ድለ

VATICAN POPE FRANCIS VATICAN POPE FRANCIS 

“ተፈስሁ ወተሓሰዩ”፤ ቅዱስ ኣቦና፥ ቅዱስ ዝኽወን ሰማያዊ ምስጋና (ብፁዕነት) ብምንባር እዩ

ውዕላዊ ወይ ከኣ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘይኰነስ ኣብ እዋናዊ ዓለም እቲ ኵላዊ ጸዋዕታ ዝዀነ ቅድስና ዳግም ክቃላሕ ብዝብል ዕላማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “Gaudete et exsultate - ተፈስሑ ወተሓስዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሳልሳይ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዕለት 9 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠና ቫቲካን ነውስ ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ውዕላዊ ወይ ከኣ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘይኰነስ ኣብ እዋናዊ ዓለም እቲ ኵላዊ ጸዋዕታ ዝዀነ ቅድስና ዳግም ክቃላሕ ብዝብል ዕላማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ“Gaudete et exsultate - ተፈስሑ ወተሓስዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሳልሳይ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዕለት 9 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠና ቫቲካን ነውስ ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ዝኽወን ሰማያዊ ምስጋና (ብፁዕነት) ብምንባር ምዃኑን እቲ ኢየሱስ ብዛዕባ ብፅዕና ዝሃቦ ትምህርቲ (ማቴ. 5, 1-12 ረአ.) ካብቲ ዓለም ዘቕርቦ መገዲ ዝተፈልየ ጥራሕ ዘይኰነስ ነቲ ዓለም ዘቕርቦ መገዲ ዝጻረር ኣብነታዊ መገዲ እዩ። ስለዚህ ቅድስና ነዚ ዓይነት መገዲ ዝስዕብን ዝነብርን እዩ። ኩሉ ንቕድስና ዝተጸውዐ ምዃኑ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ እተቕርቦ ኵላዊ ጸዋዕታን ኵሉ ንኽበጽሖ ተኽእሎ ከምዘለዎ ትሕብር። ሕይወት ቅድስና ምስቲ ናይ ሰማያዊ ቤት መፍትሕ ዝዀነ ናይ ምሕረት ሕይወት ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ቅዱስ ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከቡ ንምድጋፍን ነቲ ሓሳረይና ሕይወት ንምሕዋይ ዝለዓዓል ምዃኑ የነጽሩ። ካብቲ ጥንታውን ሎሚ እውን ዝረአይ ኣብ መጽናዕትን ኣስተንትኖን ጥራሕ ኣብ ዝብል ካብቲ እዚዩ ፍጡንን ሓደገይናን ኣጥቃዒ ዓለም ንጹል ሕይወት መገዲ ቅድስና ኣብ ዝብል ሓራጥቃውን (መንፍቃዊ) ተዓቝይቡ ዘይተርፍ ክንየው ብሓሴትን ብዋዛን ዝነብር እዩ

ቅድስና ውዕሊ ዘይኰነስ ዕድመ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ሳልሳይ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ኣብ ቅድስና ዘተኰረ ቅድስና ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝትንትን፡ ተፈስሑ ወትሓሰዩ ዝብል ምዃናዊ ሕይወት ኢየሱስ ነቶም ስሌኡ ዝሳደዱን ዝዋረዱን ዝበሎ ምዕዳን እናሓሰቡ ዝደረስዎ ክኸውን እንከሎ፡ 5 ምዕራፋት ዘጠቓለለን 44 ገጽ ዝሓዘ ሓዋያርያዊ ምዕዳን፡ ነቲ ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣናዊ ትምህርቶም ማእከል ዝገብርዎ ቤተ ክርስቲያን ቀረባ ነቲ ዝሳቐይ ኣካል ክርስቶ ዝብል ደጋጊሞም ዘመላኽትዎን ዝነብርዎን ቃልን ተግርባን ብፍልዩ ዘቃልሕ እዩ። እቲ 177 ዓንቀጽ ዘለዎ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፡ ብፍሉይ መገዲ ኣብ ቅዳስና ዘተኰረ ትንታኔን ረቂቕ ሓሳብ ዘመላኽት ውዕላዊ ከይዲ ዘይኰነስ ቕድስና ኵላዊ ጸዋዕታ ምዃኑ ዘቃልሕን ነዚ ጸዋዕታ ዘጋጥሞ ሓደጋን ብድሆን ከምኡ እውን ሰናይ ኣጋጣምታት ንቕድስናን ዘነጽር እዩ (ቍ. 2 ረአ.)።

ናይ ቅድስና ንማእከላዊ ደርቢ (ሓፋሽ ሕዝቢ)

