ቅዱስ ኣቦና፡ ፍርዲ ሞት ዘይቅቡል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ክሳዃዕ ወሲኖም ቅዱስ ኣቦና፡ ፍርዲ ሞት ዘይቅቡል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ክሳዃዕ ወሲኖም 

ቅዱስ ኣቦና፡ ፍርዲ ሞት ዘይቅቡል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ክሳዃዕ ወሲኖም

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብመንጽር ወንጌል ኣብ እተቕርቦ ኣስተምህሮታታ፥ ናይ ሞት ፍርዲ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ፡ ስለምንታይ ነቲ ክገሃስ ዘይብሉ ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ክብሪ መጥቃዕቲ ብምዃኑ፡ ስለዚህ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሞት ፍርዲ ከይህሉ ኣበርቲዓ ብቖራጽነት ክትዓዪ ምዃና ተረጋግጽ ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክሳዃዕ ገይሮም።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብመንጽር ወንጌል ኣብ እተቕርቦ ኣስተምህሮታታ፥ ናይ ሞት ፍርዲ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ፡ ስለምንታይ ነቲ ክገሃስ ዘይብሉ ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ክብሪ መጥቃዕቲ ብምዃኑ፡ ስለዚህ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሞት ፍርዲ ከይህሉ ኣበርቲዓ ብቖራጽነት ክትዓዪ ምዃና ተረጋግጽ ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክሳዃዕ ገይሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጡብ ጽሑፍ 2267 ፍርዲ ሞት ቅቡል ዘብሉ ሕሉፍ - ተራትዖ ብዝብል ኣመለኻኽታ ኣብ ገለ ገለ እዋን ካልእ ምንም ዓይነት ኣማራጺ መፍትሒ ዘይምህላዉ ርቱዕ ክኸውን እንከሎ ተዛማዲ መፍትሒ ክኸውን ከምዝኽእል ትምህርቲ ቤተክርስቲያን እውን ዚቕበሎ እዩ ንዝብል ሓሳብ፥ “ብዙሕ እዋን ብሕጋዊ ስልጣን ናይ ሞት ፍርዲ ድሕሪ ነዊሕ ሕጋውን መደበይናን ከይዲ ቤት ፍርዲ ኰይኑ ንዝጸንሔ፡ ናይቲ ዝተፈጸመ ገበን ክብድቱን ዝህልዎ ሚዛን ሓደጋን ግምት ብምሃብን ናይ ሞት ፍርዲ ቅቡል መጋበሪያ ኰይኑ ይቐርብ፡ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ምክንኻን ብዝብል፡ ይዅን ደኣ እምበር ሎሚ ሰብኣዊ ክብሪ ድሕሪ ዝዀነ ይኹን ዝፍጸም ገበን እውን ዘይሕከኽ ምዃኑ ርግጸይናነቱ ህያው ምስትውዓል ወይ ግንዛበ ስለ ዘሎ፡ ብኻልእ መዳይ ብወገን መንግስቲ እውን ሓድሽ ትርጉም ዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ርድኢት እናሰፍሔ ብምህላዉ እውን፡ ኣብ መወዳእታ ብቑዕን ውጽኢታውን ዝዀኑ ናይ ዜጋታት ጸጥታን ድሕነትን ውሑስ ንምግባር ዘብቅዕ ግቡእ ናይ ማሕቡስ ስርዓት ንምኽዋን ስለ ዝተበቕዔ፡ እዚ ኸኣ እቲ ገበነይና ክእረም ከምዝኽእል ናይ ምድሓን ተኽእሎ ብዘይምንጻግ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ቤተ ክርስቲያን ኣውን ብመንጽር ወንጌል “ናይ ሞት ፍርዲ ዘይቅቡል ምዃኑ ተስተምህር፡ ስለምታይ ነቲ ፈጺሙ ዘይግሃስን ሰብኣዊ ክብሪ ጥንቁቕ ግዳሰ ስለ ዘለዋ፡ ከምዚ ብምዃኑ ኣብ ምላእ ዓለም ናይ ሞት ፍርዲ ክሕከኽ ብጽንዓት ትዓዪ”። ብዝብል ሓሳብ ክሕደስ ከምዝገበሩ ተገሊጹ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓሳብ ዝተወስደ ካብቲ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሰናደዎ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ካብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ ስዒቡ ዕለት 11 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ፈረር ላዳሪያ ተቐቢሎም ኣብ ዘዛራረብሉ እዋን ዝጸደቐ ኰይኑ፡ ስዒቡ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዕለት 1 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ብዓመታዊ ዝክረ በዓል ቅዱስ ኣልፎንሶ ማሪያ  ዘ ሊጉዎሪ ክታሞም ዘንበረሉ ውሳኔ ኰይኑ ናብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ተመሓላለፈ።

