ድለ

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንኢየሱሳውያን ንመእሰያት ኣባላት ኢየሱሳውያን

ዕለት 1 ነሐሰ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ በሸሓት ንዝቑጸሩ ምእመናን ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ኣብ ሮማ ሕንጸት ኢየሱሳውያን ኤውሮጳ ኣብ ዝብል መደብ ሕንጸት ዝሳተፉ ንዘለዉ መንእሰያት ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ተቐቢሎም፡ ካብቶም ተጋባእያን ካብ ዝነቐለ ሓሳብ ተበጊሶ ኣብ ዓለም ብሰፊሕ ዝረአይ ስእነት ስራሕ መንእሰያትን ኣብ እዋናዊ ዓለም ግደ ኢየሱሳውያንን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ኣብዚ ረቂቕ ዝዀነን ዘየናሕስይ ጨካን ኣብ ሓባራዊ ስእለ ኣእምሮ ማእከል ኰይኑ ዘሎ ስነ ቍጠባዊ ከይዲ ሰብኣዊ ፍጡር ዘማእክል ምግባር የድሊ፡ ስለምንታይ እቲ ዓቢይ ጸረ ሰብኣዊ ክብሪ ዝዀነ ሓጢኣት ዝተኸስተ ሰብኣዊ ፍጡር ምምእካል ስለ ዝጎድል ዘሎ እንክብሉ ቅዱስነቶም ነዚ ነቶም ብናይ ኢየሱሳውያን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዞባዊ ዋና ኣባይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኣባ ፍራንክ ጃኒን ዝተመርሑ መንእሰያት ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያንን ናይ ኤውሮጳ ሕንጸት ኢየሱሳውያን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ልኡካንን ናይ ኤውሮመዲትራኒያን ሃገራት ኣሕሉቕ ኢየሱሳውያንን ዝርከብዎም ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ገሊጾም።

ስራሕ ክብሪ እዩ

በቲ ብሰፊሕ ብስእነት ስራሕ ዝጥቓዕ ዘሎ ሰብኣዊ ክብሪ ዘረጋግጸሉ ስራሕ ንምርካብ ዝተሳእኖ ናይ ስራሕ ዕድል ዘይፈጠረሉ መንእሰይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምርኻብን ኣብዚ ዘሕልፎ ዘሎ ጸገም ኣብ ጐድኑ ኰይንካ ምስናይን ቀሊል ኣይኰነን፡ ስእነት ስራሕ እቲ ኣዚዩ ከቢድ ስቓይን ብቐጥታ ልቢ ሰብ ዝትንክፍን ሰላሕታዊ እሾኽ እዩ። ናብ ቤትካ ዕለታዊ እንጌራ ሒዝኻ ዘይምእታው ብሓቒ ክብርኻ ይቕንጥጥ።

“እቲ ንምጽንጻንን ንዘይጭቡጥ ስነ ቍጠባ ዘድህብ ዘሎ ኤኰኖሚ ዳግም ምትኽኻል የድሊ፡ ጨካን ብዛዕባ ሰብ ድምብርጽ ዘይብሎ፡ ስነ ቍጠባዊ ከይዲ፡ እዚ ዘይጭቡጥ ከይዲ ኤኮኖሚ ፈሰስን በናኒን እዩ፡ ቍጠባ ዘማእክል ከይዲ ፈሰስ እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ቍጠባ ዘማእክል ከይዲ ኤኮኖሚ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘማእከል ክኸውን ምግባር የድሊ፡ እቲ ዓቢይ ሓጢኣት እምበኣር ከስ ነቲ ከማእከል ዝግብኦ ሰብኣዊ ፍጥረት ብቍጠባ ምትካእ እዩ”

ኢሎም።

ካብ ናብ ርእሰ ቕትለት ምባል ሓገዝ ምድላይ

ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ስነ ቁጠባ ሰንሰለታዊ እዩ፡ እቲ ሰብ ናብ ደጋዊ ዝንጽል ቍጠባ ዘማእክል ባህሊ፡ ኣብ ስራሕ ዓለም ባዶነት የተኣታትው፥

“ኣብ ርእሰ ቕትለት ዝውከሱን ኣብ ርእሰ ቕትለት መፍትሒ ዘናድዩ ብዝሒ መንእሰያት ኣብ ዓለም ክብ የብል ኣሎ፡ ዕንቅፋትን ነቲ ማዕቢለ ዝብል ዓለም ሕብረተሰብ ሕፍረት ብምዃኑ ካብ ምንጋሩ ከምዘየለ ምሕሳብ ይመረጽ፡ ዋላ’ኳ ብመራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ዘይንገር እንተዀነ ጭቡጥ ተመክሮ እዩ፡ ስለምታይ ብዙሓት መንእሰያት ናብ ርእሰ ቕትለት ዝውከሱ? እቲ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ስእነት ስራሕ እዩ፡ ኣበርክቶ ዘለዎም ኰይኑ ስለ ዘይስምዖም፡ እናበለ መጻኢ እውን ስለ ዘጽልምት”

