2018.09.16 ጉባኤ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር 2018.09.16 ጉባኤ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር 

ማእከል ሕይወትና ነቲ ሓቀኛ ፍቅሪ ብምግባር ምእማን የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 16 መስከረም 2018 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ‘ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘሎና እምነት ንምግላጽ እንደግሞ ጸሎተሃይማኖት ኣብ ቃላት ጥራይ ተደሪቱ ጠጠው ክብል የብሉን። ንኢየሱስ ምስዓብ ማለት ንሕይወትካ ኣብ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ከምእትዋፈር ምግባር እዩ።` እንክብሉ ምስ ኣተምሃሩ ጸሎተመልኣከ እግዚአብሔር ደጊሞም ኣብ ፓለርሞ ብዛዕባ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዘለዎም ምስጋና ገሊጾም ንኩሎም ኣብቲ ጸሎት ዝተሳተፉ መስቀል ከምዝዕደል ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንትማሊ ዝተሰርዓላ ወንጌል ማርቆስ 8.27-35 ኮይኑ ጐይታና ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ቅድም ‘ንወዲሰብ መን ይብልዎ’ እንክብል ብዛዕባ መንነቱ ምስ ሓተቶም ገሊኦም ኤልያስ ገሊኦም ሓደ ካብ ነቢያት እናበሉ ምስ መለሹሉ ናብኦም ምልስ ኢሉ ‘ንስኹምከ መን ትብሉኒ’ ምስ በሎም ቅዱስ ጴጥሮስ ‘ንስኻ እቲ ክርስቶስ ኢኻ’ ቢሉ ምስ መለሸ ንማንም ከይነግሩ ከምዘጠንቀቆም ኣስዒቡ ከኣ ብዛዕባ ሕማማቱ ምስ ነገሮም ቅዱስ ጴጥሮስ ዕንቅፋት ክኾኖ ምስ ጀመረ `ካባይ ረሓቅ ሰይጣን` ክብል ንኣኡ ንምኽታል ገዛእ ርእስኻ ክሒድካ ዕለት ዕለት መስቀልካ ጸርካ ምስዓቡ ከምዘድሊ ዝገልጽ ነበረ።

ሰባት ብዛዕባይ እንታይ ይብሉ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ መንነቱን ካልኦት ብዛዕባኡ እንታይ ከምዝሓስቡን ክፈልጥ ዝደለየ እንክመስል እቶም ምሳኡ ዝጐዓዙ ዝነበሩ ሓዋርያት እውን ሽሕ’ኳ ህቡብነቱ ይፈልጡ እንተነበሩ ብርግጽ ክሳብ ክንደይ ይስቘሮም ይኸውን ብዝመስል ንስኹምከ መን እየ ኣነ ትብሉ ክብል ይሓቶም።

ካብቲ መልስታቶም ከኣ ኢየሱስ ብሕዝቢ ከም ሓደ ዓቢይ ነቢይ ከምዝረኤ ይግለጽ። ከም ሓቑ ግን ንኢየሱስ ሕዝቢ እንታይ ይሓስብ! ህቡብነቱ ክሳዕ ክንደይ እዩ! ዝብል ምውዕዋዕን ቤላቤለውን ኣይዓጦን። ንሓዋርያቱ ክሓቶም እንከሎ እውን ሊቃንቲ ኮይኖም ያኢ ዓበይቲ ጸሓፍትን ነቢያትን እናጠቀሱ ክምልሱሉ ኣይደልን። ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ቁርቁስ እትኣቱ ሃይማኖት ኣብ ጥቅሲ ወዲ ጥቅሲ ዓንቀጽ ወዲ ዓንቀጽ ምጥቃስ ይድረት እሞ ነቲ እምነት የድክሞ ኣርሒቑ ንከይጥምት ይጋርዶ። በዚ ኸኣ ወሰኽ ዘይብላ ጐደሎ ዘይብላ ኣብ ሕይወት ሓደ ኣማኒ ዓንዲ ማእከሉ ኢየሱስ ክኸውን ኣለዎ።