ቅዱስ ኣቦና ቅዱስ ንምዃን ክንበርን ክፍጸን ዘለዎ ጉዳይ ቅድሚ ምትንታኖም፡ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ፥  ጸዋዕታ ቅድስና ኣብ ዝብል ሓሳብ መገዲ ቅድስና ንነፍሲ ወከፍና ዝተገብኤ እውን ብምዃኑ ክትመሳሰሎምን ክትተኻኸሎም ዘጸግሙን ወይ ምስቲ እንግምቶን እንሓስቦን ኣብነት ዘይመሳሰል ቅድስናዊ ኣብነት ብምርአይ ተስፋ ምቑራጽ ዘይግቡእ ምዃኑ የነጽሩ (ቍ. 11)፡ እዚ ማለት ቅዱሳን ኣብ ህላዌ እግዚኣብሔር ህልዋት ዝዀኑ እዮም። ገና ብዓንተውኡ ኣብ ህላዌ እግዚኣብሔር ህልዋት ብምዃኖም ንዝተቐደሰ ሕይወት የተባብዑናን ኣብ ሕይወትና እውን የሰንዩና (ቍ. 4 ረአ)፡ እግዚኣብሔር ኣብ ክንዓብየሉ ዝግብኣና ቅድስና ክጽውዓና እንከሎ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝፈጸምን ተራ ምስክርነት ዝመስሉ ነኣሽቱ ነገራት ኣብ ምፍጻምን(ቍ. 16 ረአ) የረጋግጸልና፡ ስለዚህ ቅድስና ቀረባና ከምዝዀነን - ንሓፋሽ (ማእከላዊ ደርቢ) ሕዝቢ (ቍ. 7) ምዃኑ ይሕብሩ።

ኣመክንዮ ከም እግዚኣብሔር

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካላኣይ ምዕራፍ፡ እቶም ክልተ ሰላሕታውያን ጸላእቲ ቅድስና እንክመልክቱ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስተ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስሞዎ ስብከት ቅድም ክብል ዝበልዎን ኣብቲ Evangelii gaudiu - ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም እውን ዝገለጽዎሓሳብን ኣብ ቀረባ እዋን እውን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሰናይ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኰይኑ (ኤፌ. 1,9) ኣብ ዝብል ሰነድ ዘቕርቦ ትምህርቲ ስርወ እምነት ነቲ ኣግኖስጢሳዊ (ነገራት ክህወሱ ደኣ እምበር ክፍለጡ ኣይከእሉን ዝብል ትምህርቲ) ንሱ ኸኣ ኣልቦ እግዚኣብሄርን ኣልቦ ኣካላውነትን ዝዀነ ኣእምሮ ዝብልን ከምኡ እውን  ፐላጊያናዊ (ሰብኣዊ ፍጡር ብተወራረስ ዝቕበሎ ካብ ዝበሃል ዓነተይና ሓጢኣት ናጻ እዩ፡ ማለት ናይ ኣዳም ሓጢኣት ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ተሰጋጋሪ እዩ ቢሉ ዘይኣምን) ኣብ እዋናዊ ዓለም ህልው ኰይኑ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝንበር ሓደገይና ትምህርቲ፡ ምስጢረ እግዚኣብሔርን ናይ ጸጋኡ ምስጢርን ዘቤታዊ ምግባር ዝብል ዝሁም ኣመክንዮን ጥምዓዊ ብኩንነትን ዝገልጾ ሓሳብ ወድዓዊ ዝገብር እንክብሉ ዘገልጾ ሓሳብን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት፥ ኣልቦ ክርስቶስ ዝዀነ እግዚኣብሔርን ኣልቦ ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ ክርስቶስን ኣልቦ ሕዝቢ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያንን ዝብል ሓሳብ (ካብ ቍ. 37-39 ረአ) እዋናዊ ተጻይ ቅድስና ምዃኖም ይሕብሩ።

ኣምለኽቲ ድላይ

እዋናዊ ፐላጊያውነት ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ካብ ኣግኖስጢሳዊ ዝውልደ እዩ፡ ወድዒ ኣምልኾ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣእምሮ ዘይኰነስ ንናይ ገዛእ ርእሱ ጻዕሪ ዘምልኽ ትሕትና ዘይፈልጦ ድላይን ካብ ኵሎም ብሉጽን ናይ ብሉጻት ብሉጽ ቢሉ ንገዛእ ርእሱ ዝሓስብ ኰይኑ፡ ንኻልኦትን ገለ ገለ ኣገባባትን እውን ብምዕዛብ ወይ ከኣ ንውሱን ካቶሊካዊ ኣገባብ ጥራሕ እሙን ኰይንካ ካብ ምባር ዝብጻሕ (ቍ. 49 ረአ)፡ ውሑጥ ኣብ ሕግን ውሑጥ ኣብ ክንክን ሊጡርጊያን ዓንቀጸ እምነትን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝና ምኩሕን ምዃን ዘስዕቦ እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ንቅድስና ምግላጽ ንቕዱስ ኣቦና ብእዋናዊ ፐላጊያውነት ምምራኽ ማለት ምዃኑ ይሕብሩ (ቍ. 57 ረአ)፡ ነዚ ሓሳብ ዘነጸሩ ቅዱስ ኣቦና ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ እቲ ቀልበይና ሰብኣዊ ኣእምሮ ናይ ሰብኣዊ ፍቓድን ድላይን ክንየው ዝብል እንክብሉ ንቅድስና ጸጋ ምዃኑ የረድኡ (ቍ. 54 ረአ)። ብዙሕ እዋን ወንጌል ንተሓላልዀን ናይ ሰብኣዊ ንድፊ ባርያ ንገብሮን (ቍ. 49)።