ዋንነት ገዛእ ርእሶም ንወልፍታት ዘሰጋግሩ

እቲ ብስእነት ስራሕ ዝጥቓዕ መንእሰይ ወለዶ ከም መንጐይና ዝራኸቦን ነቲ ጭቡጥ ኩነት ኣክንዲ ምግጣም ካብቲ ሰብኣዊ ክብሪ ዝግህስ ኩነት ንምምላጥ ናብ ዝተፈላለዩ ወልፍታት ይጽጋዕ፡ ዕጸ ፋርስን ካልእ ዓይነት ኣደንዛዚ ዕጸዋትን ተጠቃሚ ይኸውን።

“ድሕሪ ዝዀነ ይዅን ምጥቃም ኣደንዛዚ ዕጽዋት፡ ዓበይቲ ዕጸ ፋርስ ዘንቀሳቕሳ ኅብረ ትካላት ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ፡ ብምንቅስቓስ ዕጸ ፋርስ ዝንቀሳቀስ ሃብቲ ገንዘብ ማእለያ የብሉን። ሃብቲ ገንዘብ እምበር ሰብ ዘየገድሶ ቍጠባዊ ሜላ”።

ስዒቡ ዝፍጠር ኣሸባርነት

ኵሉ መዓጹ ዕድላት ምስ ዝሽገጥ ናብ ግብረ ሸበራ ጉጅለታት ክጽንበር ትብል፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ጐዳና ርእሰ ቅትለት እዩ፡ ብዙሓት ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ጐደና ርእሰ ቕትለት ይምርሹ፡

ርእሰ ቕትለት፡ ጽግዕተይና ወልፍታትን ናብ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይሊ ንምጽንባርን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ መንእሰይ እዞም ሰለስተ ምርጫታት እያቶም ኣብ ቅድሚኡ ዝተነብሮ፡ ስራሕ ምስ ዘይህሉ ማለት እዩ፡ እቲ ዘገድስ እምበኣር ከስ ናይ መንእሰይ ጸገም ምልላይን ምፍላጥን፡ ጸገምካ እፈልጦ ምባልን፡ ንመንእሰይ ጽን ምባልን፡ ንበይኑ ዘይምሕዳግን፡ ደሓር ነቲ ኣጋጥሚምዎ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ መገዲ ምንዳይ፡ ነቢያዊ ቃል ኣድላዪ እዩ፡ ሰብኣዊ ምሕዞ ምትብባዕ፡ ኣብ ሕንጸት መንእሰይ ንጡፍ ምዃን፡

ጳውሎስ ሻድሻይን ኣባ ኣሩፐን

ነቲ መጻኢ ዓለም ንምግጣም ዘብቅዕ ሕንጸት ንምቕሳም ንዝርከቡ መንእሰያት ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣበራቲዖም፡ ኣብ ብዙሕነት ዝጸንዐ ሓደነት ሓደራ፡ እዚ ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ሓቢሮም፡ እቲ ዘድንቕዎን መዳርግቲ ዘይብሉ ንኢየሱሳውያን ኣብ 1974 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ንመበል 32 ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዘስምዕዎ ቃል ጠቒሶም ጳውሎስ ሻድሻይ፥ ኣብቲ መራኽቦ ፍካረን ርእየትን ሓሳብን መራኽቦ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ዘለሉ ስፍራ፡ ኣብኡ ኢየሱሳዊ ኣሎ፡ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብን ከምኡ እውን ናይ ቅዱስ ፒየትሮ ፋቭረ ብጻይ ቅዱስ ኢግናዚዩስ ዘሎዮላን ዝክረ ዓመታዊ በዓል ምዃኑ እውን እናሓሰቡ፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝነበሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ንኽትእውጀሎ ዘኽእል መሰረተ ሓሳብ ናይ ምቕራብ ከይዲ ብናይ ሮማ ሰበኻ ዝተገበገሰሎም ኣባ ኣሩፐ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ታይላንድ ኣብ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሰፈር ዝነበሩ ምዃኖም እውን ዘኪሮም፡

ኣብቲ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘረባ ኣብ መበል 32 ጠቕላሊ ጉባኤ ኢየሱሳውያንን ኣብቲ ቃለ ምዕዳን ኣባ ፐድሮ ኣሩፐን ናይ እዋናዊ ማሕበር ኢየሱሳውያን መቓን ንረክብ፡ ስለዚህ ናብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትን ንምባል ተባዕ ምዃንን፡ ኣብቲ ሓሳባትን ብድሆታትን ምርኻብን … ተልእዀ፡ ምስክርነት ኣባ ኣሩፐ፡ ኢየሱሳዊ ምዃን ትብዓት ይሓትት፡ ትብዓት ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ፡ ሓቂ ናይ ምዝራብ ነጻነት ጳውሎሳዊ ኣዘራርባን ኣብራኽካ ዓጺፍካ ምጽላይን ይሓትት፡

ምስ በሉ ነቶም መንእሰያት ኢየሱሳውያን ካብቲ ዝበልኩኹም ሓሳብ ኣብ ልብኹን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ሕሹክ ክብለኩም ዝደልዩ ጽን ንምባል ዝድግፈኩም ኣስተንፍሶ ክትረኽቡ ዝብል እምነት ኣሎኒ፡ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም።

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንኢየሱሳውያን ንመእሰያት ኣባላት ኢየሱሳውያን
02 August 2018, 16:31