ኢየሱስ ዓንዲማእከል ሕይወት ኣማኒ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ መጀመርያ ዘቅረበሎም ሕቶ ዳርጋ ሸፈፍ ኣቢሉ ዝሓለፋ እንክመስል `ንስኹምከ መን እየ ኣነ ትብሉ!’ እንክብል ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኣርድእቱን ክህሉ ዝነበሮ ርክብ ዕሙቚ ዝበለን ናይ ቀረባን ግላውን ኣካላውን ክኸውን ከምዘለዎ ምልክት ይህቦም። ነዛ ሕቶ እዚኣ ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና ይሓተና ኣሎ። ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ተዓዲልና `ንስኻ እቲ ክርስቶስ ኢኻ’ ቢልና እንምልሰሉ ዕድል እውን ይህበና ይኸውን።

ኮይኑ ግን ሎሚ እውን እንተኾነ ኢየሱስ ነቲ ንሓዋርያቱ ዝበሎ ኣንጺሩ ይደግመልና ኣሎ። ናይ ተልእኮኡ ዓወት ብዓቢ ጐዳና ዓወት ኣይኮነን ዝፍጸም እንታይ ደኣ ናይቲ ዝሳቀ ባርያ እግዚብሔር መንገዲ እዩ! እዚ ከኣ ውርደት ክሕደት መስቀል እዩ! ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ኣባና እውን እዝስ ኣይረድ ንክንብል ከደናድነና ይኽእል። ከመይ እዚ መንገዲ እዚ ንናይ ገለና ትጽቢትን ትጽቢታት ዓለምን ስለዝጻረር ክትቅበሎ ከቢድ እዩ።

ብኣፍና እንገልጾ እምነትን ሓቀኛ ሕይወትናን!

ስለዚኸስ ብኢየሱስ ክርስቶስ እኣምን እየ ምባል ብቃል ጥራይ ደጊምካ ዝሕለፍ ኣይኮነን ብጭብጢ ክንመርጾምን ክንገብሮምን ዝገበኣና ነገራት ኣለው። ነዚ ከኣ ኣብ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ኣብ ፍቅሪ ብጻይን ብምጽማድ ኢና እንገብሮ። ንኢየሱስ ክርስቶስ ንምስዓብከስ ከምቲ ኣብ ወንጌሉ ዝብሉ ‘ገዛእ ርእስኻ ምኽሓድን መስቀልካ ተሸኪምካ ምጒዓዝን የድልን። `ንሕይወቱ ከድሕና ዝደሊ ይሕደጋ’ ዝብል ቃል ወንጌልከስ ትርጉሙ እዚ እዩ።  

ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕይወትን ብብዙሕ ምኽንያት መንገዲ ንጋገ! ታሕጓስ ኣብ ነገራት ኣብ ሰባት ክንረክብ ክንብል ወረ ዝገደደ ንሰባት ከም ነገራት ንምልከተሉ ግዜ ኣሎ። ኮይኑ ንታሕጓስ ክንረኽበሉ እንኽእል እንኮ ዓውዲ ናይታ ሓቀኛ ፍቅሪ እዩ። እዚ ክረኽበና ይመጽእ ብዘይሓሰብናዮ መንገዲ የሐጒስና ይልወጠና። ፍቅሪ ንኩሉ ይልውጥ። ንዓና እውን ንነፍስወክፍና ክልውጥ ይኽእል። ክብሉ ድሕሪ ኣስተምሂሮም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ምእመናን ደጊሞም።

ሰላምታን ምስጋንን ንከተማ ፓለርሞ

ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ፓለርሞ እትበሃል ከተማ ሲቺልያ ደቡብ ዓዲጣልያን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምዝካር ስለእቲ ዝገበሩሎም ምውቕ ኣቀባብላ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ናይቲ መበል ዕስራን ሓሙሽተ ዕለተ መሥዋዕቱ ንምዝካር ዝኸድዎ ብፁዕ ኣባ ፑጝሊሲ ከምዚ ክብሉ ዘኪሮም።

ኣብነትን ምስክርነትን ኣባ ፑጝሊሲ ንኲልና ምብራሆም ይቀጽሉ በዚ ከኣ ሠናይ ካብ ክፍኣት ዝሓየለ ፍቅሪ እውን ካብ ጽልኢ ዝሓየለ ምዃኑ የረጋግጸልና። እግዚአብሔር ንሕዝቢ ስቺልያን መሬቶምን ይባርኽ። ብጣቅዒት ንሕዝቢ ሲቺልያ ሰላምታ ነቅርበሎም ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ኩሎም 40,000 ዝኸውን መሳቅል ብምዕዳል ትምህርቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

16 September 2018, 16:40