ድለ

2018.08.29 ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ 2018.08.29 ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ  

ንገበናት ጾታዊ ዓመጻት ብቅንዕናን ትብዓትን ምግጣሙ የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ረፍዲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትምህርቶም ንምስማዕን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንምክፋልን ዝጽብይዎም ንዝነበሩ ምእመናን ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ባሪኾምን ካብ መዝሙረ ዳዊት 128 እዚ ዚስዕብ ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳን ቋንቋ ዓረብን ምስ ተነበ ብቋንቋ ጥልያን ዘቅረብዎ ትምህርቲ ነቅርበልኩም።

“እግዚኣብሄር ዚፈርህ፣ ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ። ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ፣ ብጹእ ኢኻ፣ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም። እንሆ፣ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኺባረኽ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ኪባርኸካ፣ ኵለን መዓልትታት ህይወትካ ድማ ሰናይ የሩሳሌም ክትርኢ ኢኻ። ደቂ ደቅኻውን ክትርኢ ኢኻ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን። መዝሙረ ዳዊት 128”

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ኣብ ፍጻሜ ዝሓለፈ ሶሙን ኣብ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታ ንክሳተፍ ንሃገረ ኣየርላድ መገሻ ገረ ነረ። ኣብ ተለቪዥን ተከታቲልክሞ ክትኮኑ ርግጸኛ እየ። ናተይ ህላዌ ኣብቲ ርክብ ንሥድራቤታት ክርስትያን ኣብ ጸዋዕታኦምን ተልእኾኦምን ንምጽናዕ ነበረ። ኣብ ዳብሊን ዝተጋብኡ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሥድራቤታት መርዑት ኣቦሓጎታት እኖሓጎታትን ሕጻናትን ምስቲ ዝተፈላለየ ቋንቋታቶምን ባህልታቶምን ተመኲሮታቶምን እንክትምልከት ንጽባቄ መደብ እግዚአብሔር ንመላእ ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም ዘርኢ ውርጹጽ ምልክት ነበረ።  ንሕና ነዚ ኣጸቢቅና ንፈልጦ ኢና። መደብ እግዚአብሔር ሓድነትን ውህደትን ሰላምን ኣብ ሥድራቤታትን ኣብ መላእ ዓለምን ኮይኑ እዚ ከኣ ፍረ ምትእምማንን ይቅረ ምባልን ዕርቅን ናይቲ ንሱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃበና እዩ። ጐይታ ንሥድራቤት ኣብዚ መደብ እዚ ንክሳተፉን ኣብዚ ዓለም ሓደ ሰብ እኳ በይኑ ከይስምዖ ማንም ዘይተደልየ ኰይኑ ከይስምዖ ማንም ክይጉሰ ኩሉ ቅቡል ኮይኑ ዝስመዓሉ ዓለም ንምግባር እዩ። ነዚ ኣጸቢቅኩም ሕሰቡሉ እግዚአብሔር ማንም በይኑ ክኸውን ማንም ዘይተደልየ ክኸውን ወይውን ማንም ክጉሰ ኣይደልን። ስለዝኾነ ከኣ ናይዚ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታ መሪሕ ቃል `ወንጌል ሥድራቤት ንዓለም ሓጐስ` ዝብል ነበረ።

ንፕረሲደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን መንግሥታውያንን ሲቪልን ሃይማኖትን ሰበሥልጣን ክብ ዝበለ ምስጋናይ አቅርብ ከምኡ እውን ንኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዝርከቡ ነዚ ፍጻሜ እዚ ክ ውን ክኸውን ዘበርከቱ አመስግን። ነቶም ብዙሕ ዝሠርሑ ጳጳሳት እውን አመስግን። ኣብ ቤተመንግሥቲ ዳብሊን ንሰብሥልጣን ኣብ ዘሃብክዎ ቃል ቤተክርስትያን ሥድራቤት ናይ ሥድራቤታ ምዃናን ከም ጠርናፊት ሰውነት ናይዘን ኣካላትን ነቲ ንሰን ማሕበረሰብ ዓለምና ናይ ሕወነትን ምድግጋፍን ማሕበር ንክኸውን ዘወፍያኦ ወደር ኣልቦ ግደ ገሊጸ።

