ቫቲካን፡ ሓድሽ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ ቫቲካን፡ ሓድሽ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ 

ቫቲካን፡ ሓድሽ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቺለ ነቲ ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘስዓቦ ከቢድ ስቓይን ጓህን ንምውጋእን ተመሳሳሊ ዓመጽ ከይፍጸም ዘኽእል እትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ዘማእከለ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ተኻይዱ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቺለ ነቲ ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘስዓቦ ከቢድ ስቓይን ጓህን ንምውጋእን ተመሳሳሊ ዓመጽ ከይፍጸም ዘኽእል እትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ዘማእከለ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ተኻይዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ቺለ ናይ ቅዱስ በርናርዶስ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዅዋን ኢግናሲዮ ጐንዛለዝን ኣብ ቺለ ብሔራዊ ምክልኻል ናይ ወሲብ ዓመጽን ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀነ ዝሓልይ ቤት ምኽሪ ኣደ መንበር ኣና ማሪያ ቸሊስ ብሩነት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ከምዝሕብሮ፡ ዕላማ ናይቲ ርክብ እቲ ኣብ ቺለ ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን እዚ ምኽንያት ዓቢይ ስቓይ ዝዀነ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንምውጋድን ንሓዋሩ ተመሳሳሊ ገበን ከይክሰት ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘትዮም ድሕሪ ዝሓንጸጽዎ ናይ ውሳኔ ሰነድን ናይ ወሲብ ዓመጽ ብዓንተውኡ ንምክልኻል ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንምዝታይ ዝብል ከምዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝዀኑ ዜጋታት ዘጋጠሞም ስቓይ ንምውጋድ ዝወሃቦም ኵለ መደያዊ ደገፍን ሕንጸትን ምጽንናዕ ረኺቦም ሰብኣውን መንፈሳውን ስነ ኣእምሮኣውን ሕውየትን ካሕሳን ክረኽቡ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕ ምይይጥ እውን ምክያዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቺለ፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብዓንተውኡ ንምክልኻል እትስዕቦ ዘላ መገዲ ንኢዶም፡ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝካይዶ ዘሎ ናይ ምጽራይን ምርመራን ከምኡ ኣውን ንዝቐርቡ ሕቶታት ብቑዕን ቅኑዕን መልሲ ንምሃብ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ክይቋረጽ ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቫቲካን፡ ሓድሽ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ
11 August 2018, 16:15