ድለ

2018.08.25-26 መበል 24 ሐዋርያዊ ጒዕዞ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ! 9ይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ኣብ ዳብሊን 2018.08.25-26 መበል 24 ሐዋርያዊ ጒዕዞ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ! 9ይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ኣብ ዳብሊን 

መበል 24 ሐዋርያዊ ጒዕዞ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ! 9ይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ኣብ ዳብሊን ካብ 25-26 ነሐሰ 2018 ዓምፈ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ዝሓለፈ 21 ነሓሰ ብርእየት ወይ ቪድዮ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ብዝቀረብዎ ቡራኬኦም ብዕሊ ዝጀመረ 9ይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ኣብ ዳብሊን ንክሳተፉ ካብ ጽባሕ 25 ነሓሰ ክሳብ 26 ነሐሰ 2018 ዓምፈ ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክገብሩ እዮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ሃገረ ኣየርላንድ ድሕቲ እቲ ብ1979 ዓም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክሳብ ሎሚ ዝበጽሓ ር.ሊ.ጳ ከምዘየለ ጸብጻባት የመልክቱ። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቀደም ቀደም ከም ተመሃራይ ብ1980 ዓም ቋንቋ እንግሊዝ ከጽንዑ ኣብኡ ኣብ ዝርከብ ናይ ኢየሱሳውያን ገዳም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ናይ ሎሚ ሠለስተ ዓመት ይገብር ዓለመለኸ ዕለተ ርክብ ሥድራቤት ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ ክግበር ምስ ተወሰነ መንግሥትን ቤተክርስትያንን ሃንጐፍያ ኢሎም ከም ዝተቀበልዎን ካብ መራሒ ሃገር ናይቲ ዓዲ ጀሚርካ ክሳብ መራሕቲ ቤተክርስትያን ኣብዚ ፍሉይ ዕለት ር.ሊ.ጳ ምሳኦም ሓቢሮም ንክውዕሉ ዕድመታቶም ከውሕዙ ጀሚሮም። ቅዱስነቶም እውን ንኩሉ ዕድመ ብምቅባል ጽባሕ ንግሆ ንሃገረ ኣየርላንድ ክነቅሉ ዘድሊ ምቅርራባት ተገሩ ኣሎ።

ከምቲ መርሓ ግብር ዘመልክቶ ብሰዓት ኣቆጻጽራ ሮማ ንግሆ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቃን ካብ ቤቶም ነቂሎም ስዓት ሾመንተን ርብዕን ካብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ፍዩሚቺኖ ሮማ ተላዒሎም ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓትን ርብዕን ጒዕዞ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣየረላንድ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ዳብሊን ክበጽሑ ትጽቢት ከምዘሎ መርሓ ግብር ናይዚ ሓዋርያዊ ጒዕዞ የመልክት። ኣብዚ እቲ ልሙድ ርክብ ምስ ሰበሥልጣን እታ ሃገር ከምኡ እውን ካተድራል እኖና ድንግል ማርያም ክበጽሑ ትጽቢት ይግበር። ኣማስያኡ ከኣ ጸሎተ ዋዜማ ናይ በዓል ሥድራቤታት ኣብ ሜዳ ክሮክ ክሳተፉ እዮም።

ንድሕሪ ጽባሕ ንግሆ እውን ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ኣመልኪትናዮ ከምዝነበርና ኣብታ ልቢ ኣየርላንድ ተባሂላ እትግለጽ መካነ ንግደት ማርያም ዘኖክ ክሳለሙ እሞ ኣማስያኡ ኣብ ፈኒክስ ፓርክ ልዕሊ 500 ሺሕ ክሳተፍዎ ትጽቢት ዝግበረሉ መዕጸዊ ናይቲ ንሶሙን ዝተኻየደ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት መሥዋዕተ ኣዕሪጎም ምስ ጳጳሳት ሃገረ ኣየርላንድ ተራኺቦም ንሮማ ክምለሱ ምዃኖም እውን እት መርሓ ግብር ይገልጽ።

ዝኸበርኩም ተኸታተልትና ብዝተኻእለና መጠን ኣብ እዋኑ ንዝግበር ነገራት እንተስ ብሓጺሩ እንተስ ብዝርዝሩ ክነቅርበልኩም ምዃና እንክነመልክት ብመርበብ ሓበሬታናስ ይኹን ብሬድዮ ክትከታተሉና ንዕድም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

24 August 2018, 17:51