ድለ

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ ሕንጸትን ናይ ስራሕ ዕድልን ንመንእሰያት ኣፍሪቃ

ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ሃብታም እዩ፡ እቲ ዝዓበየ ሃብታ ድማ እቲ ዘለዋ መንእሰይ ወለዶ እዩ ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 4 መስከረም 2018 ዓ.ም. እቲ ዓለም ሓቆፍ መረብት ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ዘነቓቕሖ ማሕበር ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብምስማዐ ርእየት የነቓቕሕ።

ምእንቲ ነቲ ናይ ኣፍሪቃ ዓቢይ ሃብቲ ንዝዀነ መንእሰይ ወለዶ ሕንጸት ዓቕምን ሃብትን ምውፋር፡ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብ መላእ ካኦሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ወርሒ መስከረም ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ሃብታም እዩ፡ እቲ ዝዓበየ ሃብታ ድማ እቲ ዘለዋ መንእሰይ ወለዶ እዩ ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 4 መስከረም 2018 ዓ.ም. እቲ ዓለም ሓቆፍ መረብት ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ዘነቓቕሖ ማሕበር ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብምስማዐ ርእየት የነቓቕሕ።

ጸሎት ምእንቲ ሕንጸን ናይ ስራሕ ዕድልን ንመንእሰያት ኣፍሪቃ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ሕንጸት መሰል ኩሉ ትውልዲ እዩ፡ ብጸገማት ክሰዓሩን ገዛእ ርእሶም ኣብ ሽግር ካብ ምሕዳግን ወይ ከኣ ነቲ ዘጋጥም ሽግር ኩሉ ናብ ሰናይ ዕድል ክልውጥጡ ምትጋህ ምርጫኦም እዩ። ምእንቲ’ዚ ናይ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት መጻኢ ንምውሓስን በዚ ኣገባብ’ዚ ድማ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ናይ ስራሕ ዕድል መታን ክረኽቡ ምውፋር ዓቕምን ሃብትን ከምዘድሊ የተሓሳስቡ።

ብሓቂ እቲ ሕጹጽ መፍትሒ ዘድልዮ ጸገም፡ ስእነት ስራሕን ትምህርቲ ምቍራጽን ዝብል እዩ

ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓልዮ ዕዮ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ከባቢ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ካብ 15 ክሳብ 24 ዓመት ዝዕድመኦም ብጠቕላላ 12.9 ሚእታዊ ዝግመቱ መንእሰያት ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑ ምዃኖም ከመልክት እንከሎ፡ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ውድብ እውን ብወገኑ ኣብ 2017 ዓ.ም. ካብ 15 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድመኦም ዝዀኑ ምንእሰያት ብጠቕላላ 60 ሚእታዊ ዝግመቱ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ጠሪሾም ኣቢያተ ትምህርቲ ዘይከታተሉ ምዃኖም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ይሕብር።

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ ሕንጸትን ናይ ስራሕ ዕድልን ንመንእሰያት ኣፍሪቃ
05 September 2018, 16:29