ኣብዚ ርክብ ኣብ ዘሕለፍናዮ ዕለታት ሓቐኛን ቅኑዓትን መብራህቲ ኮይነን ዝመርሓና ብዛዕባ ፍቅሪ ሓዳር ዝቀረበ ዝብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዕድመ ዝርከቡ ሰብሓዳር ነበራ። ታሪኻቶም ፍቅሪ ቃልኪዳን ፍሉይ ጸጋ እግዚአብሔር ኮይኑ ነዚ ከኣ ዕለት ዕለት ኣብታ ቤተክርስትያን ገዛ እንብላ ሥድራቤት ስለ ዝዅስኲስዎ ምዃኑ ኣዘኻኺሮምና።  ዓለምና ለውጢ ወይ ሰውራ ፍቅሪ ካብዚ ከቢቡና ዘሎ ባህሊ ግዝያዊነት ዘድሕነና ሰውራ ምትሕልላይ ክሳብ ክንደይ ከምዘድልያ ርኢና! እዚ ለውጢ እዚ እዚ ሰውራ እዚ ከኣ ኣብ ልቢ ሥድራቤት ይጅምር።

ኣብ ፕሮካተድራል ናይ ዳብሊን ብዙሓት ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ዝርከቡ ጽምድታት ብዙሓት መናእሰይ መርዑት ከምኡ እውን ብዙሓት ሕጻናት ረኺበ። ኣብዚ ብዙሕ ግድልን ጸገማትን ዘጓንፎም ዘሎ ሥድራቤት እውን ረኺበ። እቶም ብዘይምሕላል ወትሩ ኣብ ጥቃ ሕዝቦም ዝርከቡ ኣሕዋት ካፑቺኒ ምስጋና ይኹኖም ኣብቲ ገፊሕ ሥድራቤት ቤተክርስትያን ነቲ ፍቅሪ ዝኾነ ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን የስተማቅሩ ኣለው።

ናይዚ ሓዋርያዊ ምብጻሐይ ዝለዓለ ግዜ ኣብቲ ዓቢ በዓለ ሥድራቤታ ቀዳም ምሸት ኣብ ሜዳ ዳብሊን ዝጀመርናዮን ሰንበት ኣብ ጐልጐል ፈኒክስ ዘዕረግናዮ መሥዋዕተ ቅዳሴን ነበረ። ኣብ ድሮ ኣብ ዝገበርናዮ ጸሎተ ዋዜማ ብጣዕሚ ተንከፍቲ ዝኾኑ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ሥቃይ ናይ ዝርከቡ ሥድራቤታት ምስክርነት ሰሚዕና። እዘን ሥድራቤታት እዚአን ሽሕ’ኳ ብዙሕ ዝቈሰላ እንተኾነ ብምሕረት ተሓዲሰን ካብቲ ዘይውዳእ ሕልኽላኽ ተጸጋዕነት ሳላ ፍቅሪ ዝደሓና እዚ ኸኣ ሳላ እተን ንዘሎ ዘመናዊ መጋበሪ ተለፎናትስ ይኹን ታብለት ንምጥቃም ብቅልጡፍ ዝተማህሩን ከም ሥድራቤት ብሓደ ንምጉዓዝ ቀዳምነት ዝሃቡ እዮም።  ነቲ ዘለዎም መዝገብ እምነት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከመሓላልፉን ንዘሎ ሥድራቤታዊ ምትእስሳር ከጽንዑን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ዘበርክትዎ ግደ ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጠቅሚ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዋጋ ክወሃቦ ኣለዎ። ሎሚ ከም ሎሚ ክትብሎ እኳ ከቢድ እንተኾነ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ከም ጸገም ዝረኣዩ ይመስል። ኣብዚ ናይ ምጉሓፍ ባህሊ ዝገነነሉ ዝመን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ምውጋኖምን ምርሓቆምን ይረኤ። ኮይኑ ግን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ጥበብ እዮም! ዝኽሪ ናይ ሓደ ህዝቢ እዮም! ዝኽሪ ናይ ሥድራቤታት እዮም! ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትንከስ ነዚ መዝገብ ዝኽሪ እዚ ንደቂደቆም ከመሓላልፉ ኣለዎም። ንታሪኽ ንቅድሚት ንከሰጒሙ መንእሰያትን ሕጻናትን ምስ ኣቦሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ክዛረቡ ኣለዎም። በጃኻትኩም ነቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣይጒሰዩ፣ ወትሩ ኣብ ጥቃ ደቅኹምን ደቂደቅኹምን ይንበሩ።

