ድለ

2018.08.01 ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ 2018.08.01 ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ 

ንክተፍቅር ካብ ኣምልኾ ጣዖት ነጻ ምዃን የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ብምኽንያት ዕረፍቲ ሓጋይ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ዓለምና ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣቋሪጾሞ ንዝነበሩ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ እንደገና ብምጅማር ሎሚ ንግሆ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ‘ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ ’ (ዘጸ 20.3) ኣብ ዝብል ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ‘ዓለምና ሎሚ ናይ ጣዖት ዕዳጋ ኮይኑ እዚ ከኣ ዘድልዩናን ዘይድልዩናን ነገራት ከምኡ እውን ምስልታትን ሓሳባትን ስራሓትን ክኾኑ ይኽእሉ` እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ቅድሚ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮሞ ዝነበሩ ብዛዕባ ትእዛዛት እግዚብሔር ዚምልከት ትምህርቶም ብምቅጻል `ኣምላኽ ንዘይኮነ ከም ኣምላኽ ምርኣይ ወይ ኣምልኾ ምቅራብ ቀጻሊ ናይ እምነት ፈተና ኰይኑ እዚ ነቲ ኣረማውያን ዘቅርብዎ ኣምልኾ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ኣባና እውን ኣብ ሓደ ነገር ጥራይ ኣተኲርና በቲ ነገር እቲ ክንማረኽ እንከሎና ምስ እነርእዮ ኣመለኻኽታት እውን ይተኣሳሰር እዩ` እንክብሉ ብሰፊሑ ብዛዕባ ጣዖት ገሊጾም፣ 

““ጣዖት ክንብል እንከሎና ብዙሕ ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ነገራት ወይውን ሓሳባት ክተንጸባርቅ ከሎኻ እዩ። በዚ መንገዲ እዚ ዝሰርሕ ንኣብነት ምውዕዋዕ ኣሎ፣ ነቲ ነገር ከምዘሎ ኣይዕዘቦን እየ እንታይ ደኣ እታ ማኪና እቲኣ ወይውን እታ ሞባይል እቲኣ ወይውን እቲ ሥራሕ እቲ ከምኡ እውን ካልእ ነገራት ከም መጋበሪ ናይቶም ኣብ ውሽጠይ ዝስምዑኒ ኣድለይቲ ነገራት ኣብ ግብሪ ንምውዓልን መልሲ ንምሃብን እጥቀመሉ፣ ነዚ ኣብ ምውዕዋዕ ርእየ ዝበሃግክዎ ነገር እደልዮ ብዛዕባኡ ጥራይ እዛረብ ብዛባኡ ጥራይ እሓስብ፣ ነቲ ነገር እቲ ናይ ምውናን ሓሳብ ነቲ መደብ እቲ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ኣብቲ ቦታ እቲ ናይ ምብጻሕ ጉዳይ ንታሕጓሰይ ኣደናግቂ ብዝኾነ መንገዲ ከምዝበጽሕ ኮይኑ ይስመዓኒ፣ ከምቲ ንሰማይ ዝበጽሕ ግንቢ ባቢሎን ምህናጽ (ዘፍ 11.1-9) ዝነበረ ዘሎኒ ኩሉ ኣብቲ ዝዓለምክዎ ንምብጻሕ እዩ። ””

ጣዖታት ንሕይወት ይሰርቑ!

ኣምልኾ ጣዖት ኣብ ቀዳማይ ገጹ ንኩሉ ኣተኲሮ እንክስሕብ ኣብ ካልኣይ ገጹ ኸኣ ናይ ዕንወት ገጹ እዩ ዘምርሕ፣ እዚ ከኣ ናብ ኣምልኾን መሥዋዕትን ገጹ ስለዘምርሕ ንዘሎካ ኩሉ መሥዋዕቲ ናብኦም ንክተቅርብ ትግደድ።

