ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ግዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ግዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር 

ተግባራት ክርስትያን ብምስሉይነትን ዓለማዊ መንፈስን ክጽለው የብሎምን! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 2 መስከረም 2018 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ምስ ዝነበሩ ምእመናን ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ነዚ ዚስዕብ ኣስምህሮ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ውዒልኩም! ንሎሚ ሰንበት ዝቀርበልና ቃል ወንጌል ካብ ቅዱስ ማርቆስ ዝተወስደ እዩ። ኣብ ማር.7-23 ኣብ ዘሎ ኢየሱስ ሎሚ ንዓና ንኩልና ኣመንቲ ዝኾውን ኣድላዪ ትምህርቲ የቅርበልና። እዚ ከኣ ተጻይ ዝኾነ ምረዛን መልከፍትን ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ምስሉይ ሕጋውነትን ንቃል እግዚአብሔር ብቅንዕና ክንእዘዝ ይሕብረና። እቲ ታሪኽ ኣርድእቲ ኢየሱስ  ከምቲ ልማድ ዝእዝዞ ኣእዳዎም ከይተሓጽቡ ክምገቡ ምስ ጀመሩ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንኢየሱስ ኣርድእቱ ንሕጊ ልማድ ዘይምእዛዞም ጌጋ እዩ ክብሉ ይኸስዎ። ከምዚ ብምግባሮም ከኣ ንትምህርትን ሥልጣንን ኢየሱስ ከም መምህር ንምንቑሻሽ ነበረ ከመይ ‘ስለምንታይ እዮም እዞም ኣርድእትኻ ከም ሥርዓት ዓበይቲ ዘይካየዱ ኣእዳዎም ርሲሑ እንከሎስ እንጌራ ዚበልዑ’ ኢሎሞ። ኢየሱስ ግን ትርር ብዝበለ መንገዲ ‘ኣንቱም ግብዛት ኢሳይያስ ነቢይ ብዛዕባኹም ልክዕ ተነቢዩ!  ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ `እዚ ሕዝቢ እዚ ብከናፍሩ የኽብረኒ ልቡ ግን ካባይ ርሑቕ እዩ  ሰብኣዊ ትምህርትን ሥርዓትን እናመሃሩ ብከንቱ የምልኽኑ’ (ማር 7.6-7) በሎም። ኣብዚ ኢየሱስ ንጹራትን ሓያላትን ቃላት ይጥቀም። ግብዝ ትብል ቃል ብዙሕ ግዜ ነቶም መማህራን ሕግን ጸሓፍትን ዝጥቀመላ ቃል እያ።

ኣብዚ ኢየሱስ ኮነ ኢሉ እዩ ነቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብቲ ወዲቆምሉ ዘለው ጌጋ ክእርሞም ዝዛረብ። ኣየናይ ጌጋ እንተበልና ንፍቃድ እግዚአብሔር ምጉሳይ ማለት ንልምድታት ደቂ ሰባት ክትክተል ክትብል ትእዛዛት እግዚአብሔር ሸለል ምባል እዚ እዩ እቲ ጌጋኦም! መሠረታዊ ሓቂ ስለዝምልከት ማለት እቲ ሓቀኛ ርክብ ደቂሰባትን ፈጣሪኦም ዝኾነ እግዚአብሔር ክህልዎም ዘለዎ ሓቀኛ ርክብ ስለዝምልከት ከኣ ኢየሱስ ኣበርቲዑ ይገንሖም። ትርጉም ሕይወት ትርጉም እምነት ስለዝትክንፍ ዓቢ ጥንቃቄ የድልዮ። ግብዝ ዝኾነ ሰብ ሓዋዊ እዩ ሓቀኛ ኣይኮነን።

ሎሚ እውን እንተኾነ ካብዚ ሓደጋ እዚ ክንሃድም ኣብ ሕይወትና ቀዳምነት ሂብና ክንክተሎ ዘሎና ኣብቲ ቀንዲ እምበር ኣብ ካልኣዊ ነገራት ከይከውን ጐይታ ይዕድመና ኣሎ። ናይ እምነትና ሕመረት ሓቀኛ ማእከል እንታይ ምዃኑ ከነለሊ ይጽወዓና ኣሎ። እዚ ከኣ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን እዩ።  ካብ ግብዝነት ሕግን ሥርዓትን ነጺሕና ሓቀኛ እምነትና ነለሊ።  ናይ ሎሚ ወንጌል ብመልእኽቲ ያዕቆብ ሓዋርያ ተደጊፉ ዘመሓልልፈና መልእኽትኸስ  እምነትና ሓቅኛ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ። ሓቀኛ እምነት እንታይ ምዃኑ ንክገልጸና ያዕቆብ ሓዋርያ ‘ንዘኽታማትን ንመበለታትን  ክንበጽሖምን ኣብ ግዜ ጸገሞም ክንረድኦም’ እንክብገልጽ ጐይታ ከኣ ብግብዝነት ናይዚ ዓለምዚ ከይንብከል የጠንቅቀና`።

