ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ፍራንቸስካውያን ተጓዓዝያን እግሪ ተራኺቦም ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ፍራንቸስካውያን ተጓዓዝያን እግሪ ተራኺቦም 

ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ፍራንቸስካውያን ተጓዓዝያን እግሪ ተራኺቦም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ናይ ለምዘበን ካብ ሎረቶን ኣሲዚን ሮማን ኣብ ዝካየድ መበል ሰላሳን ሸሞንተን ናይ ሰላም እግሪ ጉዕዞ ተሳታፍያን መንእሰያት ፍራንቸስካውያን ኣጋር ሰላም ተቐቢሎም ከይዲ ሓሴትን ጸዋዕታን ጥንቃቔ ካብ ምስሉይነትን ኣብ ዝብሉ ኣርባዕተ ቃላት ዘማእከለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዕለት 10 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ናይ ለምዘበን ካብ ሎረቶን ኣሲዚን ሮማን ኣብ ዝካየድ ብጠቕላላ 117 ኪሎ ሜትር ዘጠቓልል መበል ሰላሳን ሸሞንተን ናይ ሰላም እግሪ ጉዕዞ ተሳታፍያን መንእሰያት ፍራንቸስካውያን ኣጋር ሰላም ተቐቢሎም ከይዲ ሓሴትን ጸዋዕታን ጥንቃቔ ካብ ምስሉይነትን  ኣብ ዝብሉ ኣርባዕተ ቃላት ዘማእከለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ፍራንቸስካውያን ተጓዓዝያን እግሪ ተራኺቦም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ መበል 38 ናይ ሰላም ጉዕዞ ዝሳተፉ መንእሰያት ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ርክብ ኣመልኪቱ ወግዓዊ ፍራንቸስካውያን መንእሰያት ናይ ሰላም ተጓዓዝያን መርበብ ሓበሬት ኣብ ዝዘርገሖ ዜና፡ እቲ ናይ ሰላም ጉዕዞ፥ ናይ ኣካልን መንፈስን ከይዲ፡ ጉዕዞ ኣብ ጽባቔን ክንየው ድኻም ምባልን ኣብ ዘይተጸበኻዮ ኩሉ ምክፋልን ዝብልን በቢ ዓመቱ ንውሳጣዊ ሕይወት ብርሃን ንኽዕደል ዝግበር መፈሳዊ ጉዕዞ ምዃኑ ክፍልፍጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ፍራንቸስካውያን ተጓዓዝያን እግሪ ተራኺቦም
11 August 2018, 16:16