ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ኣብ መቓብር ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ኣብ መቓብር ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ 

ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ኣብ መቓብር ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ

ዕለት 6 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ዕረፍቲ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ንመንፈሳዊ ንግደት ናብ መቓብር ስፍራ ጳውሎስ ሻድሻይ፥

ዕለት 6 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ዕረፍቲ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ንመንፈሳዊ ንግደት ናብ መቓብር ስፍራ ጳውሎስ ሻድሻይ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕለት 6 ነሓሰ 1978 ዓ.ም. ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ትሕቲ መሬት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ዝርከብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ ነጊዶም ጸሎት ኣዕሪጐም። ሰንበት ዕለት 5 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ፍርቂ መዓልቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣስተህሮ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ዓቢይ ናይ እዋንና ር.ሊ.ጳ. እንክብሉ ገሊጾም፡ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ብወግዒ ቅድስና እትእውጀሎም ዕለት እናማዕደውና ብዓቢይ ክብርን ሞሳን ንዝክሮም  ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ።

ጳውሎስ ሻድሻይ፥ ዘመናዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ር.ሊ.ጵጵስና ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 21 ሰነ 1963 ዓ.ም. ዝጀመረ 15 ዓመት ዘቝጸረ ምዃኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማሕደር ዘረጋግጾ ኰይኑ፡ ኣብ ፍጻሜ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ስዒቡ እውን ሰብኣዊ ሕይወት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ መበል 50 ዓመት ለምዘበን ዝዝከር ዓቢይ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዓዋዲ መልእኽቲ ዘመላኽቶ ኣብ መስቀለይና ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተኻትሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዘገልገሉ ምዃኖም ይፍለጥ።

ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ኣብ መቓብር ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ
07 August 2018, 16:38