ እትመሃሮም። ሓናጽን መምሃራንን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣካላትን ባህልን ንኻልእ ክፉት ናይ ምዃን ባህሊ ሓነጽትን ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርንን ኣብ ምኽባር ብዝሑነትን ዝሓንጹ ክዀኑ ይግባእ፡ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፡ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ፥ ነቲ እግዚኣብሔር ብኑባሬ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ብዘይ ኣፈላላይ ዘንበሮ ክብሪ ሕይወት ክኽበርን ሕይወትን ምትሕብባርን ከተባብዑ ጽዉዓት እያቶም ኢሎም።

መጻእተይና ዘሸማቕቑ ነገራት ንተመዝማዝነት ሓደጋ የቃልዑ

እቲ መጻእተይና ወይ ወጻእተይና ዘሸማቕቖ ነገራት ንናይ ኤኮኖሚ ረብሓኦም ዝጥቀምሉ ሰባት ከምዘለዉ ሓቢሮም፡ ነዞም ከምዚኣቶም ብትረት፥ ዘይሕጋውነትን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይምርካብ ጉዳያት ንስደተይና ዘሸማቕቑ ነገራት ብምጥቓም ስደተይና ንጊልያነት ዝዳርጉ ኩነታትን ኣካላትን ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብዛዕባ ኵሉ ተግባራቶም መልሲ ዝህብሉ መዓልቲ ክህሉ እዩ ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን  ኣጠቓሊሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስደተይናታት ዝምዝምዝ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክሕተት እዩ
21 September 2018, 16:58