Vatican Pope Vatican Pope 

ኣብ ፍጻሜ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር

ቅዱስነቶም እቲ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ዝካየድ ዘሎን መንፈሳውነት ኣብ ዛዕባ ኣባይቲ ስድራን፡ ነቶም ተሳተፍቲ ነጋድያንን ንዅሎም ንቅድስቲ ድልግል ማርያን ነወክፍ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 መስከረም 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐሞ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ምስ ኣብዕቁ፡ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ መንፈሳውያን ነጋዶ ብሓባር ጸሎት መልኣከ ኣግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ልደተ ማርያም ዝካየድ ዘሎ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ጠቒሶም፡ ብፍላይ ንስድራ ቤት ኣተኵይሮ ገይሩ ዝካየድ ዘሎ መደብ እናሓሰቡ፥ እቲ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ዝካየድ ዘሎን መንፈሳውነት ኣብ ዛዕባ ኣባይቲ ስድራን፡ ነቶም ተሳተፍቲ ነጋድያንን ንዅሎም ንቅድስቲ ድልግል ማርያን ነወክፍ ኢሎም።

ኣዋጅ ብፅዕና እናቴ ኣልፎንሳ ማሪያ ኤፒንገር

ቅዱስነቶም በዛ ዕለት እዚኣ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስትራስበርግ ብፅዕና ንዝኣወጀትላ መስራቲት ማሕበር ደናግል መድሃኔ ዓለም እናቴ ኣልፎንሳ ማሪያ ኤፒንገር ጠቒሶም ምእንቲ ኣዛ ቤተ ክርስቲያን ዝዓደለትና ሓዳስ ብፅዕቲ ሓጐስና ብጣቕዒት ንግለጽ ቢሎም፡ እናተሳቐየት ጽኑዕ ጸሎት ብምንባር ፍቕሪ እግዚኣብሔር ብፍላይ ነቶም ብስጋን መንፈስ ንዝሳቐዩ ዝነበሩ ዝመስከረት እያ ኢሎም።

ኣብ ፍጻሜ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር
10 September 2018, 17:33