‘ንዘኽታማትን ንመበለታትን ኣብ ጸገሞም ክንበጽሖምን ክንረድኦምን’ ክብል እንከሎ ንፍቅሪ ብጻይ ካብቶም ኣጸቢቆም ዝተጸገሙን ተኣፈፍትን ረዳኤ ዘብሎምን ጀሚርካ ኣብ ግብሪ ክተውዕሎ ይዕድም፣  እዞም ሰባት እዚኦም እግዝአብሔር ብፍሉይ መንገዲ ዝሓልየሎም ሰባት እዮም ንዓና ከኣ ከምቲ ናቱ ሓልዮት ክነርኢ ይሓተና። ብግብዝነት ናይዚ ዓለም’ዚ ኣይትበከሉ ክብለና ከሎ ካብ ኩሉ ሃዲምና በይንና ተዓጺና ንክንተርፍ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብዚ እውን ግብዝነት ክኸውን ስለዝኽእል ንረኣዩለይ ስምዑለይ ዘይኮነ ብሓቂ ብልብና ካብኡ ክንርሕቅ ኣተሓሳስባናን ኣከያይዳናን ሥራሕናን ብኣኡ ከይጽሎ ንክንጥንቀቅ እዩ። ኣብዚ ቀንዲ ክንጥንቀቀሎም ዘሎና ከንቱነት ህርፋን ትዕቢት ዚኣአመሰሉ ዓለማዊ ነገራት ጽልዋኦም ከየሕድሩልና እዩ።  ከም ሓቁ ሓደ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ከንቱነት ወይውን ህርፋንን ንፍገትን ወይውን ኣብ ትዕቢት እናነበሩ ኣመንቲ ኢና ኢሎም ዝሓስቡን ከምዝኾኑ ንከርእዩ ዝቃለሱን ንካልኦት ዝፈርዱን እዚኦም ብሓቂ ግብዝ ኣዮም።

         ሃየ እምበር ንቃል ኣምላኽ ከመይ ከም እንቅበሎ ናይ ኅልና መርመራ ንግበር። ሰንበት ሰንበት ኣብ ቅዳሴ ቃል ኣምላኽ ንሰምዕ! ከመይ ኢልና ንሰምዖ! ተጠንቂቅናዶ ወይስ ሓሳባትና ኣብ ካልእ ወፊሩ እንከሎ! ብላዕሊ ላዕሊ ጥራይ እንተኾይኑ ምንም ዋጋ የብሉን! ከምቲ ኣብ ምሳሌ ዘርእን ዘራእን ዝብሎ ልብናን ኣእምሮናን ከፊትና ከም ሠናይ መሬት ኰና ክንቅበሎ ኣሎና ሽዑ ኣብ ሕይወትና ክትጸርጽ ብጭቡጥ ከኣ ጽቡቅ ፍረ ክትፈሪ እያ። ኢየሱስ ቃል እግዚብሔር ከም ሓደ ዘርኢ እዩ እዚ ኣብ ጭቡት ተግባር ክዓቢ ኣለዎ ይብለና። ብከምዚ ምስ እንቅበላ ቃል እግዚአብሔር ንልብና ንተግባራትና ምስ እግዚአብሔር ንዘሎና ርክብ ምስ ኣሕዋትና ንዘሎና ዝምድና የጽርዮ ካብ ግብዝነት ከኣ ነጻ ይገብረና።

ኣብነትን ኣማልድነትን ድንግል ማርያም ንእግዚአብሔር ወትሩ ብልብና ክነኽብሮን ነቲ ኣብኡ ዘሎና ኣኽብሮን ፍቅርን ከኣ ብጭቡጥ ነሕዋትና ሠናይ ነገር እናገበርና ክንምስክሮ ይሓግዙና። እንክብሉ ትምህሮም ዛዚሞም ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ብፅዕት ሃና ኮለሳሮቫ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ምእመናን ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃቡ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 1 መስከረም 2018 ኣብ እስሎቫክያ ንዝተኣወጀ ድንግልን ሰማዕትን ሃና ኮለሳሮቫ ዘኪሮም ከምዚ ኢሎም፣  እዛ ተባዕ መንእሰይ እዚኣ ንክርስትያን መንእሰያትና ኣብ ተኣማንነት ወንጌል ክጸንዑ ወላ ተጻይ ኩሉ ክትከይድ ኣብ ትቅሰበሉን ብሕይወትካ ክትምስክር ኣብ ትሕተተሉን ኩነታት ከይተረፈ ትደግፎም። እንክብሉ እዛ ከም ቅድስት ማርያ ጎረቲ ስለመብጽዓዓን ስለ ክብራን ሰማዕትነት ዝተቀበለት ብፅዕቲ ሃና ኮለሳሮቫ ዘኪሮም።

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ምእመናን ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ደጊሞም

 

03 September 2018, 14:15