ጸሎተ መልአክ እግዚአብሔር  ጸሎተ መልአክ እግዚአብሔር  

ድንግል ማርያም ንእግዚአብሔር ክነገልግል ከምዝተጸዋዕና ተዘኻኽረና! ር.ሊ.ጳ

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ሎሚ ተዘኪሩ ንዝወዓለ በዓለ ፍልሠታ ለማርያም ንምዝካር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ‘ብዓለ ፍልሠታ ብፅዕት ድንግል ማርያም ነቲ እኖና ድንግል ማርያም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ ‘ካብ ሕጂ ንደሓር ኩሎም ወለዶ ብፅዕቲ ክብሉኒ እዮም’ (ሉቃ 1.48) ቢላ ዝተነበየቶ ምንእንቲ ክፍጸም እዩ’ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሕዋትን! ደሓንዶ ውዒልኩም!

ኣብዚ ብዓለ ፍልሠታ ብፅዕት ድንግል ማርያም እንዝክረሉ ዕለት ቅዱስ ሕዝበ እግዚአብሔር ናብታ ድንግል ማርያም እኖኡ ዘለዎ ኣኽብሮት ብታሕጓስ ይገልጽ። ነዚ ከኣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሓደው በቲ ብሓባር ዝፍጽሞ ሥርዓተ ኣምልኾ ሓደው ከኣ ብዝተፈላላየ ናይ ኣኽብሮት መንገድታት ይገብሮ፣ እዚ ከኣ እቲ እኖና ድንግል ማርያም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ ‘ካብ ሕጂ ንደሓር ኩሎም ወለዶ ብፅዕቲ ክብሉኒ እዮም’ (ሉቃ 1.48) ቢላ ዝተነበየቶ ምንእንቲ ክፍጸም እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ጐይታ ነታ ትሕቲ ኣገልጋሊቱ ልዕል ስለዘበላ እዩ። ብነፍስን ብሥጋን ንሰማይ ምፍላስ ናይ እኖና ድንግል ማርያምከስ ምስቲ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዝነበራ ፍሉይ ውህደት መለኮታዊ ክብሪ እዩ። እዚ ውህደት እዚ መንፈሳውን ኣካላዊ ወይውን ሥጋውን ውህደት የመልክት ከመይ ካብታ ገብርኤል መልኣኽ ክትጸንሲ ኢኺ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ ኢሉ ዘበሠረላ ዕለት ጀሚሩ ኣብ መላእ ሕይወት እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ምሥጢረ ወልደ እግዚአብሔር ዘለዋ ተሳትፎ ብፍሉይ መንገዲ ክዓዝዝ ጀሚሩ። እኖና ድንግል ማርያም ወትሩ ምስ ወዳ ኢየሱስ ምስ ዓበየ ደድሕሪኡ ብምጒዓዝ ነዚ ሎሚ ንሕና ቀዳመይቲ ሓዋርያ ኢየሱስ እንብሎ ኩነት ኣረጋጊጻቶ።

ናብራ እኖና ድንግል ማርያም ከምቲ ኣብቲ ግዜቲ ዝነበራ ኣደታት እቲ ከባቢ ስለዝነበረ ትጽሊ ንገዛኣ ትኣሊ ኣብቲ ከባቢኣ ዝነበረ ቤተመቅደስ ከኣ ትመላለስ ነበረት፣ ኮይኑ ዕለት ዕለት ትገብሮ ዝነበረት ጉዳይ ምስ ወዳ ኢየሱስ ብምውህሃድ እያ ትፍጽሞ ነይራ። እዚ ርክብ እዚ ኣብ ጎቦ ቀራንዮ ብፍቅርን ርሕራሔን ስቃይ ልብን ኣብ ጥርዙ በጽሔ። ስለዚ ከኣ እግዚአብሔር ኣብ ትንሣኤ ኢየሱስ ምሉእ ሱታፌ ከምዝህልዋ ጌሩ። ከምቲ ናይ ወዳ ሥጋ ቅድስት ኣደና ድንግል ማርያም እውን ካብ ምብስባስ ተዓቂቡ።

