ቅዱስ ኣቦና፡ ናይ መላእ ዓለም ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝመክር ዓውደ ጉ ቅዱስ ኣቦና፡ ናይ መላእ ዓለም ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝመክር ዓውደ ጉ 

ቅዱስ ኣቦና፡ ናይ መላእ ዓለም ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝመክር ዓውደ ጉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ካሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ በጽሒ ወለዶን ዝፍጸምን ብዓንተውኡ ከይኽሰት ዘኽእል ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ከይድታት ንምልላይ ዝዝትይ ናይ መላእ ዓለም ሃገራት ብፁዓን ጵጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዘሳተፈ ንኽካየድ ወሲኖም

ዕለት 12 መስከረም 2018 ዓ.ም.  ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ካብ ዕለት 10 መስከረም ክሳብ ዕለት  12 መስከረም 2018 ዓ.ም. መበል 26 ኣኼባኡ ዘካየደ ጉባኤ መማክርት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት፡ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን በጽሒ ወለዶን ዝዝትይ ናይ መላእ ዓለም ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዓወደ ጉባኤ ከምእተጸውዔ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ካሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ በጽሒ ወለዶን ዝፍጸምን ብዓንተውኡ ከይኽሰት ዘኽእል ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ከይድታት ንምልላይ ዝዝትይ ናይ መላእ ዓለም ሃገራት ብፁዓን ጵጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዘሳተፈ ንኽካየድ ከምዝወሰኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምኽትል ሓላፊ ፓሎማ ግራሲያ ኦቨኸርሶ ብዛዕባ እቲ ዘኻየደ ናይ ትስዓቱ ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ. ኣኼባ ፍጻሜ ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግልጺ እንከመልክታ፡ ኣብቲ ናይ ትስዓቱ ጉባኤ መማክርት ር. ሊቃነ ጳጳሳት ኣኼባ ጳጳሳዊ ናይ ሕጻናት ሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦመለይ ከምእተሳተፉ እውን ሓቢረን፡ መላእ ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ መማክርት ር.ሊ.ጳ. እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ኣኼባን ከምኡ እውን እቲ ኣብ ዱብሊን ዝተኻየደ ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ከምዘሐጐሶም ኣብ ዘካየድዎ መበል 26 ኣኼባ ከምዝገለጹ ኣፍሊጠን።

እቲ ዝተኻየደ ናይ ትስዓቱ ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ. ኣኼባ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ዘሳልጥዎ ዘለዉ ናይ ቤተ ክርስቲያን መዋቕራዊ ሕዳሴን ከምኡ እውን ገለ ገለ ኣባላት እቲ ጉባኤ ትስኣቱ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት፡ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎም ሓላፍነት ክቕጽሉ ድዮም ወይ ክትክኡ ምዃኖም ገና ከምዘይተወሰነ ዝሓበራ ኣቨኽርሶ ኣስዒበን ቀጻሊ መበል 27 ናይ ትስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ መማክርት ር.ሊ.ጳ. ኣኼባ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 12 ታህሳስ 2018 ዓ.ም. ከካይድ ኣብቲ ዘካየዶ ኣኼባ ከምዝወሰነ ሓቢረን።

እቶ ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ መማክርት ብቕዱስ ኣቦና መስከረም 2013 ዓ.ም. ካብ ዝቐውም ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባባሪ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ መዋቕራዊ ምሕደራ ሕዳሴ ሓዋርያዊ ቅዋም Praedicate evangelium - ወንጌል ኣበስሩ ብዝብል ኣርእስቱ ዝሓንጸጾ ሓርፋፍፍ ጊዚያዊ ሰነድ ቅዱስ ኣቦና ክርእይዎን ዝእረም እንተሎ ክእርምዎን ዝውሰኽ እውን እተሎ ክውስኽሉ ከምዘረከቦን ሕገ ቀኖናዊ ዳግማይ ክለሳዊ ንባብ ይካየድሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብቲ ዝተኻየደ መበል 26 ኣኼባ ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ. ጉባኤ ካብ ጠቕላላ ኣባላቱ ብጀካ ናይ ቺለ ርእሰ ከተማ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ኻቪየር ኤራዙሪዝን ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ላውረንት ሞሰንግዎ ፒሳኒያን ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ካልኦት ኩሎም እቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ኣባላት ከምእተሳተፉ  ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምኽትል ሓላፊ ፓሎማ ግራሲያ ኦቨኸርሶ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና፡ ዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝመክር ናይ መላእ ዓለም ብፁዓን ጳጳሳት ዓውደ ጉባኤ ጸዊዖም
13 September 2018, 16:31