““ኣብ ኦሪት ንጣዖታት መሥዋዕቲ ደቂሰባት ይቀርቦም ነበረ ኮይኑ ግን ሎሚ እውን እንተኾነ ንሓደ ደረጃ ሕይወት ክትበጽሕ ደቅኻ ምሥዋዕ ይረኤ እዚ ከኣ ወይ ወሊድካ ከምዘወለድካዮም ኣመቶም ዘይምግባር ብዝገደደ ከኣ ኣነ ክሳብ ኣብዚ ደረጃ እዚ ዝበጽሕ ወላ በዓል ሓዳር እንተኾንኩ ኣይወልድን ብማለት ከምኡ እውን መልክዔይ ከይበላሾ ኣይወልድን ክሳብ ምባል ተበጺሑስ ኩሉ መስዋዕቲ ደቂሰባት ይሓትት፣ ኣብ ቅድሚ መስትያት ክንደይ ሰዓታት ነሕልፍ፣ ሓደ ሰብ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ክትኰሓሓል ኣብ ቅድሚ መስትያት ብዙሕ ግዜ ተሕልፍ እዚ እውን ሽሕ’ኳ ምኩሕሓል ሕማቅ እንተዘይኮነ ኩሉ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ብምትኳር ከም ጣዖት ኣብ ምምልካዕ ጥራሕ እንተውዒልካ ኣምልኾ ገዛእ ርእስና እዩ። ውሩይን ህቡብን ምዃን ንገዛእ ርእስኻ ንሓቀኛ መንነትካ መሥዋዕቲ ክሳብ ምኽፋል ኣብ ዘብጸሓሉ ዘመን ኢና በጺሕና ዘሎና፣ ከመይ ኣምልኾ ጣዖት ብዙሕ ግዜ ደም ስለዝሓትት፣ ኣምልኾ ንዋይ ስለገንዘብ ክትብል ሕይወትካ ኣብ ምርሳዕ ስለዘብጽሕ ንሕይወትና ይሰርቅ ክንብሎ ንኽእል፣ ከምኡ እውን ምቾት ምድላይ በይንና ኣብ ምትራፍ የምርሓና፣ ዘሎ ቊጠባዊ ተቊዋማት ንዘለዓለ ጥቅሚ ሕይወት ደቂሰባት መሥዋዕቲ ይኽፈለሎም፣ እስኪ ብዛዕባ እቶም ሥራሕ ዘይብሎም ብዙሓት ሰባት ንሕሰብ፣ ንምንታይ እንተኢልና ናይቲ ፋብሪካ እቲ ተዀናተርቲ ወይውን እቲ ዲታ እቲ ብዙሕ መኽሰብ ንምርካብ ናብ ካልእ ሃገር ንክኸዱ ስለዝወሰኑ ይብል፣ ኣምልኾ ንዋይከስ እነሆ። ኣብ ኣምሰሉነት ይንበር፣ ካልኦት ዝበሉኻ እንገበርካን ንሶም ክሰምዕዎ ዝደልይዎ እናተዛረብካን ትነብር፣ በዚ ከኣ ሕይወት ይዓኑ ሥድራቤት ይዓኑ መንእሰያትና ኣብ ኢድ እዞም ንሕስያ ዘይብሎም ይወድቁ! ንመኽሰብ ክበሃል ዕንወት ብቀሊሉ ይስዕብ። ከምኡ እውን ሓሺሽ ካልእ ጣዖት እዩ፣ ክንደይ መንእሰያት ጥዕናኦምን ሕይወቶምን ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ናይ ሓሺሽ ብምውዳቅ የዕንው! ””

ኩሎም ጣዖታት ንሰባት ኣብ ባርነት የውድቑ!

