vatican-switzerland-pope-trip-1529563446890.jpg

ንቅሎ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንሃገረ ኣየርላንድ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ 9ይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ኣብ ዳብሊንንክሳተፉ ሎሚ ንግሆ ዕለት 25 ነሐሰ 2018 ዓምፈ መበል 24 ዓለምሓቆፍ ሐዋርያዊ ጒዕዞ ንምፍጻም ካብ ዓለምሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ፍዩሚቺኖ ናይ ሮማ ነቂሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ ዓለምሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ከምቲ ወትሩ ዝግበር ከኣ ኣብ ከባቢ ፊዩሚቺኖ ዝርከቡ ሰበሥልጣን መንግሥትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣሰንዮሞም። ቅዱስነቶም ናብ ፕረሲደትን ሃገረ ጣልያን ማታረላ ኣብ ዝጸሓፍዎ ተለግራም ሃገረ ጣልያን እውን ንክብሪ መርዓን ሥድራቤትን ክቅበልዎን ክዕቅብዎን ኣዘኻኺሮም፣ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ንመራሕቲ ናይቲ ብልዕሊ ክሊ ኣየረን ዝበርወን ሃገራት እውን ከምዝጸሓፉ እንክምልከት እተን ሃገራት ከኣ እስዊዘርላንድን ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን እየን።

ንቅዱስነቶምን ምሳኦም ሓቢሮም ንዝጐዓዙን ሒዛ ዝነቐለት ነፋሪት ናይ ኣልኢታልያ ኮይና ኣየርባስ ኤ320 እያ። ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ቅዱስነቶም ነታ ካብ ኢዶም ዘይትፈለ ጸላም ቦርሳኦም ሒዞም ኣብ ነፋሪት ምስ ደየቡ ንኩሎም እቶም ሰላም ክብልዎምን ከሰንይዎምን ክሳብ ኣብታ እግሪ ነፋሪት ዝመጹ ሰላምታ ሂቦም ኣብ ነፋሪት ኣተው።

ብኡ ንብኡ ካብ መሬት ምስ ተላዕሉ ከኣ ናብ ፕረሲደንት ሃገረ ጣልያን ሰርጅዮ ማታረላ:

“‘ኣብ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ንክሳተፍ ንሃገረ ኣየርላድ ኣብ ዝነቅለሉን ንሮማ ኣብ ዝሓድገሉን ሁመት ንሃገረ ጣልያ ክብሪ መርዓን ሥድራቤትን ዋጋ ንክህብዎን ንክዕቅብዎን እግዚብሔር ብርሃንን ጥበብን ክህቦም እምህለል። ንዓኹም ንመሳርሕትኹምን ነቲ ብምሉእ ልበይ ዝባርኾ ሕዝቢ ሃገረ ጣልያን ፈርያም ዝኾነ ኣገልግሎት ንክተበርክቱ ልባዊ ምንዮተይ እገልጸልኩም’ እንክብሉ ተለግራም ሰዲዶም።”

ከምኡ እውን ንፕረሲደንት ኮንፈደረይሽን እስዊዘርላንድ ኣለን በርሰ፡

“ንሃገረ ኣየርላንድ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ብልዕሊ ክሊ ኣየር ዓድኹም ኣብ ዝዝንብየሉ ንክቡርነትኩምን ንሕዝቢ እስዊዘላንድን ልባዊ ሰላምታይ ኤቅርብ። ናይ ከኣሌ ኩሉ እግዚኣብሔር ቡራኬ ኣብ ልዕሊ ሃገርኩም እንከማልድ ሰላምን ብልጽግናን ክህበኩም ጸሎተይ እዩ፣ ፍራንቸስኮ ር.ሊ.ጳ”

ድሕሪ እስዊዘርላንድ ስዒቦም ዘቋረጽዋ ሃገረ ፈረንሳ ብምዃና ከኣ ንፕረሲደንት ሪፓብሊክ ሃገረ ፈረንሳ ኤማንወል ማክሮን፡

“ንሃገረ ኣየርላንድ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ብልዕሊ ክሊ ኣየር ዓድኹም ኣብ ዝዝንብየሉ ልባዊ ሠናይ ምንዮተይ እንክገልጽ ብጸሎት ከምዝዝክረኩም ኣረጋግጸልኩም። ኣብ ልዕሌኹምን ኩሎም ሕዝብኹምን ቡራኬ ታሕጓስን ሰላምን እሰደልኩም። ፍራንቸስኮስ ር.ሊ.ጳ”