ሰንበት ንግሆ ናብታ ንሕዝቢ ኣየርላንድ ብጣዕሚ ፍትውቲ ዝኾነት ናብ መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ዘኖክ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺመ። ኣብኡ ኣብቲ ድንግል ማርያም ዝተራእየትሉ ቦታ ቤተመቅደስ ተሃኒጹ ኣሎ! ኣብ ዘዕረግክዎ ጸሎት ንኩሎም ሥድራቤት ዓለምና ፍልይ ብዝበለ ከኣ ንናይ ሃገረ ኣየርላንድ ናብ እናታዊ ሓለዋኣ ኣማዕቚበ። ዝገበርክዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንሰሜን ኣየርላንድ ዘየካተተ ብምንባሩ ካብቲ ቦታ ንሕዝቢ ሰሜን ኣየርላንድ ልባዊ ሰላምታይ ኣቅሪበ ነቲ ዘካይድዎ ዘለዎ ናይ ዕርቅን ሰላምን ዕርክነትን ኤኩመኒካዊ ምድግጋፍን ክቅጽልዎ ኣተባቢዔ።

እዚ ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ ዝገበርክ ዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ ክንዮ እዚ ዓቢ ሓጐስ እዚ ነቲ ብዝተፈላለየ ዓመጻት ካብ ኣባላት ቤተክርስትያን እውን ከይተረፈ ብዝተፈጸመ ገበን ናይ ዝሰዓቡ ስቃይ ምረትን ጭንቀትን እውን ክንሽከም ነሩ። እዚ ከኣ ሰበሥልጣን ቤተክርስትያን ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ነዚ ገበን እዚ ብዝግባእ ክገጥምዎ ኣይከኣሉን። ምስ ገሊኦም ናይዚ ዓመጽ እዚ ግዳይ ዝኾኑ ሾመንተ ነሮም ምርኻብ ዓሚቑ በሰላ ገዲፉለይ። ጐይታ ነዚ ሓጢኣት ነዚ ዕንቅፋት እዚ ነዚ ክሕደት እዚ ክምሕረና ደጋጊመ ለሚነ። ኣቡናት ሃገረ ኣየርላንድ ነዚ ጉዳይ እዚ ብዝምልከት ጽጹይ መንገዲ ናይ ዳግም ምንጻሕን ምስቶም ግዳያት ዕርቅርን ክገብሩ ብሓገዝ ሃገራዊ ሰብሥልጣን ተደጊፎም ከኣ ንውሕስነት መንእሰያት ንምርግጋጽ ቈርጽን ዘየዳግምን ሕግታት ኣጽዲቆም ኣለው። ድሕሪኡ ምስ ጳጳሳት ሃገረ ኣየርላንድ ኣብ ዝተራኸብኩሉ ግዜ ኣብቲ ንዝሓለፈ ውድቀታት ቤተክርስትያን ንምሕዋይ ዝወሰድዎ ቅኑዕን ተባዕን ስጉምቲ ኣብቲ ንጐይታ ዝኣተውዎ ቃልን ዓሚቚ እምነት ሕዝቢ ሃገረ ኣየርላንድን ተኣማሚነ ናይ ቤተክርስትያን ሃገረ ኣየርላንድ ሓዲስ ዘመን ተሓድሶ ንእውጅ ኣሎና። ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ እምነት ኣሎ! ኣማኒ ሕዝቢ ኣሎ! እዚ እምነት እዚ ከኣ ዓበይቲ ሰራውር ኣለውዎ። ግንከ ስግንጢራዊ ዝኾነ ነገር ኣሎ ትፈልጥዎዶ! ውሑድ ጸዋዕታ እዩ ዝረኤ ዘሎ! እዝስ ምስ እንታይ ይቁጸር! እዚ ዓቢ እምነት እንታይ ወሪድዎ ጸዋዕታ ኣውሒዱ ክትብሉ ትኽእሉ! ኮይኑ ግን እዚ ኩሉ ጸገማት እዚ ኩሉ ዕንቅፋታት ካልእ ቈጺርካ ዘይውድኡ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ክንጽሊ ጥራሕ እዩ ዘሎና። ጐይታ ቅዱሳን ካህናት ንሃገረ ኣየርላንድ ክልእኽ ሓደስቲ ጸዋዕታት ክፍኑ ንጸሊ። ነዚ ኸኣ ሕጂ ብሓባር ክንገብሮ ኢና! ንድንግል ማርያም ዘኖክ ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያም ኢልና ንለምና። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ቅዱሳን ካህናት ለኣኸልና።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ኣብ ዳብሊንከስ ትንቢታውን መጸናንዕን ናይተን ኣብ ጉዕዞ ወንጌላዊ ሕይወት ዝተጸምዳ ሥድራቤታት ቃል ኪዳናዊ ሕይወትን ሕይወት ሥድራቤትን ተመኲሮ ነበረ! እዘን ሥድራቤታት እዚኤን ናይ ሕያውነትን ቅድስናን ፍትሕን ሰላምን መባዅዕቲ ኰይነን ይመርሓ ነበራ። ኮይኑ ግን ንሕና ብዙሓት ብጣዕሚ ብዙሓት ሥድራቤታት ንሥድራቤታቶም ንከገስግሱ ዝጽዕሩ ጌጋ እንክርከብ ንደቆም ይቅሬታ ብዘይጸገም ንዝሓቱ ሥድራቤታት ንርስዕ። ነዚ ረስዓ እዚ ምኽንያት ዝኾነ ሎሚ ክንጥምቶ ከሎና ኣብ መጽሔታትን ጋዜጣታትን ‘እዚ ካብዚኣ ዝተፋተሐ እዩ . . እዚኣ ካብዚ ተፋቲሓ እያ . . ዝብል ናይ ምፍታሕን ምፍልላይን’ ዝብል ቃላት ነንብብ። ኮይኑ ግን እዛ ጉዳይ እዚኣ ግን ምሓቅ ምዃና ፍለጡ በጃኹም። ብርግጽ ሓቂ እዩ ንነፍሲወከፍ ከከምዘለዎ አኽብሮ እየ ንኩሎም ክነኽብር ኣሎና ኮይኑ ግን እቲ ቀንዲ ምፍታሕ ምፍልላይ ንሥድራቤታት ምብታን ዕላማ ክኸውን የብሉን። ዕላማናስ ዕላማ ሓድነት ሥድራቤት እዩ። በዚ ንቅድሚት ንገሥግሥ እዚ እዩ ዕላማ ሥድራቤት!

መጻኢ ዓለምለኸ ሥድራቤት ብ2021 ዓምፈ ኣብ ሮማ ክካየድ እዩ። ነዚ ኩሉ ኣብ ሓለዋ ቅድስት ሥድራ ኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን ነማሕጽን ከመይ ኩሎም ሥድራቤታት ኣብ ቁምስናኦምን ማሕበራቶምን ብሓቂ ደስታ ምሉእ ዓለም ንክኾኑ እዩ ኣንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
29 August 2018, 18:50