ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሓልዮት፡ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኣብ ዓለም ምውሓዝ ማለት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ሓልዮት ቲዮሎጊያ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣሲዚ ሎሚ ዕለት 14 መስከረም ኣብ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ሓልዮትን ርህራሄን እግዚኣብሔር ፍቕሪ ናይ ሕይወት ትርጉም ምዃኑ የዘኻኽረና ኢሎም።

ስምዖን - ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፐሩጃ ብዓለማውያን ምእመን ሰብ ሓዳርን ብሓባር ምስ ብፁዕ ኣቡነ ካርሎ ሮከታ ዝተመስረተ ቤት ርህራሄ፥ እተሰምየ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ሰብ ሓዳር ዝግደስን ዘሰንይን ናይ ስድራ ቤት ማእከል ዘዳለዎ ናይ ሓልዮት ቲዮሎጊያ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ንዝሳተፉ “ብእግዚኣብሔር ከምእተፈቐርና ኣብ ምስተውዓሉ ዘሎን ከተፍቅር ከምዘሎካ ኣብ ምስትውዓሉ ዘሎ ጽባቄን” ዝብል መሰረተ ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ ነቶም ኣብዚ ኣብ ኣሲዚ ክሳብ ዕለት 16 መስከረም ዝቕጽል ዓውደ መጽናዕቲ ተጋባእያን፥

ቲዮሎጊያን ሓልዮትን፡ ብእምነት ዝተኣሳሰሩ እያቶም

እምነት እቲ ብስነ ምርምር ዝፍጸም ቲዮሎጊያን እቲ ሰብኣዊ ተመራዃስነት ዝምልከት ሓልዮትን ዘተኣሳስር ቀለበት እዩ፡ ቲዮሎጊያ ዘይጭበጥ ረቒቕ ጥራሕ ኰይኑ እንተዝተርፍ ርእየት ዓለም ኰይኑ ምተረፈ፡ በንጻሩ ግና ምስቲ ስጋ ዝለብስ ቃል ዝራኸብ እዩ፡ ስለዚህ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ርህራሄ ዘራኽብ እዩ፡ ርህራሄ ወይ ሓልዮት ሓደ ናይ ህላዌ ጭቡጥ ማለት እቲ እግዚኣብሔር ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ ዝትርጉም ተግባር እዩ፡

ቲዮሎጊያ ስምዒት ኣይኰነን

ካብቲ ዝስምዓካ እዩ ዝንቀል፡ ዘሕጉስ ኣበሃህላ እውን ኣይዅን ዝረኣይ ሓቂ እዩ፡ ቲዮሎጊያ ነዚ ትሕዝቶ’ዚ ብዙሕ እዋን ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ጐስዩ ክሓልፎ ዝረአይ እውን እንተዀነ ብጭራሽ ጐስዩ ክሓልፎ ዝግብኦ ትሕዝቶ ግና ኣይኰነን፡

ቲዮሎጊያ ነቲ ናይ ህልውና ምርምርን ድልያን ዘቕርቦ ሕቶ ብመንጽር ቃል እግዚኣብሔር ዘሰንይ እዩ፡ በዚ ኣመለኻኽታ እዚ ሰናይ ናይ ርህራሄ ቲዮሎጊያ ካብቲ መለኰታዊ ፍቕሩ ዝወርድ ምዃኑ ይስተውዓል፡ እዚ ፍቕሪ እግዚኣብሔር’ዚ ሓፈሻዊ ዘይጭቡጥ መሰረተ ሕጊ ዘይኰነስ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሳጣውነት ዘራኽቦ ግላውን ጭቡጥን እዩ፡

ርህራሄ ኣብ እግዚኣብሔር ምትእምማን ማለት እዩ

ከምእተፈቐርካ ምፍቓርካ ምስትንታ ርህራሄ ኣብ ልዕሊ ናይ እግዚኣብሔር መለኮታዊ ምሕረት ከመይ ከምእንርድኦ ቀሊዑ የርእየና፡ ናይ እግዚኣብሔር እናታዊ ወጅሁ፡ ምስ ሰብኣዊ ፍጥረት ፍቕሪ ዝሓዞ፡ ካብቲ ሓንቲ ኣደ ንውላዳ ክህልዋ ዝኽእል ፍቕሪ ንላዕሊ ኣዚዩ ዓብይን ደረት ኣልቦ ብዝዀነ ፍቕሪ እዩ ዘፍቅረና፡ ርህራሄ እግዚኣብሔር ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋንን ዝኸውን ነገራት ኩሉ የዘኻኽረናን ስሌና ዝዀንናዮ ከይኑ ስሌና ይሓስብ፡ ስለዚህ ከምእተፈቕርና ምስትውዓልማለት ኣብ እግዚኣብሔር ምትእምማን ምምሃርን ነቲ ንሱ ኢየሱስ ኣባኻ ኣኣምን ዝብል ዝደልዮ እኣምን ኣባኻ ልክዕ ከምኡ ምሃብ እዩ።

