2018.08.15ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኤድጋር ፐኛ ፓራ ምስ ር.ሊ.ጳ 2018.08.15ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኤድጋር ፐኛ ፓራ ምስ ር.ሊ.ጳ  

ብሊ.ጳ. ኣቡነ ኤድጋር ፐኛ ፓራ ናይ ቅድስት መንበር ተተካኢ ሓፈሻዊት ጉዳያት ኮይኖም ተሸሞም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቶም ክሳብ እዛ ሽመት እዚኣ ኣብ ሃገረ ሞዛምቢክ ሓዋርያዊ እንደራሴኦም ማለት ኑንስዮ ኣፖስቶሊኮ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኤድጋር ፐኛ ፓራ ናይ ቅድስት መንበር ተተካኢ ሓፈሻዊት ጉዳያት ኮይኖም ከገልግሉ ከምዝሶምዎምን ሥራሖም ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ዕለት 15 ከምዝጅምሩን ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ብፁዕ ኣቡነ ኤድጋር ፐኛ ፓራ ናይ ተለፕት ሥዩመ ሊቀጳጳሳ ኮይኖም ብዕለት 16 መጋቢት 1960 ዓም ኣብ ማራካይቦ ትበሃል ከተማ ኣብዛ ሕጂ መዓት ዕግርግርን ዓመጽን ወሪድዋ ዘሎ ሃገረ ቨንዝወላ ተወልዱ።

ዘድሊ ኲስኰሳን ትምህርትን ምስ ፈጸሙ ብዕለት 23 ነሐሰ ኣባል ትውልዲ ዓዶም ዝኾነ ሰበኻ ማራካቦ ኮይኖም ክህነት ተወበሉ። ዝትመረቁሉ ትምህርቲ ሕገ ቆነና ኮይኑ ቅድስት መንበር ንኣገልግሎት ስለዝደለየቶም ብዕለት 1 ሚያዝያ 1993 ዓም ጀሚሮም ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ቅድስት መንበር ተጸሚዶም ናይ ጳጳሳዊ መካነ ጥበባት ወኪል ብምዃን ኣብ ከንያ ዩጎዝላቭያ ከምኡ እውን ኣብ ጀነቭ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ወኪል ቅድስት መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣገልግሎም። ኣብ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ እንደራሴታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሆንድራስን ሜክሲኮን እውን ኣገልጊሎም።

ብዕለት 8 ወርሒ ጥሪ  2011 ዓም ሊቀጳጳሳት ሥዩመ ተለፕት ተባሂሎም መዓርገ ሊቀ ጵጵስና ከኣ ብዕለት 5 የካቲት 2011 ተቀቢሎም ብኡ ንብኡ ከኣ ናይ ፓኪስታን ሓዋርያዊ እንደራሴ ር.ሊ.ጳ ማለት ኑንስዮ ኣፖቶሊኮ ኮይኖም ክሳብ 2014 ኣገልገሉ፣ ኣብ መወዳእታ ካብ ዕለት 21 የካቲት 2015 ዓም ክሳብ እዚ ናይ ትማሊ ሓዲስ ሲመት ኣብ ሞዛምቢቅ ሓዋርያዊ እንደራሴ ቅዱስነቶም ኮይኖም የግልግሉ ኣለው።

ነዚመደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
16 August 2018, 11:52