ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ኣብ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ንዝተሳተፉ መስቀል ዓዲሎም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 16 መስከረም 2018 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም ምስ ምእመናን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ኣብቲ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ብምሉኦም ‘መስቀል ምልክት ናይቲ ሕይወቱ ምእንታና ዘወፈየ ኢየሱስ ዝግለጽ ፍቅሪ እግዚብሔር እዩ’ እንክብሉ መስቀል ከምዝዓደሉ ተመልኪቱ።

ሙሴ ዮሓንስ - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ጳ ፍራንቸስኾስ ነቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 14 መሰከረም 2018 ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ተዘኪሩ ዝወዓለ በዓል ክቡር መስቀል ብምዝካር ንኩሎም ኣብቲ ጸሎት ዝተሳተፉ መስቀል ዓዲሎም። ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር  ከኣ ‘ሎሚ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ በዓለ ክቡር መስቀል ንኩሉኹም ኣብዚ ቅርዓት እትርከቡ መስቀል ክህበኩም ወሲነ’ እውን ኢሎም።

ልዕሊ 40 ሽሕ ብናሕስ ዝተሰርሐ ሓጺን መስቀል እንክዕደል ምሳኡ ከኣ ጸሎት ዝሓዘ ወረቃቅቲ (ብእንግሊዝን ቋንቋ ጣልያንን እስፓኒሽን) ዝተደርሰ ተዓዲሉ።  ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ሓምለ 26,2013 ዓምፈ ኣብ ብራዚል ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ኣብ ዘብዓሉሉ ግዜ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል እንክመርሑ ‘መስቀል ክርስቶስ ንፍቅሪ እግዚአብሔር ብምሉኡ ዝሓዘ ኮይኑ ኣብኡ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱ ንረክብ’ ኢሎም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ምልክት ፍቅሪ ኣምላኽ!

ቅዱስነቶም ቅድሚ ነቲ መሳቅል ምዕዳሎም ‘መስቀል ምልክት ናይቲ ሕይወቱ ምእንታና ዘወፈየ ኢየሱስ ዝግለጽ ፍቅሪ እግዚብሔር እዩ’ እንክብሉ ድሕሪ ምዝኽኻር ‘ሎሚ ነዚ ዝዕድለኩም ዘሎኹ መስቀል ክትቅበሉንን ኣብ ገዛውትኹምስ ይኹን ኣብ ገዛውቲ ደቅኹም ከምኡ እውን ኣብ ገዛውቲ ኣብሖጎታትኩምን እኖሓጎታትኩምን ብክብሪ ክተቀምጥዎን እዕድመኩም` እንክብሉ ተማዕጺኖም።

ቅድስነቶም ኣስዒቦም፣ ‘መስቀል መጋየጺ ዘይኮነስ ምልክት እምነትና ኮይኑ ንጸሎን ኣስተንትኖን እዩ ዝወሃበና። ንኢየሱስ ስቊል ክንጥምት እንከልና ድሕነትና ንርኢ’ እንክብሉ ዓሚቕ ትርጉም መስቀል ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነቶም ነቲ መሳቅል ኣብ ምዕዳል ዝተሓባበሩ ደንግልን ድኻታት ሰባትን ስደተኛታት ‘ሽሕኳ ንእሽቶ ህያብ እንተኾነ ብሓቂ ዓቢ ዋጋ ዘለዎ ክቡር ህያብ እዩ’ እንክብሉ ኣመስጊኖም። ኣብ ምዝዛም እቲ ምዕዳል ነቶም ነዚ ሥራሕ እዚ ብወለንታኦም ዘወፈዩ ብቤትጽሕፈት ጳጳሳዊ ግብረሠናይ ብስም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ባንን ልስሉስ መስተን ምስ ተዓዲሉ ብቡራኬ ተፈጺሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
16 September 2018, 16:43