ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር 

ኣጽድቆ ርእስ ወይ ኣኽራርነት እምነት ኣይንፋል ክንብሎ ዘሎና ጉዳይ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 30 መስከረም 2018 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዝተጠቅሰ ታሪኽ ሓደ ምስ ሓዋርያት ዘይኮነ ብስም ኢየሱስ ኣጋንንቲ ከውጽእ ዝተዓዘቡ ሓዋርያት ክኽልክልዎ ንዝደለዩ መሠረት ብምግባር ‘ኣጽድቆ ርእስ ወይ ኣኽራርነት እምነት ኣይፋል ንበሎ’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም! ንናይ ሎሚ ሰንበት ዝቀርበልና ወንጌል ማር 9.38-48 ኮይኑ ሓደ ካብቶም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ከሰልጥን እንከሎ ዘጋጥምዎ ዝነበሩ ጉዳያት ይዛረብ። እዚ ከኣ በሉ ኪድ መሃሩ ኢሉ በብክልተ ምስ ኣውፈሮም ብስም ኢየሱስ ንሕሙማት ምፍዋስን ንኣጋንንቲ ምውጻእን ናይ ብሕቶም ሥልጣን ጥራይ ጌሮም ክሰርሑ ውዒሎም ኣጋንንቲ ከኣ ብስም ኢየሱስ ምስ ተኣዘዙሎም ሕጉሥ ኢሎም ንጐይታ ክነግሩ እንክኸዱ ሓደ ምሳኦም ዘይኮነ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣጋንንቲ ከውጽእ ይዕዘቡ እሞ ንከልክሎዶ ወይስ ኣይፋል ዚዓይነቱ ክትዕ ይገጥሙ።  ዮሓንስ ሕይል ብዝበለ ናይ መንእሰይ ቃናን ቅንኣትን መምህር ሓደ ምሳና ዘይኮነ ብስምካ ኣጋንንቲ ከውጽእ ጸኒሑናስ ክንክልክሎዶ ይመስለካ እንክብል ዳርጋ ምሉእ ብምሉኡ ደገፍ ከምዝረከብ ኮይኑ ንመምህሩ ይሓትት ኢየሱስ ክርስቶስ ግን በንጻሩ ‘ኣይትኸክልዎ! ከመይሲ ብስመይ ተኣምር ዚገብር ብኡንብኡ ኸኣ ብዛዕባይ ክፉእ ኪዛረብ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ከመይሲ እቲ ተጻይና ዘይኮነ ምሳና እዩ’ (ማር 9.39-40)።

ዮሓንስን እቶም ካልኦት ኣርድእትን ኣብቲ ናቶም መደብ ዘይኣቱ ነገር ምስ ኣጋጠሞም ተቀዳዲሞም ሓጹር ናይ ምግባር ናይ ምክልኻል ናይ ምዕጻው ዝንባሌ የርእዩ። ኣብዚ እንርእዮ ሽሕ’ኳ ሠናይ ነገር እንተኾነ እቲ ነዚ ዝገብር ካብ ዓንኬል ናይ ተኸተሊ ወጻኢ ስለዝኾነ ኣይፋል ዝብል ዝንባሌ ይስዕሮም። ኢየሱስ ግን ነጻ ኮይኑ ንመንፈስ ቅዱስን መንፈስ እግዝአብሔር ብምሉእ ነጻነትን ክፍተትን ይቅበሎ እሞ ነጻነት መንፈስ እግዚብሔር ኣብ ሥራሑ ዚዓግቶ ወሰንስን ይኹን ደምበ ከምዘየለ ይገልጽ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ብምግባሩ ንሓዋርያቱ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ክኩስኩሶም ስለዝደለየን ብተግባር ካብ ዝንባሌኡ ተመሃሮም ኣብነቱ ክኽተሉ ስለዝደለየን እዩ። ሎሚ ንዓና እውን ነዚ ውሳጣዊ ነጻነት ዘልብስ ዝንባሌ ክንቅበሎ