ኣብ መወዳእታ ዘቋረጽዋ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ኰይና ናብ ንግሥቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ፡

“ንሃገረ ኣየርላንድ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ብልዕሊ ክሊ ኣየር ዓድኹም እንክሓልፍ ንግርማዊነተንን ንብምሉኦም ንጉሣውያን ቤተሰብን ንመላእ ሕዝቢ ሕቡራት መንግሥታትን ልባዊ ሰላምታ ኤቅርብ። ልዑል እግዝብሔር ኣብዚሑ ክባርኸኩም እምነ፣ ፍራንቸስኮስ ር.ሊ.ጳ”

ዝብል ተለግራማት ጽሒፎ ም፣

ቅዱስነቶም ኣብ ነፋሪት ኮይኖም ዘድሊ ተለግራማት ምስ ሰደዱ ናብቶም ምሳኦም ዝጐዓዙ ዝነበሩ ገዜጠኛታት ብምኻድ ሰላምታን ቡራኬን ምስ ሃቡ። ናይ ቫቲካን ክፍሊ ሕትመትን ጋዜጣን ሓላፊ ግረክ ቡርክ፣ ‘ደሓዶ ሓዲርኩም ቅዱስ ኣቦና ስለዘቅረብኩምልና ሰላምታ ነመስግን፣ ሓጺርን ጽዑቅን ጒዕዞ ከምንገብርን ርዱእ እኳ እንተኾነ እዛ ንእሽቶ ሃገር እዚኣ ኣብ ቤተክርስትያን ይኹን ኣብ ዓለም ብዙሕ ጽልዋ ስለዝገበረት ኣድላዪት ሃገር እያ፣ ኣብዚ ምሳኹም 70 ጋዜጠኛታት ኣሎና። ገሊኦም ካብ ሃገረ ኣየርላንድ ዝመጹ እዮም። ገለ እውን ኣብ ሮማ ከም ጋዜጠኛታት ዝሰርሑ ምስና ዝተሓወሱ ደቂ ኣየርላንድ ኣለው። ኣብዚ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እዚ ብዙሕ ነገራት ንጽበ ክትብሉና ትደልይዎ ነገር እንተሎ ሃየ ክብሉ ዘረባኦም ደምዲሞም።

ቅዱስነቶም ከኣ በቲ ልሙድ ኣዘራርባኦም ደሓንዶ ሓዲርኩም ወይ ውዒልኩም ዘስምዕ ቦንጆርኖ ቃሎም ጀመሩ። ስለቲ እቲ ምስናይኩም ስለእቲ ምምጻእኩም አመስግን። እዛ በዓል እዚኣ ንዓይ ኣብ ዓለምለኸ በዓልሥድራቤት ንካልኣይ ግዜ ክሳተፍ ዕድል ትህበኒ ኣላ ቀዳመይቲ ኣብ ፊላደልፊያ ዝገበርክዋ እያ።  ምስ ሥድራቤት ምዃን ደስ ስለዝብለኒ ከኣ በዚ ጒዕዞ እዚ ሕጉስ እየ፣ ብዛኦባ ሃገረ ኣየርላድ እንክለዓል ካልእ ኣብ ልበይ ዝትንክፈኒ ጉዳይ እውን ኣሎ እዚ ከኣ ድሕሪ 38 ዓመት ንካልኣይ ግዜ ሃገረ ኣየርላንድ ክረግጽ ከሎኹ ዝስምዓኒ ታሕጓስ ወሰን የብሉን። ከመይ ቅድሚ 38 ዓመት ኣብዚ ዓዲ እዚ ቋንቋ እንግሊዝ ንከጽንዕ ብ1980 ዓም ኣብዚ ነረ። እዚ ሠናይ ዝኽሪ እዩ። ስለእተበርክትዎ አመስግነኩም ሕጂ ሰላም ክብለኩም እደሊ፣ እንክብሉ ተሰናበትዎም።  ድሕሪ ናይ 3 ሰዓትን ርብዕን በረራ ብሰላም ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ዳብሊን ብሰላም ዓሊቦም፣

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
25 August 2018, 11:25