ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ፥ ፍርዲ ሞት ጸረ ሰብኣዊ ክብሪ እዩ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ፥ ፍርዲ ሞት ጸረ ሰብኣዊ ክብሪ እዩ 

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ፥ ፍርዲ ሞት ጸረ ሰብኣዊ ክብሪ እዩ

ድሕሪ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብመንጽር ወንጌል ኣብ እተቕርቦ ኣስተምህሮታት፥ ናይ ሞት ፍርዲ ተቐባልነት ዘይብሉ ከምዝዀነን፡ እዚ ኸኣ ፍርዲ ሞት ነቲ ክገሃስ ዘይብሉ ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ክብሪ መጥቃዕቲ ብምዃኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሎሚ ካብ ቀደም ኣበርቲዓ ናይ ሞት ፍርዲ ከይህሉ ብቖራጽነት ክትዓዪ ምዃና ብምርግጋጽ እቲ ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጡብ-ጽሑፍ 2267 ዝሕደስ ዝሃብዎ ውሳኔ ኣደጊፎም ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየደዎ ቃለ መሕትት፥ ናይ ሞት ፍርዲ ጸረ ሰብኣዊ ክብሪ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ ትሕዝቶ እምነትን ሰብኣዊ ክብሪ ንምክልኻልን ካብ ዝብል መሰረተ ሓሳብ ዝነቐለ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተነጸለ ዘይኰነ ሕያውነት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘረጋግጽ ናይ ዝሓለፉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘእውንን መቐጸልታን እዩ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ፥ ዕለት ክልተ ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ቅዱስነቶም መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጡብ ጽሑፍ 2267 ዝሕድስ ናይ ሞት ፍርዲ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ፡ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ እቲ ክገሃስ ዘይብሉ ሰብኣዊ ክብሪ መጥቃዕቲ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ምኽንያታዊ ዘብሎ ምንም ዓይነት መርትዖ ክህሉ ከምዘይክእል ዝገልጽ እዩ ኢሎም።

ናይ እምነት ትሕዝቶ ዘብርህ

ብፁዕነቶም ኣብቲ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 3 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ሕትመቱ ንንባብ ዘብቅዕዎ ጽሑፍ፡ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ እውነተይና ናይ ዓንቀጸ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምዕባሌኡን ግስጋሰኡን ዘመላኽትን፡ ናይ እምነት ትሕዝቶ ዘነጽር እዩ፡ ነዚ ስዒቡ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ሞት ፍርዲ ምጽዋሩ ዘይከኣል ምዃኑን ዝተበጽሐ ሰብኣዊ ብስለትን ምዕባለ ርእየትን ዘመላኽት እዩ ይብሉ።

ሕዳሴ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጡብ ጽሑፍ 2267

ቀዳማይ ናይቲ ሕዳሴ መርትዖ ይብሉ ብፁዕነቶም፡ ድሕሪ ዝዀነ ይኹን ገበንን ከቢድ ገበንን ይኹን ሰብኣዊ ክብሪ ጠሪሹ ዘይሕከኽ እዩ ዝብል ከምዝዀነን፡ ካልኣይ መርትዖ ከኣ ናይ ሕዝበ ክርስቲያን እወታዊ ግንዛበ እዩ፡ እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስታት እቲ ከቢድ ገበን ብዓይኒ መቕጽዒ ሕጊ ፍርዲ ሞት፡ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተፈርዶ ተመሊሱ ካልእ ገበን ከይፍጽም ዘኽእል ዝኽተልዎ ጽኑዕ ናይ ቤት ማሕቡስ ሜላ እዩ፡ ተኽእሎ ምልዋጥን ድሕነትን ናይቲ ገበነይና ሰብ ግምት ብምሃብ እውን እዩ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝወሰንዎ ሕዳሴ ዘሰንይ ናብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዘመሓላለፎ ሰነድ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳኔ ናይ ዝሓለፉ ናይ ቤተ ርክስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ መቐጸልታ ምዃኑ ብዑምቀት ዘብርህ እዩ፡

ናይ እምነት ቅዱስነትን ምዕቃብ እምነትን ማለት እምነት ምቕምሳልን ዓቢጥካ ምሓዝን ምቕባርን ማለት ኣይኰነን፡ እምነት ንገዛእ ርእሱ ብባህርይኡ ህያው እዩ፡ ስለዚህ ናይ እምነት ሓቂ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ሕቶ መልሲ ምዃኑ ዘረጋግጽን ህያውነት እምነት ምብሳርን ማለት እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ወንጌላዊ ግንዛበ ዘርእዮ ምዕባለን ካብዚ ነቒልካ ጠመቓዊ ትምህርቲ ምንባብን ኣብ ቀጻልነት ህዳሴኡ ምልላይን ኣገዳሲ እዩ እንክብል ከምዘብርህዎ እዩ።

ናይ ሞት ፍርዲ ጸረ ክርስቲያናዊ ግልጸት እዩ

ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ቤተ ክርስቲያን እቲ ከቢድ ገበንን ዓመጽን ኢሰብኣዊ ተግባራትን ናብ ሞት ፍርዲ ከብጽሕ ዘኽእል እትብሎ ገበን ኩሉ ትፈልጦን ትጻረሮን እውን እያ፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ንኽስረዝ ዝብል ድላይ ቤተ ክርስቲያን ናይቶም ኣደዳ ብገበነይናታ ዝዀኑ ስቓይን ኣደዳ ናይ ዝዀኑ ኣባይቲ ስድራ ስቓይን ኢፍትሓውነት ስለ እትዝንግዖ ወይ ኣፍልጦ ስለ ዘይትህበሉ ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ ፍትሒ ካብ ምቕርሓም ኣስናንን ድላይ ሕነ ምፍዳይን ናጻ ምዃንን ዝብልን ክንየው ህልው ኩነት ምባልን ማለት እዩ። ስለዚህ ምጽቃጥን ምንጻልን ሕይወት ጸረ ክርስቲያናዊ ግልጸት ምዃኑ ኣብ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዘውጽኦ ጽሑፎም የብርሁ።

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ፥ ፍርዲ ሞት ጸረ ሰብኣዊ ክብሪ እዩ
04 August 2018, 15:25