ነዚ ፍጻሜ እዚ ምልስ ኢልና ክነንብቦን ምሳባኡ ናይ ሕልና መርመራ ክንገብርን እላቦ ከመይ ሓጋዚ እዩ። ኣብዚ ፍጻሜ እዚ ኣርድእቲ ኢየሱስ ዘርኣይዎ ሰብኣውን ዘሎን እዩ! ኣብ ማሕበረክርስትያን ናይ ኩሉ ዘመናት እውን ኣጋጢሙ እዩ! ገና እውን የጋጥም ኣሎ! ምናልባት ኣብ ማእከልናውን የጋጥም ይህሉ። ኣብ ጽቡቅ እምነት ተመስሪትካ ሓንሳእ ሓንሳእ ቅንኢ ቤት ኣምላኽ ተወሲኽዎ ኣብ ከባቢና ምናዳ ናይ ካሪዝማቲክ ምንቅስቃሳት ወይውን ካልኦት ከጋግግዩ ዝኽእሉ ናይ ሓሶት ነብያት ከየጋጥሙና ስለ እነሰግእ ብዙሕ ንጥንቀቅ። ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ፍርሂ ናይ ውድድር እውን ኣሎ! ማለት ሓደስቲ ተኸተልቲ ካብ ናትና እውን ከይተረፈ ከይወስዱ ትሰግእ!  በዚ ከኣ እቲ ዝገብርዎ ጽቡእ ዋጋ ኣይትህቦን ካብ ናትና ስለዘይኮነ ከኣ ጽቡቅ ኣይኮነን። እዚ ኣጽድቆ ርእስ ይበሃል። እዚ ከኣ ሱር መሠረት ኣኽራርነት እዩ። ከምቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝብልዎ ቤተክርስትያን ብኣኽራርነት ኣይኮነትን እትዓቢ እንታይ ደኣ ሰሓቢት ብምዃን ማለት ምስክርነትካ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንካልኦት ክተርኢ እንከሎኻ እያ እትዓቢ ይብሉ ነሮም።

 እቲ እግዚአብሔር ገዛእ ርእሱ ንዓና ብምውፋይ ዘርኣየና ዓቢ ነጻነት ዝንባሌታትና ርክባትናን ንክነመሓይሽ ይዕድመና ግድል እውን የቅርበልና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ ዘቅርበልና ዕድመኸስ እዚ እዩ። ንሱ ክጽወዓና እንከሎ ንሰብ ኣብ ዓርኪ/ጸላኢ ዝብል ወይውን ናትና/ናቶም ወይውን ኣብ ውሽጥና/ካባና ወጻኢ ወይውን ናተይ/ናትካ ኢልና ክንፈላሊ ከምዘይብልና እንታይ ደኣ ክንዮ እዚ ሓሊፍና ልብና ክንከፍት እሞ ኣብቲ ዘይሓሰብናዮን ዘይንጽብዮን ኩነታትን ኣከባቢታትን ሰባትን ከይተረፈ ወላውን ካብቲ ናትና ዓንኬል ብዝወጹ ሰባት ገሩ እግዚብሔር ሕላዌኡን ስራሑን ክገልጽ ከምዝኽእል ንግንዘብ። ኣብቲ ቅንዕና ሠናይ ነገር ተጠንቂቅና ክንዕዘብ ንሕተት ጽቡቅ ነገርን ሓቀኛ ነገርን ብስም ዘይኮነስ ብመን ከምፍጸመን ካበይ ከምዝመጽእን ምግንዛብ የድሊ። ከምቲ ዝተረፈ ክፍሊ ወንጌል ናይ ሎም ሎሚ ሓደራ ዝብለናኸስ ንካልኦት ክንዲ ምፍራድ ናብ ገዛእ ርእስና ተመሊስና መርመራ ሕልና ንግበር! ነቶም ብእምነት ድኽም ንዝበሉ ክዕንቅፍ ንዝኽእል ነገራት ኩሉ ከኣ ካባና ቈሪጽና ንደርብዮ። ነቲ ካብ ቊ.42 ኣትሒዙ ‘ወይልኡ እቲ ዜዕንቅፍ እንክብል ጐይታ ኣትሪሩ ዘቅርቦ ክፍሊ ክነስተንትን ዓዲሞም።

ናይ እግዚአብሔር ሃንደበታዊ ነገራት ነግ ፈረግ ከይበለት ብምቕሉል ተኣዝዞ ናይ ምቅባል ኣብነትን ምሳሌን ዝኾነት ድንግል ማርያም ናይ ጐይታና ኣብ መንጎና ምህላው ምልክታት ክነለልን ንሱ ኣብ ዝግልጸሉ ኩሉ ቦታታት ወላውን ኣብቲ ዘይሕሰብ ኩነታትን ቦታታትን ክንረኽቦን ትሓግዘና። ንማሕበራትና ብዘይ ምቅንናእን ጸቢብ ኣተሓሳስባን ምጉናይን ንፍቃርን በቲ ሰፊሕ ናይመንፈስ ቅዱስ ፍቅሪ ንምቅባሎም ወትሩ ክፉታት ክንከውንን ትምሃረና፣ እንክብሉ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ኣዕሪጎም። 

ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

30 September 2018, 13:03