ኣብ ራጋነሎ ናይ ዘጋጠመ ግዳያት ጸሎተይን ቅርበተይን እገልጽ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 22 ነሓሰ ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ምስ ፈጸሙ ኣብዚ ቅንያትዚ ኣብ ካላብርያ ዝበሃል ክፍሊ ዓዲ ጣልያን ንዝተጐድኡ ልዕሊ 10 ሰባት ብምዝካር ጸሎቶምን ብመንፈስ ቅርበቶምን ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ኣብ ዞባ ካላብርያ ብዝገዳመ ባህርያዊ ሓደጋ ንዝተጐድኡ 10 ዝኾኑ መንእሰያት ዝበዝሕዎ ሕልፈት ንምዝካር ዞባዊ ዕለተ ሃዘን ከምዝኣወጁ ናይቲ ዞባ ፕረሲደንት ኦሊቨርዮ ገሊጾም። ‘ንዝሞቱ ዝስመዓና ሓዘን እንክንገልጽ ነቶም ዝቀሰሉን ንሥድራቤት ግዳያት ናይዚ ዘይተሓስበ ባህርያዊ ሓደጋ ዝዓበየ ደገፍና ንገልጽ’ እንክብሉ እውን ዝተሰመዖም ዓሚቑ ሓዘን ገሊጾም። እዚ ሓደጋ እዚ ዘጋጠመ ቅድሚ ትማሊ ሞንታና ደል ፖሊኒ ኣብ ዝበሃል መንጎ ዞባታት ካላብርያን ባዚሊካታን ዝርከብ መንጫዕጫዕታ ኣብ ዙረት ዝነበሩ ዘይተሓስበ ማይ ስለዝጐበጦም ክሳብ ሕጂ ሞት ናይ 10 እንክረጋገጽ ገና ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ እውን ከም ዘለው ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና የመልክት።

ቅዱስነቶም ነዚ ዜና እዚ ብዝሰምዑ ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ብመንፈስ ቅርበቶምን ኣብ ጸሎቶም ከምዝሓስብዎምን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ሃመይን ቀልበይን ኣብዘን ዝሓለፋ ዕለታት ኣብ ዞባ ካላብርያ ኣብ ወሓዚ ማይ ራጋነሎ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓዲ ጣልያን ንክዘናግዑ ዝከዱ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ኮይኑ፣ ነቶም ኣብዚ ድራማዊ ፍጻሜ ሕይወቶም ዝሰኣኑ ናብ መልከኦታዊ ምህረት እግዚብሔር እንከማዕቊብ ንሥድራቤታቶም ከምኡ እውን ነቶም ዝቈሰሉ መንፈሳዊ ቅርበተይ እገልጽ።”

እንክብሉ መጸናንዒ ቃላት ኣስሚዖም። 

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
22 August 2018, 09:08