መስቀል ናይ ሓልዮት ማሕተም እዩ

በዚ መገዲ’ዚ ቲዮሎጊያ ኣባኽና ዓጺፍናን ብመለኰታዊ ፍቕሪ ተተንኪፍናን ቆሲልናን ብፍቕርን ተስፋን ዝተወዓወዐ እምነት ብዝተስተውዓለ እምነት ንኽንነብርን ዝሕግዘና መቐረት ይህልዎ፡

መስቀል ብርግጽ ካብቲ ናይ ጐይታ ስቓይን ዝምንጭው ናይ መለኰታዊ ሓልዮት እዩ፡ እቲ ጭቡጥ ኣቑሳሉን ስቓዩን ናይቲ ዘይረኣይ ፍቕሩ ጋህ ቢሉ ዝተኸፍተ መስኰት እዩ፡ ስቓዩ ነቲ እምኒ ዝዀነ ልብና ናብቲ ስጋ ዝዀነ ልቢ ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ክንህወጽን ቅንንቀሳቐስን ይድርኸና፡ ከምኡ እውን ስለ ፍቕሪ ንእግዚኣብሔር ናብ ሰብ ከነብልን ይድርኸና።

ትርጉም ሕይወት ምፍቃር

ብሓቂ ሰብኣዊ ፍጡር ከምእተፈቐረ ምስ ዝስምዖ በዚ ምኽንያት’ዚ ከፍቅር ከምዘለዎ የስተውዕል ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፡ እግዚኣብሔር ኢታእላው ርህራሄ እንተድኣ ኰይኑ እቲ ብኣኡ ኣምሳልን ኣርኣያት ዝተፈጥሮ ሰብ እውን ናይ ርህራሄ ብቕዓት ኣለዎ ማለት እዩ፥

“በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ርህራሄ ካብ ተራ ስምዒታውነት ኣዚዩ ዝረሓቐ እዩ፡ እዚ ሰብ ዕጽው ንዘይ ምዃንን ካብቲ ሰብኣዊ ነጻነት ዝዝርግ ኢጐነት ንምውጻእ ኣብ ገዛእ ርእሱ ንዘይምትራፍን የብቅዖ፡ ናይ እግዚኣብሔር ርህራሄ ፍቕሪ ናይ ሕይወት ትርጉም ምዃኑ ንኸነስተውዕል ይድርኸና፡ ስለዚህ ድማ ናጽነት ማለት ርእሰ ወከሳ ማለት ከምይዘይኰነ ንግንዘብ፡ እቲ ካብ ጐይታ ዝተቐበልናዮ ፍቕሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ስድራ ቤትን ሕብረተሰብን ብኣገልግሎትን ብግብርን ገዛእ ርእስን ኣሕሊፍና ብምሃብን ኣብ ዓለም ንኸነውሕዝ ከምእተጸዋዕና ይስምዓና፡ እዚ ዅሉ’ዚ ጉብእነት ስለ ዘይኰነስ ስለ እቲ ብርህራሄኡ ዘፍቀረና ፍቕሪ።”

እዚ እዩ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘመላኽትዎን ዝነብርዎን ናብ ዝብልን ተጓዓዝን ኣብ ኵሉ ዝነበር ቲዮሎጊያ፡ ካብቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ ገዝእ ርእሱ ተዓጽዩ ካብ ዝነበር ቲዮሎጊያ ምውጻእ ዝብልን፡ ሕብረተሰብ ንምግልጋል ካብ ኣንነትን ካብቲ ርእሰ ኣምልዀነትን ምውጻእ ዝብል እዩ፡ ዝተሰግወ ቃል ይዅን። ብርግጽ ቃል እግዚኣብሔር ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ዘይቀያያር ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘመን ዝዝመን ትስብእቲ ምዃኑ ኣብሪሆም ፡ ሎሚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ናይ ርህራሄ ሰወራ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኣዩ፡ እዚ እዩ ዘድህነና እንብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሓልዮት፡ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኣብ ዓለም ምውሓዝ ማለት እዩ
14 September 2018, 16:32