ሳልሳይ ደረጃ ናይ ኣምልኾ ጣዖት እቲ ዝኸፍኤ ኮይኑ ባርነት እዩ።

““ጣዖታት ኣብ ባርነት የውድቁ። ታሕጓስ የተስፍው ግን ኣይዕድልዎን! ስለቲ ራእይ እቲ ወይውን ስለእቲ ጉዳይ እቲ ጥራይ ከምእትነብር ይገብሩ፣ ንገዛእ ርእስኻ ዘዕኑ ዕንኪሊል ብዝብል ንፋስ ዘራጊቶ ተታሕዚካ ነቲ ዝተስፈውኻ ክትጽበ እቲ ውጽኢት ግን ዘይርከብ ኩነት ትነብር። እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ሕይወትካ ክትሥውኣሉ ኣይሓትትን እኳ ደኣ ሕይወት ይህበካ፣ ሓቀኛ ኣምላኽ ናይቲ እንሓልሞ ጸብለልትነት ኣይህብን እንታይ ደኣ ንክተፍቅር ይምህር። ሓቀኛ እግዚአብሔር ደቅኻ ሰውኣለይ ኣይብልን እኳ ደኣ እንኮ ወዱ ንዓና ይህቦ፣ ጣዖታት ግን ዘይጭበጥ መጻኢ የተስፍው ነቲ ዘሎ የስተናዕቁ፣ ሓቀኛ ኣምላኽ ግና ነታ ዘሎኻ ኣብታ ዝተዋሃብተካ ናይ ሎሚ ዕለት ብምልኣት ክትነብር ይምህር።””

ብሓቂ እነፍቅረሉኸስ ካብ ጣዖታት ሓራ ምስ ኰና እዩ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ትምህርቶም ኩልና ነናብ ገዛእ ሕልናና ተመሊስና ክነስተንትንን ዘሎና ናይ ኣምልኾ ጣዖት ክንፈልጥ ብምዝኽኻር እዚ ከኣ መጀመርያ ጸጋ ምዃኑን በዚ ከኣ ንመንገዲ ፍቅሪ ከምዝኸፍተልና ገሊጾም፣

““ደድሕሪ እዞም ጣዖታት እዚኦም ንምኻድ ድሕሪ ሓደውን ይኹን ንምኻድ ኣብ ሕይወትና ኣገደስቲ ንዝኾኑ ኣቦና ኣደና ደቅና በዓልቲ ቤትና በዓል ቤትና ሥድራና ክንሓድግ ንኽእል፣ ኣብ ሓደ ነገር ወይ ሓሳብ ምልጋብ ናይ ፍቅሪ ኣዕይንትና የዕውሮም፣ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ልብኹም ሓዝዎ ‘ጣዖታት ፍቅሪ ይሰርቁ! ጣዖታት ኣዕይንቲ ፍቅርና የዕውር! ብሓቂ ክነፍቅርከስ ካብ ዝኾነ ጣዖት ሓራ ክንከውን ኣሎና። ጣዖተይ ኣየናይ ኮን ይኸውን! ኢልካ ሃሰስ በል እሞ በጥቊልካ ብመስኮት ደርብዮ”ኢሎም።”

እንክብሉ ድሕሪ ኣስተምሂሮም ሎሚ በዓል ቅድስ ኣልፎንሶ ዘሊግዎሪ ምዃኑ ብምዝኽኻር እዚ ቅዱስ እዚ ‘ቀናእ ጓሳ ብትሕትና ብየውሃትን ንልቢ ሕዝቡ ዝማረኸ እዩ፣ ኣብነቱ እምነትና ኣብ ናኣሽቱ ነገራት ዕለትዕለት ብታሕጓስ ክነብሮ ይሓግዘና’ ኢሎም።

ነዚ መደብዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብዚ ጠውቑ!
ጣዖታት ፍቅሪ ይሰርቁ! ጣዖታት ኣዕይንቲ ፍቅርና የዕውር! ብሓቂ ክነፍቅርከስ ካብ ዝኾነ ጣዖት ሓራ ክንከውን ኣሎና። ጣዖተይ ኣየናይ ኮን ይኸውን! ኢልካ ሃሰስ በል እሞ በጥቊልካ ብመስኮት ደርብዮ፣
01 August 2018, 09:58