ቀዳማይ ሰነድ

እቲ ኣብ 1992 ዓ.ም. ብውሳኔ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተሓትመ መዝበገ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ዘንብሮ ሓሳብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1995 ዓ.ም. ወንጌላዊ ሕይወት ብዝብል ኣርእስቲ ድሕሪ ዝደረስዎን ንንባብ ዝበቕዔን ዓዋዲ መልእኽቲ፥ ናይ ሞት ፍርዲ ፍጹም ኣገዳስነት ዘብሎ ምኽንያት ብግብሪ ክህሉ ኣይክእል ብዝብል ስልጣናዊ ትምህርቲ ክርአይ ከምዝግብኦ ገይሮም እዮምይ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህላዊ ትምህርቲ ናይ ሞት ፍርዲ ዘይንጽል ከምዝነበረን እዚ ከኣ እቲ ገበነይናን ዝፈጸሞ ገበን ተጻርዩ ተሓታትነቱ ተጻርዩ ብጀካ ፍርዲ ሞት ካልኣ ኣማራጺ ምስ ዘይህሉ ናይ ሕዝቢ ሕይወት ንምድሓን ፍርዲ ሞት ይብየን። …. ሎሚ መንግስቲ ነቲ ንሞት ፍርዲ ዝብይኖ ገበነይና ሕይወቱ ከየሕለፍካ ክድሕን ዝኽእል ምዃኑ ዘረጋግጽ ተኽእሎታት ብምህላው እቲ ገበነይና ቀጻሊ ገበን ከይፍጽም ዘኽእሎ ናይ ማእሰርቲ ሜላ ኣረጋጊጹ እዩ።

ምምሕያሽ ዓንቀጸ እምነት ምስቲ ዝነበረ ትምህርቲ ዓንቀጸ እምነት ዝጻረር ኣይኰነን

ብፁዕ ካርዲናል ላዳሪያ ናይ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጡበ ጽሑፍ 2267 ቅዱስ ኣቦና ብዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ክሕደስ ከምዘለዎ ዘመላኽት ናይ ውሳኔ መልእኽቲ ክምእተመሓላለፈ ሓቢሮም፡ እቲ ሓድሽ ናይ ቅዱስ ኣቦና ስልጣናዊ ትምህርቲ ምስ ዝሓለፉ ስልጣናዊ ትምህርታት ዝገራጨው ኣይኰነን፡ ሎሚ እቲ ከቢድ እሞ ናይ ሞት ፍርዲ ንዝብል ውሳኔ ተመሓላሊፉ ዝወሃብ ገበነይና ሎሚ ካብ ቀደም ገበን ከይፍጽም ገርካ ኣብ ጽኑዕ ቤት ማሕቡስ ምሓዙ ዝከኣል ምዃኑ ዘነጽር ሓጺር ተግባራዊ መረዳእታ እውን ከምዝሃቡ ይሕበር።

