ናይ ወርሒ ነሓሰ 2018 ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ: ሥድራቤት መዝገበ ሃብቲ ዘመደ አዳም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ወርሒ መጸ ኣብ ዘቅርብዎ ሓጺር ናይ ርእየት/ቪድዮ መልእኽቲ ‘ዘሎናዮ ናብራ ንሥድራቤት ኣብ ሓደጋ ከውድቅ ተኽእሎ ስለዝሎ ሥድራቤታት ንክዓብዩ ዝሕግዞም ወሳኒ ጭቡጥ ስጉምታት ምውሳድ የድሊ፣’ ዝብል ትሕዝቶ ዘሎዎ ብምትሕልላፍ ኣብ ወርሒ ነሐሰ ስለሥድራቤት ክጽለ ሓደራ ኢሎም፣

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን 

ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ መርበብ ዓለምለኸ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዝብል ስያሜ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ከም ሓዋርያዊ ኣገልግሎቱ ገሩ ዝነጥፍ ኣብ ወርሒ ነሐሰ እውን ስለ ሥድራቤት ክጽለ ብቋንቋ እስፓኒሽ ንዘቅረብዎ ምሕጽንታ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ተርጉሙ የቅርብ፣ 

ቅዱስነቶም ንሥድራቤት ከም መዝገብ ሃብቲ ዘመደ ኣዳም እንክገልጹ ነዚ ኣብ ሓደጋ ዘውርድ ኩነታት ይረኤ ስለዘሎ እዚ ኩነታት እዚ ከኣ ብዓንዲ ርእሱ ካብቲ ናብራ ስለዝጅምር ‘ናይ ዘሎናዮ ዘመን ረምታ ሕይወት ጽቅጠተ ኣእምሮ፡ ተጽዕኖ ሥራሕ፡ ከምኡ እውን ብተቅዋማት ዝቀርበልና ትሑት ግምት ንሓደጋ ክሰጥሓና ይኽእል’ እንክብሉ ንሥድራቤት ኣንጸላሊውዎ ዘሎ ሓደጋ ይገልጹ እሞ እኹል ፖሎቲካ ሥድራቤት ክግበር ይምሕጸኑ፣ 

እኹል ፖሎቲካ ሥድራቤት!

በብዓውዲ ኣብ ፖሎቲካስ ይኹን ኣብ ቁጠባ ብዛዕባ ሥድራቤት ብዙሕ ከምዝዝረብን እዚ ግን ኣኻሊ ስለዘይኮነ ጭቡጥ ውሳኔታትን ክውሰድን ኣብ ተግባር  ክውዕልን ‘ብዛዕባ ኣድላይነት ሥድራቤታት ጥራይ ምዝራብ እኹል ኣይኮነን፣ ጭቡጥ መጋበሪ ክተደንፍዕ የድሊ ከምኡ እውን ቅርዑይ ናይ ሥድራቤት ሜላ ብምትእትታው ኣብ ኅብረተሰብ ዘበርክትዎ ግደ ምምዕባል የድሊ’ እንክብሉ ሓደራ ይብሉ እሞ! እቲ ቀንዲ ከኣ ጸሎት ስለዝኾነ ‘ብሓባር ኰና ኢየሱስ እተን ዓበይቲ ምርጫታት ቁጠባን ፖሎቲካን ንሥድራቤት ከም መዝገብ ሃብቲ ዘመደ ኣዳም ክከላኸሉሉ ጸጋ ክህቦም ንለምን’ ብማለት ተማሕጺኖም፣ 

ነዚ መደብዚ እዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብዚ ጠውቑ!
03 August 2018, 11:34