ዳብሊን ሃገር ኣየርላንድ ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም ሥርዓት! ርክብ ምስ ሰብሥልጣን መንግሥቲ!

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ብሰላም ሃገረ ኣየርላንድ ኣትዮም። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዜና ዝገልጽናዮ ቅዱነቶም ሎሚ ንግሆ ሰዓት ሾመንተን ፈረቃን በቆጻጽራ ሰዓት ሮም ካብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሮማ ነቂሎም ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓት ጉዕዞ ሰዓት 10.27 ብሰዓት ዳብሊን 3 ደቂቅ ኣቀዲሞም በጺሖም። ቅዱስነቶም ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ ዝገብርዎ መበል 24 ዓለምለኸ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ኣብ 9ይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታ ንምስታፍ እንክኾን ብዓለምለኸ ሰበሥልጣንን ናይቲ ዓዲ ሰብሥልጣን ቤተክርስትያንን ዓቢ ተቅባል ከምዝገበሩሎም ካብ ቦታኡ ዝውሕዙ ዘለው ዜናታት ይገልጹ።

ቅዱስነቶም ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ብቀጥታ ዝተጓዕዝዎ ናብ ቤተመንግሥቲ እቲ ሃገር እንኽኾን ድሕሪ ወግዓዊ ተቅባል ቅዱስነቶም ናብ መንበሪ ፕረሲደንት ሃገረ ኣየርላንድ ብምኻድ ምስ ፕረሲደንት ሃገረ ኣየርላንድ ሚካኤል ሂጂንስን ተሓባበርቶምን ተራኺቦም።

ር.ሊ.ጳ ንሰበሥልጣን ሃገረ ኣየርላንድ! ንወንጌል ብምንም ተኣምር ክንርስዕ የብልናን! ምናዳ ብዛዕባ ሥድራ ስደት ከምኡ እውን ዓመጽ ዝምልከት ክኸውን ከሎ።

ቅዱሰንቶም ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ ዝገበርዎ ምብጻሕ ብቀዳምነት ዝፈጽምዎም ነገራት ምብጻሕ ፕረሲደንት ሂጂንስ ምስ ሰበሥልጣን ምርኻብ ነበሩ። ኣብዚ ነቲ ቀንዲ ቊስሊ ቤተክርስትያን ኮይኑ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ ትሕቲ ዕድመ ብምጉላሕ እዚ ፈጺምካ ክውገድ ዘልዎ ምዃኑ ከምኡ እውን ቅልውላው ፍልሰት ብዝምልከት ዘጋጥም ዘሎ ምጉናይ ምክልኻል ሕይወት ካብ ጽንሲ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ናይ ሥድራቤት ቅልውላውን ኣብ ሃገራት ነባሪ ሰላም ምንጋስን ብዝምልከት ዓሚቊ ዘተ ከምዘድሊ ገሊጾም።

ኣብ ሕንፍሽፍሽ ሃገረ ኣየርላንድ ንቅዱስነቶም ድሕሪ 40 ዓመት ምብጻሕ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ክቅበሉ ዝተቀሰቡ ርእሰ ብሔር ሚካኤል ሂጂንስ ምስ በዓልቲ ቤቶም ሳቢን ኮይን ነበሩ።

ቅዱስነቶ ኣብቲ ከም ዋይት ሃውስ ናይ ሃገረ ኣየርላድ ዝፍለጥ መንበሪ ፕረሲደንት ምስ በጽሑ ሃገራውያን መዛሙር ቅድስት መንበርን ሃገረ ኣየርላንድን ምስ ተዘመሩን ግቡእ ናይ ክብሪ ሰላምታ ወተሃደራት ምስ ቀረበን ዝተቀበልዎምን ኣብ መዝገብ ክብሪ ቃሎም ንክንብሩ ዝተሓጋገዝዎምን መራሔ ብሔር ሂጂንስ ተረኺቦም ወፈያታቶ ተለዋዊጦም።

ኣብ ፍጻሜ እቲ ርክብ ማዕረ እታ ቅድሚ ኣርባዓ ዓመት ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዝተተኸለት ሎሚ ከኣ ዓባይ ገረብ ኮይና ዘላ ኦም ሰላምን ተስፋን ቅዱስነቶም ከኣ ንሕይወት እተመልክት ኦም ተኺሎም። ኣብቲ ቦታ ተረኺባ ንዝነበረት ሥድራቤት ከም ምልክት ምቅባል ስደተኛታት መዓጹኣ ንስደተኛታት ጋህ ኣቢላ ከፊታ ዝተቀበለት ሥድራቤት ኣየርላድ ተቀቢሎም ስለም ብምባል ከኣ ነቲ ሥርዓት ፈጸሙ።

ድሕሪ ቁርብ ጉዕዞ ከኣ ነቶም ዝጽበይዎም ዝነበሩ ሰበሥልጣን መንግሥትን ሲቪላውያን ማሕበረሰብን ናይ ዲፕሎማሲ ኣካላትን ተወከልቲ ሰሜን ኣየርላንድን ንምርካብ ኣብ ደንደስ ውሒጅ ሊፈይ ተረኽቡ።

