ድለ

ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 8 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 8 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. 

ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 8 ነሓሰ 2018 ዓ.ም.

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕርብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ መሰረት እቲ ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ምዕራፍ 20 ተመልኪቱ ዘሎ ዓስርቱ ቃላት (ትእዛዛት) ኣማእኪሎም ኣስተምህሮ ዘበገስዎ ኣስተምህሮ ኣስዒቦም፡ ሎሚ ዕለት 8 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ዘተኰረ ኣስተምህሮ ኣቕሪቦም፡ ድዅም ምዃንካ ምፍላጥ ንእግዚኣብሔር ክፉት ናይ ምዃንን ኣብ ልባትና ንጣዖታት ኣይፋል ንምባል ቅድመ ኩነት ምዃኑ ኣዝኸኺሮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕርብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ መሰረት እቲ ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ምዕራፍ 20 ተመልኪቱ ዘሎ ዓስርቱ ቃላት (ትእዛዛት) ኣማእኪሎም ኣስተምህሮ ዘበገስዎ ኣስተምህሮ ኣስዒቦም፡  ሎሚ ዕለት 8 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ዘተኰረ ኣስተምህሮ ኣቕሪቦም፡ ድዅም ምዃንካ ምፍላጥ ንእግዚኣብሔር ክፉት ናይ ምዃንን ኣብ ልባትና ንጣዖታት ኣይፋል ንምባል ቅድመ ኩነት ምዃኑ ኣዝኸኺሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ በሸሓት ንዝቝጸሩ ምእመና ዛዕባ ኣምልዀ ጣዖት እንክዛረቡ፡ ብፍላይ ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ምዕ. 32 ኣቲ ብልጫ ዝዀነ ይኹን ጣዖት ተባሂሉ ዝግለጽ ብወርቂ ዝተገብረ ምራኽ ውከሳኦም የንብሩ።

ኣብ ምድረ በዳነት ጣዖት ምንዳይ ይተኣታተው

እቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ታሪኽ ጣዖት ብወርቂ ዝተቀርጸ ምራኽ ኩነት ዘተኰረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኩነት፡ ኩነት ምድረ በዳነትን፡ ብዙሕ ዘይምርግጋጽን ሓደጋታትን ዝረአየሉ ጭቡጥ ኵነት እዩ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዘይተረጋገጸን ውሕስነት ዘይብሉን ክከሓድ ዘይግብኦ ውሕስነት እውን ከይተረፈ ዘይርከበሉ፡ እዚ ኵነት መሰረታዊ ሻቕሎት፡ እንታይ ክሰትይ እንታይ ክበልዕ እየ ዝብል፡ ንጣዖት ልሙዕ መሬት ክኸውን እንከሎ፡ ምሽቓል የስዕብ።

ሰብኣዊ ፍጥረት ካብ ዘይርጉጽነት ንምምላጥ ሃይማኖት የናድይ፡ ርእሰ ሰርሖ ሃይማኖት፡ እግዚኣብሔር እንተድኣ ክረኣይ ዘይፈቐደ፡ ብማዕቀንትናን ምስ ማዕቐንና ዝመጣጠን ጣዖት ክንወቅር ኢና፡ ኣብ ቅድሚ ጣዖት እቲ ካብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ርግጸይናነት ውጻእ ናይ ዝብል ጸዋዕታ ስግኣት የሎን፡ ስለምንታይ ጣዖታት ‘ኣፍ ኣለዎም, ኣይዛረቡን’ (መዝ. 115,5 ረኣ)፡ እምበኣር ከስ ጣዖት ገዛእ ርእስኻ ናይ ክውንነት፡ ሓቅነትን ማእከል ንምግባርን ስርሖት ኣእዳውካ ንምምላኽ ምኽኒት እዩ፡

ዲል፡ ሃብትን ገንዘብን፡ ዝነበረን ሰሎን ፈተና

ኣድላይነት ጣዖት፡ ኣሮን ናይ ምህርተይናነትን ፍድፋድን ጸዓትን ሓይልን ትእምርቲ ዝዀነ በቲ ናይ ብሉጽ ሃብቲ ምልክት ብዝዀነ ወርቂ ዝተገብረ ምራኽ ክሰርሕ የገድዶ፡ ዲል ስልጣንን ገንዘብን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝነበረን ዘሎን ፈተና እዩ! ውሩቕ ምራኽ እንታይ እዩ? ናይ ኩሉ ድላይ ዝውክል ክኸውን ብምሉእ ነጻነቶም ድላዮም ዘወክልሉ ነጻነቶም ዝሓልምሉ እዩ፡ ንሱ ግና ጊላዎት ይገብሮም፡ እቲ ዓቢይ ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ እምበኣር ካብ ልብና ጣዖትነት ንምምሓው እዩ

