ኣብ ሲርያ ሰብኣዊ መቕዘፍቲ የንጸላሉ ኣሎ! ር.ሊ.ጳ ብዛዕባ ሲርያ ኣብ ዘቅረብዎ ናይ ሰላም ጻውዒት

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሰንበት ዕለት 2 መስከረም 2018 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም መልኣከ እግዚአብሔር ምስ ደግሞ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ደጋጊሞም ዘቅረብዎ ጻውዒት ኣጽኒዖም ብምድጋም ‘ሕይወት ደቂሰባት ንምድሓን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ዲፕሎማስን ዘተን ሲርያ ክዋስኡ እምሕጸን’ እንክብሉ ጻውዒት ኣቅሪቦም፣

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ዕለት ዕለት ኣብ ዜናታት ከም እንከታተሎ ኩነታት ሲርያ ካብ ጥፍኣት ናብ ጥፍኣት እናኣንቆልቆለ ይኸድ ኣሎ። ቅዱስነቶም ከኣ እዚ ኩነታት እዚ ብጣዕሚ ከምዘተሓሳሰቦም ብዙሕ ግዜ ጾምን ጸሎትን ከምዝኣውጁ ዝዝከር ኮይኑ ትማሊ ከኣ ‘ሰብኣዊ መቕዘፍቲ’ ከስዕብ ዝኽእል ኩነታት ይቅልቀል ስለዘሎ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነዚ ንምክልኻል ዝተኻእሎ ከበርክት ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።

“እዚ ብሓቂ ዘቀንዙ እዩ! ገና ካብ ሲርያ ንፋስ ውግእ ይነፍስ ኣሎ! መቕዘፍትን ህልቂትን ደቂሰባት ከኸትሉ ዝኽእሉ ኣብ ዞባ ኢድሊብ ኣብታ እነፍቅራ ሃገረሲርያ ዘይቅስኑ ዜናታት ይውሕዙ ኣለው፣ ሎሚ እውን እንደገና ጽኑዕ ምሕጽንታትይ ናብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንከሳልጡ ላዕልን ታሕትን ንዝብሉ ኩሎምን መንገዲ ዘተን ውዑላትን ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት ንክሕሎን ናይ ሰለማዋያን ሰባት ሕይወት ንምድሓንን ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩ እምሕጸን።”

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኢድሊብ ዝሃቦ መጠንቀቅታ!

ዝሓለፈ ሶሙን ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ነዚ ናይ ቅዱስነቶም ዝመስል መጠንቀቅታ ኣቅሪቦም ነሮም። እንተደኣ እዚ ዝዝረበሉ ዘሎ መጥቃዕቲ ናይ ኢድሊብ ኣብ ግብሪ ውዒሉ እዛ ኣብ ሰሜናዊ ምዕርብ ሲርያ እትርከብ ጽንዕቲ ዕርዲ ናይቶም ብዳዒሽ ዝፍለጡ ጉጅለ ጀሃድ ዓቢ ጥፍእትን መቕዘፍትን ሕይወት ሰባት ከኸትል እዩ እውን ኪሎም ነሮም፣ ዜናታት ዓለም ከምዝሕብርዎ እቲ ነዊሕ ግዜን ዕንወት ሲርያን ዘስዓበ ውግእ ሓድሕድ መንግሥቲ ሲርያን ብሃገራት ሩስያንን ኢራንን ተደጊፉ ንኩሎም እቶም ናይ ዳዒሽ ሠራዊትን ደገፍትን ኣብዛ ኢድሊብ ትበሃል ከተማ ኣኽቢቦሞም ከምዘለውን ሎሚዶ ጽባሕዶ መጥቃዕቲ ይጅመር ኣብ ዝብል ኩነታት ከምዘሎ እንክምልከት ዝሓለፈ ሶሙን ኦረንተ ኣብ ዝብሃል ሩባ ዝርከብ ንከተማ ኢድሊብ ምስታ ሠራዊት መንግሥቲ ሲርያ ተቆጻጺርዋ ዘሎ ከተማ ሓማ ዘራኽብ ክልተ ቢንቶ ከምዝፈንጀሩ ይዝከር። እዚ ከኣ ነቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል እዩ ይብሉ።

ኣብ ተህራን ዝካየድ ዘሎ ናይ ዲፕሎማሲ ጻዕሪ!

ንዝመጽእ ዕለት 7 መስከረም 2018 ዓም ንኩሎም ተቀናቀንቲ ወገናትን መንግሥትን ኣብ ዘተ ንምቅራብ ዝቃለሱ ዘለው መሓዙት ሃገራት ብቀንዲ ከኣ ኢራንን ሩስያን ቱርክን ዝርከባኦ ስምምዕ እኳ እንተዘይተበጽሐ ንሰብኣዊ ረድኤት መተሓላለፊ ዝኸውን መንገዲ ክፍጠር ዝብል ርድኢት ሒዞም እዮም ዝሰርሑ ዘለው። ኮይኑ ግን ሩስያ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንኩሎም ጸራሪግካ ምእላይ ዝብል መርገጺ እንክህልዋ ቱርኪ ግን ንኩነታት ስደተኛታትን ተመዛበልትን ኣብ ግምት ብምእታው ምስታ ኣብ ወጥሪ ኣትያ ዘላ ኣመሪካ ብዝሰማማዕ ውግእሲ ይጽናሕ ደኣ በሃሊት እያ። ምስዚ ብዝተታሓሐዘ ጉዳይ ኬሚካላዊ ኣጽዋርን ናይ ማዕዶ ምውቅቃስ ሩስያን ኣመሪካን እውን ነቲ ኩነታት መሊሱ ከምዘግድዶ ብዙሓት ተንተንቲ ይገልጹ።

ሕይወት ደቂሰባት ንምድሓን
02 September 2018, 14:16