ኣብዚ ሁመት እዚ ቅዱነቶም ብዛዕባ ታሪኽ ሀገረ ኣየርላንድን ብዛዕባ ሥድራቤትን ኣድላይነትን ካብ ዝጓነፋ መጥቃዕትን ጸገማትን ንክንከላኸለላ ክንገብሮ ዝግበኣና ነገርትን ብዛዕባ ቅልውላው ፍልሰትን መፍትሒ ይኸውን ዝበልዎ ነገራትን ሰፊሕ ቃል ምስ ሃቡ ኣብ መወዳእት ከ ብዛዕባ እቲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ብኣባላት ቤተክርስትያን ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ተፈጺሙ ዝበሃል ጾታ ዓመጽ ብሓቂ ስቃይ ዝመልኦም ዘሕፍርን ተግባር ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ተዛሪቦም።

“ሕመቅ ሰበሥልጣን ቤተክርስትያን ማለት ኣቡናት ኣሕሉቅ ገዳማውያን ካህናትን ካልኦትን ነዚ ዘስገድግድ ገበናት ብቑዕ ብዝኾነ መንገዲ ክገጥምዎን መፍትሒ ክረኽቡሉን ብዘይምኽኣሎም ገና ቊጥዓ ይፈጥርን ንማሕበረሰብ ካቶሊካውያን ናይ ስቃይን ሕፍረትን ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። ኣነ ንባዕለይ ነዚ ስምዒታት እዚ እካፈሎ። ቅድመይ ዝነበሩ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ክበድ ናይዚ ጉዳይዚ ንምግላጽን ነዚ ክሕደት ተስፋን ምትእምማን ንምእራም ከምቲ ወንጌል ዘመልክቶ ሓቀኛን ወሳንን ብዝኾነ መንገዲ ዘድሊ ስጉምቲ ንክውሰድን ኣተሓሳሲብም ነሮም። እቲ ንሶም ዝተኣታተውዎ ንጹሕን ወሳንን ምትእትታው ኣብቲ ሰበሥልጣን ቤተክርስትያን ንዘሎን ዝሓለፈን ጌጋታት ንምእራምን ንመጻኢ እዚ ከይድገም ዘድሊ ናይ ውሕስነት ስጉምታት ንምእማትን ይጥቀሙሉ ኣለው ኢሎም።”

ንትሕቲ ዕድመ ምክልኻል

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ‘ዝተኸፍለ ይከፈል እዚ ቊስሊ እዚ ካብ ቤተክርስትያን ክርሕቅ ስለዘለዎ ከምቲ ኣብዚ ቁሩብ ግዝያት መልእክቲ ንሕዝበ እግዚአብሔር ኢለ ዝጸሓፍክዋ ተገሊጺ ከምዘሎአ ዝኾነ ዕንቅፋት ጾታዊ ዓመጽ ክፍጸም ከምዘይብሉ ምዃኑ እገልጽ` ኢሎም። ነፍሲ ወከፍ ሕጻን ክቡር ውህበት እግዝአብሔር እዩ ዘሉ ቅዱስነቶም  እዚ ጸጋ እዚ ክሕሎ ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ሓደራ ኢሎም።

“ብጉድለት ብዙሓት ዝተፈጸሙ ዕንቅፋት ክብደት ጾታዊ ዓመጽ ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ንኣድላይነት ምክልኻል ትሕቲ ዕድመን ሓለዋ ዘድልዮም ዓብይትን ምክልኻል ከምዘድልዮም ተረዲኡና ክኸውን ተስፋይ እዩ። በዚ ኸኣ ኩልና ክብደት ናይዚ ጸገምዚ ተረዲኡና ንመንእሰያትና ዘድሊ ጥበብ ዝመልኦ ምስናይን ዋጋ ጥዑያት ክብርታት ወዲሰብን ኣብ ጉዕዞ ሕይወቶም ክንስንቆም እላቦ እንክብሉ ምስ ኣዘኻኸሩ ብዛዕብ ኣድላይነትን ማእከልነትን ሥድራቤት ዓሚቁ ኣስተምህሮ ብምሃብ ቃሎም ኣስሚዒም፣”

ብድሕሪዚ ቅዱስንቶም ኣብ ቤተ እንደራሴኦም ብምኻድ ምሳሖም ምስ በልዑን ምስ ኣዕረፉን ኣማስያኡ ንካተድራል ቅድስት ማርያም ንምብጻሕን ብማሕበር ንኡሳን ኣሕዋት ካፑቺኒ ዝመሓደር ንልዕሊ 300 ዝኾኑ ድኻታት ዕለት ዕለት ንልዕሊ 48 ዓመታት ዝቅልብ ዘሎ ማእከልን በጺሖም። ናብ ቤት ሓዋርያዊ እንደራሴኦም ተመሊሶም ንእሽቶ ዕረፍቲ ድሕሪ ምግባር ናብ ክሮክ ፓርክ እስታድዩም ብምኻድ ጸሎተ ዋዜማ 9ይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ክሳተፉ ትጽቢት ኣሎ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
25 August 2018, 11:57