ድለ

ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ ካብ ቊስልታት ዓመጽ ጽንዓት እምነቶም ይሕይል! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ መበል 24 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ን9ይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ንምፍጻም ዝገበርዎ ጉዕዞ ፈጺሞም ናብ መንበሮም ንምምላስ ኣብ ዝገበርዎ ጒዕዞ ወትሩ ከምዝገብርዎ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቀረቦም ሕቶታት መሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ሽሕ’ኳ ድኻም እንተነበረ ቅዱስነቶም ‘ኣሽንኳይ ኣነ ንስኹም እኳ ኣሎኹም ላዕልን ታሕትን ክትብሉ ለይትን መዓልትን ክትሠርሑ ዝቀነኹም ደሓን ሕቶታትኩም ክምልስ እየ’ እንክብሉ ድሕሪ ሰላምታ ድልውነቶም ምስ ገለጹ ተዅታዂ ሕቶታት ክውሕዝ ጀመረ።

እታ ሓንቲ ብዛዕባ ኣብዚ ቅንያት እዚ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ እንደራሴ ር.ሊ.ጳ ማለት ኑንስዮ ኣፖስቶሊኮ ዝነበረ ዝጸሓፍዋ ክፍቲ መልእኽቲ ዘለዎም ርእይቶ ምስ ሓተቱ ቅዱስነቶም ብዘይተለምደ መንገዲ እቲ መልእኽቲ ተዘርጊሑ ኣሎ ኣንቢብኩም ብዓልኹም ፍረዱ ኣነ ምንም ዝብሎ የብለይን ኢሎም። እቲ ጽሑፍ ብዛዕባ እቶም ቅድሚ ሳምንታት ካብ መዓርግ ካርዲናልነት በይኑኒ ዝበልዎ ብዓመጽ ዝተኸሱ ብፁዕ ካርዲናል ማክካሪክ ዝርኢ ነበረ።

ቀጺላ ዝቀረበት ሕቶ ብዓመጽ ናይ ዝተኸሱ ኣቡናት ጉዳይ ብኸመይ ይተሓዝ ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም እንክምልሱ ንነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ዘጽንዕ ግዝያዊ ጉባኤ እናፈጠርና ኢና ንሰርሖ እዚ ከኣ ጽቡቕ ይሠርሕ ኣሎ። እንተዘየሎ ንኩሉ ዝምልከት ሓደ ጉባኤ ወይ ናይ ደያኑ ጉባኤ ጥራይ ይርኣዮ እንተኢልና ከጸገም እዩ ከመይ ነፍስወከፍ ጉዳይ ፍሉይነት ስለዘለዎ። እንክብሉ ምስ መለሱ ዝቀጸለት ሕቶ ብዛዕባ ሕዝቢ እግዚብሔር ትምልከት ኮይና ኣብቲ ብካህናት ተፈጺሙ ዝበሃል ዓመጻት እንታይ ግደ ክህልዎም ይኽእል። ዝብል ነበረ ቅዱስነቶም ‘ዝኾነ ዘይከውን ምስ ዝርእዩ ምእመናን ብኡ ንብኡ ከመልክቱ ኣለዎም።  ብዙሕ ግዜ ንዝተገብረ ጌጋ ካህናት ዝሽፍኑ ሥድራቤት እዮም ምኽንያቱ ንወዶም ወይ ጓሎም ኣይኣምኑን ምስ እዚ ጉዳይ ጋዜጠኛታት እውን ኣሎ ዝኾነን ዘይኮነን ንሕግን ንጽሕናን ስለዝደባልቅ ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ሂብካ ዓመጽ ተፈጺሙ ምባል እውን ነቲ ንጹሕ ስለዘጸግም ምጥንቃቅ የድሊ ኢሎም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

 

 

 

28 August 2018, 18:22