ጻውዒት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንስራዘ ፍርዲ ሞት

ብፁዕ ካርዲናል ላዳሪያ ከምዝሕብርዎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 25 ዓመት  ቅዋመ ሓዋርያዊ ቅዋም Costituzione Apostolica Fidei depositum- መንበረ እምነት ምኽንያት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብውስኔኦም ክሕተምን ክዝርጋሕን ከምዝገበሩ ዘኪሮም፥ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ትምህርቲ ምዕባለታቱ ብመንጽር ናይታ ወትሩ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ ሕይወት ግልጺ ብዝዀነ ሕሊና ቤተ ክርስቲያን እቶት ምግባር ከምዘድሊ ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ በዚ መርኣያ መሰረት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ወንጌላዊ ሕይወት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘለዎ ዓቢይ ኣገዳስነት ኣብ መልእኽቶም ብኣጽዖንት ሓቢሮም፡ ኣብቲ ናይ ሞት ፍርዲ ዝብል ርእየት ኣብ ዝሰፍሓሉ ማሕበራዊ ሕይወት ሓድሽ ናይ ሕይወት ስልጣነ እተነጽር እያ ቢሎም፡ ኣብ 1998 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ካብ ምድረ ገጽ ዓለም ናይ ሞት ፍርዲ ክውገድ ዘኽእል ብቑዕን ሕጹጽን ማዕቅን ክረጋገጽ ሓደራ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡን ኣብቲ እዋን ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ “… ናይ ስብኣዊ ሕይወት ክብሪ ይትረፍዶ ንሰላማውያን ነቲ ገበን ዝፈጸመ እውን ምኽባር የድሊ፡ እዋናዊ ሕብረተሰብ እቲ ገበነይና ካልእ ገበን ከይፍጽም ዝሰትሮ ገዛእ ርእሱ ካብ ሕደገይና ገበናት ምፍጻን ዝዕቀበሉ ብቑዕ መጋበርያ ቤት ማሕቡስ ኣለዎ፡ እቲ ኣብ በዓለ ልደት ናይ ሞት ፍርዲ ክውገድ ዘቕረብክዎ ጻውዒት ደጊሞ ናይ ሞት ፍርዲ ግብረ ጭካነን ዘይጠቅም ምዃኑ ብምርግጽ ክውገድ ጻውዒት እቕርብ ከምዝበሉ የዘኻኽሩ።

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፡ ናይ ሞት ፍርዲ ይወገድ

እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ክውገድ ዝድርኸ ምኽንያት፡ ሕጂ እውን ናይ ሞት ፍርዲ ክሕከኽ ይድርኸና ኣሎ፡ ስለዚህ ናይ መንግስትን ሕብረተሰብን ሰበ ስልጣናት ናይ ሞት ፍርዲ ጠሪሹ ክሕከኽ ዝከኣሎም ኵሉ ክገብሩ ሓደራ ዝብል ቃል ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝዝከር እዩ፡

ናይ ሰበ ስልጣን ሓላፍነት ናይ ዜጋታት ሕይወት ምክልኻል እዩ

እቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸደቐ ሕጡበ ጽሑፍ 2267 መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ላዳሪያ ምስ ዝሓለፉ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክስርቲያን ቀድውን ቀጻልን ብተኣማንነት ጠመቓዊ ትምህርቲ መሰረት ዘማዕብልን ምዃኑ ነቲ ወትሩ ቤተ ክርስቲያን ኣተመላኽቶ ናይ ሰበ ስልጣን ሓላፍነት ናይ ዜጋታት ሕይወት ምክልኻል ዝብል ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጡብ ጽሑፍ 2265 – 2266 እውን ዝግለጽ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ዝተሓደሰ ሕጡብ ጽሑፍ 2267 ንጽኑዕን ወሳኒ ጻዕሪ ዝድርኽ እዩ፡ ምስ ናይ ፖለቲካ ስልጣናት ኣብተን ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊታትን ዓንቀጽ ናይ ሞት ፍርዲ ተግባራዊ ኣብ ዝዀነለን ሃገራት ናይ ሞት ፍርዲ ክውገድ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሕይወትን ክብሪ ንምኽባር ዘተባብዕ ሕልና ዘነቓቕሕ እዩ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣጠቓሊሎም።

ቅዱስ ኣቦና፡ ፍርዲ ሞት ዘይቅቡል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ክሳዃዕ ወሲኖም
03 August 2018, 15:52