መንእሰያት ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሮማ ጐልጐል ማሲሞ መንእሰያት ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሮማ ጐልጐል ማሲሞ 

መንእሰያት ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሮማ ጐልጐል ማሲሞ

ካብ መላእ ሰበኻታት ኢጣሊያ ዝተዋጽኡ ልዕሊ 70 ሺሕ ዝግመቱ መንእሰያት ምስ ቅዱስ ኣቦና ሮማ ኣብ ዝርከብ ቺርኮ ማሲሞ ኣብ እተሰምየ ጐልጐል ማሲሞ ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ተቐቢሎም።

ናይ ኢጣሊይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 12 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. መንእሰያት ናብ ሲኖዶስ ገጾም ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዘሰናደዎ መንፈሳውን ባህላውን መርሓ ግብሪ መደብ መሰረት እቶም ካብ መላእ ሰበኻታት ኢጣሊያ ዝተዋጽኡ ልዕሊ 70 ሺሕ ዝግመቱ መንእሰያት ምስ ቅዱስ ኣቦና ሮማ ኣብ ዝርከብ ቺርኮ ማሲሞ ኣብ እተሰምየ ጐልጐል ማሲሞ ተራኺቦም መረሕ ቃል ተለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ንባብ ቅዱስ መጽሓፍን ዘተን ከምኡ እውን ናይ መዝሙር ትርኢት ዘሳዅዔ መደብ ሎሚ ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጐልጐል ማሲሞ ብዝተኻየደ ርክብ ተበጊሱ፡ ናብቲ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መንእሰያት እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣተኵይሩ ካብ ኣሽሓት መገዲ ብሓባር ኣብዚ ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዮም መንእሰይ ኣብ ከርሲ ቤተ ክርስቲያን ንብሉጽ መጻኢ ሃገርን ዓለም ቀንደይና ተዋሳኢ ምዃኑ ዝምስክርሉ ርክብ እውን ምዃኑ ይምልከት።

ድሕሪ ሰላምንታ ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ጐልጐል ማሲሞ ርክብ ብዝለዓለ ተበግሶ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ መደብ ምርኢት ቀሪቡን ነቲ ምሉእ መደብ ብቐጥታ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቲቩ 2000 እተሰምየ ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ከምእተመሓላለፈ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቃል ምስክርነትን ተኻፊልካ ምንባርን ዝተመስከረሉ እውን ምንባሩ ተገሊጹ።

ቃል ቅዱስ ኣቦና፥ ክስትንተንን ከይድታትካ ንምልላይን

እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተነብረ ቃሎም እተዓደልካሉ እዋን ከይድታትካ ንኸተስትንን እትስዕቦ ፍኖት ንኸተለልይ ዝድግፍ ክኸውን እንከሎ፡ ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና እቶም መንእሰያት ንጸሎትን ኣስተንትኖን ብፍላይ ነቲ ካብ ቅዱስነቶም ዝተዓደለዎ መርሕ ቃል መሰረት ብውልቅን ብማሕበርን ጸሎትን ኣስተንትኖን ነኸካይዱ መላእ ቁምስናታትን ኣቢያተ ክርስቲያን ሮማ ምሉእ ለይቲ ክፉታት ክዀና ናይ ሮማ ሰበኻ ህየንተ ከምዝወሰኑ ተሓቢሩ።

ካብ ጐልጐል ማሲማ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ

ዕለት 12 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. እቶም መንእሰያት ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጓልቲየሮ ባሰቲ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ ምስታፎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ቅዱስ ኣቦና ክራኸቡን ካብ ቅድሱነቶም ናይ ተልእኾ ሓላፍነት ተዓዲሎም ናይ ኢጣሊያ መንእሰያት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሒዞምዎ ዝኸዱ ህያባት፡ ናይ ቅዱስ ዳሚያኖ መስቀልን ምስለ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎሬቶ ክባርኹ ምዃኖም ተገሊጹ።

11 August 2018, 16:46