እዚ ኵሉ ዝነቕል ኣብ እግዚኣብሔር እምኖት ምንባር ካብ ዘይምኽኣል እዩ፡ ርግጸይናነትና ኣብኡ ክስበርን ንሱ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ሃረርታ ጥልቀት ክህብ ገዛእ ርእስና ንዓዑ ምስ እንሓድግ ዘይርጉጽነትናን ድኻምነትናን ምጥርጣርናን ዝጻወሩ ንኸውን፡ ብዘይ ቀዳምነት ምሃብ ንእግዚኣብሔር ብቐሊሉ ናብ ኣምልዀ ጣዖት ይውደቕ በቶም ሓሳር ውሕስነታት ዝድሰቱ ንኸውን ።

ድኹምነት መዓት ወይ መቕዘፍቲ ኣይኰነን

እቲ ምእንታና ድኻ ዝዀነ ኢየሱስ ምቕባል ነቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ድኻምነት መዓት ወይ መቕዘፍቲ ሰብኣዊ ሕይወት ዘይኰነስ እንታይ ደኣ ገዛእ ርእስኻ ነቲ ብእውነት ብርታዔ ዝዀነ ክትከፍት ዝኽእለካ ቅድመ ኩነት ምዃኑ ከተስተውዕል የብቅዓካ፡ ብኣፈት ድኻምነት ምድሓን እግዚኣብሔር የኣትው (2ቆሮ. 12,10 ረኣ)፡ ብሓይሊ ርእሰ ዘይብቑዕነት ሰብ ናብ ኣቦነት እግዚኣብሔር ክፉት ይኽውን፡ ናይ ሰብ ናጻነት ዝውለድ እቲ እውነተይና እግዚኣብሔር እንኰ ጐይታ ክኸውን ኣብ ምፍቃድ እዩ፡ እዚ ኽኣ ገዛእ ርእሳዊ ተነቃፍነት ንኽንቅበልን ናይ ልባትና ጣዖታት ንኽንነጽግ ዝፈቕዱ ንምዃን የብቅዓና።

ኣብ ክርስቶስ ዘብለጭልጭ መታለሊ የሎን 

ንስቑል ኢየሱስ ምጥማት ንኣና ክርስቲያን ንሱ ድዅምን ዝተናዕቀን ካብ ኩሉ ውናኖ ዝዓረቐ ናይ እውነተይና እግዚኣብሔር ወጅህን ናይ ፍቕሪ ግብርን መጐስን እምበር እቲ ዘብለጭልጭ ኣታላልነት ኣይኰንና እንርእይ፡ ፍውሰትና ወይ ሕውየትና ካብቲ ድኻ ንኽኸውን ዝመረጸ ውድቀትን ሽንፈትን ሕራይ ቢሉ ዝተቐበለ ምሉእ ብምሉእ እቲ ኵሉ ዘይርግጸይናነትና ተጠራጣርነትናን ብፍቕርን ብሓይልን ክመልኦ ካብ ዝፈቐደ እዩ፡ ንሱ ዝመጸ ሓይሊ እግዚኣብሔር ንኽገልጸልና እዩ። ኣብ ክርስቶስ ተኣፋፍነትና መርገም ዘይኰነስ ምስ ኣቦን ምስቲ ናይ ሓድሽ ሓይሊ ምንጪ ዘራኽብ ስፍራ እዩ ኢሎም።

ቅድስቲ ተረዛ ዘመስቀል፡ ናይ ሕዝበ ኣይሁድን ክርስትያንን ሰማእት

ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ኣብቅዑ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 9 ነሓሰ ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ኤዲት ስታይን ናይ ገዳማዊ መጸውዕ ስማ ተረዛ በነደትታ ደላ ክሮቸ እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፡ እዛ ናይ እዋናዊት ኤውሮጳ ዜጋ ናይ እምነት ሰማዕት፡ ሰማዕት ስሙር ሕይወትን ፡ ብቕንዕናን ብፍቕር ደላዪት እግዚኣብሔር እንክብሉ ገሊጾም፡ እዛ ናይ ኤውሮጳ ሓላዊት ቅድስቲ ምእንቲ ኤውሮጳ፡ ኤውሮጳ ካብ ድንዛዜ ክትላቐ ትጸልይን ተማልድን፡ ንዅላትኩም እግዚኣብሔር ይባርኽኵም ኢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮም።

ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 8 ነሓሰ 2018 ዓ.ም.
08 August 2018, 16:19