ማይ ንኩሉ ይቀረብ! ር.ሊ.ጳ ንዓለምለኸ ዕለት ጸሎት ስለፍጡር

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ፈጸሙ ንዝመጽእ ቀዳም ዕለት 1 መስከረም ንራብዓይ ግዜ ተኸቢሩ ንዝውዕል ዓለምለኸ ዕለተ ጸሎት ንምክልኻል ፍጡር ብምዝካር ኣብ ማይ ዘተኮረ ጻውዒት ብምቅራብ ‘ማይ ንኩሉ ይቀረብ’ እንክብሉ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ሎሚ ኣርባዕተ ዓመት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንክንክን ከባብን ፍጡርን ብዝነበሮም ኅሉፍ ፍቅሪ እንተወሓደ ስለ ፍጡር ንጸሊ እንክብሉ ዘቅረብዎ ሓሳብ ብኦርቶዶክሳውያንን ካልኦት ማሕበረ ክርስትያንን ተቀባልነት ረኺቡ ኩሎም ብሓባር ስለ ተፈጥሮ ስለፍጡር እንተወሓደ ብሓባር ንምጽላይ ዕለተ ሓደ መስከረም ዕለትና ትኹን ብማለት ስለዝወሰኑ ሎምዘመን ንራብዓይ ግዜ ትዝከር ኣላ። ቅዱስነቶም ከኣ ሎሚ ድሕሪ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነዚ ጻውዒት እዚ ኣቅሪቦም።

“ንሎምዘመን ኣብ ዝቀርብ ጻውዒት ኣብ ማይ ከተኲር እደሊ እዚ ቀዳማይ ጸጋዚ ኩልና ክንጥንቀቀሉን ንኩሉ ዝውፈን ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ዝተፈላላአየ ኲርናዓት ዓለም ዝርከብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያንን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን እዚ መደብ እዚ ዕውድ ንክኸውን ንዝገብርዎ ተበግሶ አመስግን። ንኩሎም ከኣ ንዝመጽእ ቀዳም ነዛ ናይ ሃባር ገዛና ዝኾነት ዓለም ክንከላኸለላ ሓደራ እብል እንክብሉ ጻውዒት ኣቅሪቦም።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
29 August 2018, 18:51