 ቤተክርስትያን ሎሚ ነዚ ምሥጢር እዚ ክነስተንትን ትዕደመና ኣላ፣ እዚ ምሥጢር እዚ ዝሕብረና ነገር እንተሃልዩ እግዚአብሔር ንምሉእ ዘመደ ኣዳም ከድሕን ከምዝደሊ ማለት ንዘመደ ኣዳም ብነፍሱን ብሥጋኡን ከድሕኖ ከምዝደሊ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ ምስቲ ካብ እኖና ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ሥጋ እዩ ተንሢኡ ምስቲ ዝተለወጠ ሰብኣውነቱ ከኣ ናብ ኣቦኡ ንሰማይ ዓሪጉ። ከምዚ ናትና ሰውነት ግንከ ዝተለወጠ ሰውነት ሒዙ እዩ ንሰማይ ናብ ኣቦኡ ዝዓረገ። ናይ’ታ ፍጥረት ሰብ ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ፍልሠትከስ ናትና ክብሪ ዝመልኦ መጻኢ ከመይ ከምዝኸውን የረጋግጸልና። ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ፍላስፋታት ግሪኽ ነፍሲ ደቂሰባት ንዘለዓለማዊ ታሕጓስ ከምዝተፈጥረት ተረዲእዎም ነሩ። ስለዝኾነ ከኣ ንሶም ንሥጋ ወይ ንሰውነት ብዙሕ ዋጋ ኣይህብዎን ነሮም እኳ ደኣ ከም ቤት ማእሰርቲ ነፍሲ ጌሮም የቅርብዎ ነሮም። ኮይኑ ግን እግዚአብሔር ንሰውነትና ምስ ነፍስና ኣወሃሂዱ ለዊጡ ንሰማያዊ ብፅዕና ከምፈጠሮ ክበጽሕዎ ኣይከኣሉን። ስለዚኸስ ዝተለወጠ ሰውነትና ኣብ ክብሪ እግዚአብሔር ኣብ ሰማይ ክዓርግ እዩ። እዚ እዩ ንሕና ክርስያትያን ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ትንሣኤ ሥጋ እንብሎ። እዚ ከኣ ግልጸት ክርስትና ዘወፍየልና ዓንዲ እምነትና እዩ።

 እቲ ዘደንቅ ፍልሠት እኖና ድንግል ማርያምከስ ውህደት ነፍስን ሥጋን ናይ ደቂሰባት የረጋግጸልና በዚ ከኣ ብኩለንትናና ብነፍስናን ብሥጋናን ንእግዚአብሔር ክነገልግልን ክብሪ ክንንህብን ዝተጸዋዕና ምዃና የዘኻኽረና። ንእግዚአብሔር ብሥጋ ጥራይ ምግልጋል ናይ ባሮት ሥራሕ ጥራይ ምኾነ ከምኡ እውን ብነፍሲ ጥራይ ምግልጋሉ ነቲ ብነፍስን ብሥጋን ዝቆምና ኢና ዝብል ፍጥረትና ምተጻረረ። ኣብ ከባቢ 220 ዓመተ ምሕረት ዝነበረ ቅዱስ ኤረንዮስ ዝበሃል ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣበው ቤተክርስትያን ‘ክብሪ እግዚአብሔር ሕያው ሰብ እዩ ሕይወት ወዲሰብ ከኣ ብራእይ እግዚኣአብሔር ይቀውም’ እንክብል ኣብቲ ተጻይ ክሕደት ዝብል ጽሑፉ 4.20.7 የስፍር።   ብከምዚ እንተነቢርናኸስ ማለት ሓጎስ ዝመልኦ ኣገልግሎት እግዚብሔር እንተኣዘውቲርና እዚ ኣብ ለጋስ ኣገልግሎት ኣሕዋት ይግለጽ፣ ኣብ ዕለተ ትንሣኤ ሙታን ኩነታትና ምስዚ ናይ ሰማያዊት ኣደና ፍልሠት ዝመሳሰል ክኸውን እዩ። እቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ‘ንእግዚአብሔር ብሰውነትኩም ኣኽብርዎ’ (1ቆሮ 6.20) ክብል ዝምሕጸኖ ምሉእ ብምሉኡ ክንፍጽሞ ኣብ ሰማይ ከኣ ንዘለዓለም ክነኽብሮ ኢና።

 እኖና ድንግል ማርያም ብእናታዊ ኣማልድነታ ንዕለታዊ ጉዕዞ ሕይወትና ተስፋ ብዝመልኦ ተግባራት ክንፍጽሞን ሓደ መዓልቲ ምስ ኩሎም ቅዱሳንን እንፈትዎም ሰባትን ኩልና ኣብ መንግሥተሰማይ ክንረኽባ ንክትሕግዘና ንለምና። ክብሉ ድሕሪ ኣስተምሂሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
15 August 2018, 20:18