ንክተፍቅር ካብ ኣምልኾ ጣዖት ነጻ ምዃን የድሊ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ነቲ ቅድሚ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮሞ ዝነበሩ ብዛዕባ ትእዛዛት እግዚብሔር ዚምልከት ትምህርቶም ብምቅጻል `ኣምላኽ ንዘይኮነ ከም ኣምላኽ ምርኣይ ወይ ኣምልኾ ምቅራብ ቀጻሊ ናይ እምነት ፈተና ኰይኑ እዚ ነቲ ኣረማውያን ዘቅርብዎ ኣምልኾ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ኣባና እውን ኣብ ሓደ ነገር ጥራይ ኣተኲርና በቲ ነገር እቲ ክንማረኽ እንከሎና ምስ እነርእዮ ኣመለኻኽታት እውን ይተኣሳሰር እዩ` እንክብሉ ብሰፊሑ ብዛዕባ ጣዖት ገሊጾም፣
ጣዖታት ንሕይወት ይሰርቑ!
ኣምልኾ ጣዖት ኣብ ቀዳማይ ገጹ ንኩሉ ኣተኲሮ እንክስሕብ ኣብ ካልኣይ ገጹ ኸኣ ናይ ዕንወት ገጹ እዩ ዘምርሕ፣ እዚ ከኣ ናብ ኣምልኾን መሥዋዕትን ገጹ ስለዘምርሕ ንዘሎካ ኩሉ መሥዋዕቲ ናብኦም ንክተቅርብ ትግደድ።
ኩሎም ጣዖታት ንሰባት ኣብ ባርነት የውድቑ!
ሳልሳይ ደረጃ ናይ ኣምልኾ ጣዖት እቲ ዝኸፍኤ ኮይኑ ባርነት እዩ።
ብሓቂ እነፍቅረሉኸስ ካብ ጣዖታት ሓራ ምስ ኰና እዩ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ትምህርቶም ኩልና ነናብ ገዛእ ሕልናና ተመሊስና ክነስተንትንን ዘሎና ናይ ኣምልኾ ጣዖት ክንፈልጥ ብምዝኽኻር እዚ ከኣ መጀመርያ ጸጋ ምዃኑን በዚ ከኣ ንመንገዲ ፍቅሪ ከምዝኸፍተልና ገሊጾም፣
እንክብሉ ድሕሪ ኣስተምሂሮም ሎሚ በዓል ቅድስ ኣልፎንሶ ዘሊግዎሪ ምዃኑ ብምዝኽኻር እዚ ቅዱስ እዚ ‘ቀናእ ጓሳ ብትሕትና ብየውሃትን ንልቢ ሕዝቡ ዝማረኸ እዩ፣ ኣብነቱ እምነትና ኣብ ናኣሽቱ ነገራት ዕለትዕለት ብታሕጓስ ክነብሮ ይሓግዘና’ ኢሎም።