ሸሞንተ ፍኖት ቅድስና

ክንየው ብዛዕባ ቅድስና ዝምልከቱ ህልዮታት ኩሉ ሰማያውያን ምስጋና ወይ ብዛዕባ ብፅዕና ትምህርቲ ክርስቶስ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ ብፅዕና ናይቲ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ሳልሳይ ምዕራፍ ገይሮም፡ ኢየሱስ ቅድስና እንታይ ማለት ምዃኑ ይገልጸልና (ቍ. 63 ረአ)፡ ነቲ ብኢየሱስ ዝተገልጸ ቅድስና ብሓደ ይትንትንዎ፡ ካብቲ ብመንፈስ ድኻታት (ብልቢ ድኻታት) ዝዀኑ ካብ ዝብል ነጥቢ ተበጊሶም እንከረድኡ፡ ብመንፈስ ድኽታት ማለት ቁጥብን ዕቱብን ሕይወት ማለት ምዃኑ የመልክቱ (ቍ. 70)፡ ኣብቲ ኣብ ኵሉ ስፍራ ተጻባእነትን ጽልእን ዝረአየሉ ዓለም ብህዱእ ብልሓት ምውሳእ (ቍ. 74 ረአ)፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሕቑኡ ሂቡ ዝኸይድን ርእዩ ከምዘይረአየ ሸለል ቢሉ ዝሓልፍ ዕውሉም ሕይወት ክንየው ብናይ ካልኦት ስቃይ ልብና ንኽትንከፍ ተባዓት ምዃን(ቍ. 75-76)፡ ኣብቲ ህብስቲ ሕይወት ብምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ዝመቓራሕ ዓለም ከም መግብን ማይን ፍትሒ ዝጠመዩን ዝጸምኡን ደላይ ፍትሒ ምዃን (ቍ. 78-79)። ብምሕረት ምውሳእን ምትግባርን ምቅስቓስን፡ እዚ ማለት ከኣ ንኻልእ ምድጋፍን ይቕረ ምባልን (ቍ. 81-82) ማለት ምዃኑን፡ እቲ ንፍቕሪ ከመራስሑ ካብ ዝኽእሉ ነገራት ኩሉ ልብኻ ርሑቕ ምግባርን-ልብኻ ብምንጻሕ ናብ እግዝኣብሔርን ብጻይን ምባል (ቍ. 86)፡ ኣብ መወዳእታ፥ ሰላምን ማሕበራዊ ምሕዝነትን ብህድኣትን ቅሳነትን ብመሃዝነትን በስተውዕሎን ብውሕልነትን ምዝራእ ግናኸ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ኣሕዛብ ዘራኽብ ድልድል ምሕናጽ ከቢድ ምዃኑ ብምስትውዓል (ቍ. 88-89 ረአ)፡ ሎሚ ምስ ትምህርቲ ብፅዕና ኢየሱስ ዝሳነይ ሕይወት ምንባር ብኽፍኡ ዘጠምትን ተጠርጣሪ ዘግብርን ስሑውን ከም ዕሻ ዘርእይ እውን እንተዀነ ወንጌል ምንባር ዘስዕቦ ምዃኑ ተኣሚንካ ወንጌል ምንባር ንዓና ዝምችእ ኩነት ከምዝፈጥር ምስትውዓል የድሊ (ቍ. 91 ረአ)።

እቲ ዓብይ ናይ ባህርይ መምርሒ

ካብቶም ዓበይቲ ናይ ኣገባባት መምርሒ ሓደ፥ መሓርቲ (ዝምሕሩ) ብጹዓን እያቶም ዝብል ከምዝዀነ ቅዱስ ኣቦና ብዘይጥርጥር የነጽሩ፡ እዚ ናይ ክርስቲያን ባህርይ እዩ፡ ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 25 ብዛዕባ ናይ ፍጻሜ ፍርዲ ኣብ ዝተገልጸ ቃል ዘሎ እዩ፡  ኣብዘን ገጻት እዚኣተን ቅዱስ ኣቦና ቅዱስ ምዃን ( … ) ምሱጥን ሰማይ ሰማይ ዝጥምታ የዕይንቲ ምርአይን ምንባርን (ቍ. 96 ረአ) ማለት ዘይኰነስ በቶም ዝተናዕቁ ኣብ ምፍቃር እግዚኣብሔር ምንባር ማለት ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ዘጉሂ ወንጌል ዘሰንክሉ ዝተፈላለዩ ርእየተ ዓለም ምህላዎም እዩ። ብሓደ መዳይ ምዝ እግዚኣብሔር ርክብ ዘይብሎም ክርስቲያን፡ እምነት ክርስትና ናብ ሓደ ዘይመንግስታዊ ግብረ ሰናይ ቀይሮም ዝነብሩ (ቍ. 100 ረአ)፡ ብኻልእ መዳይ ከኣ ናይ ካልኦት ግብረ ሰናይ ዘይጥልቃዊ እናበሉ ዘስተናዕቑን ሃይማኖታውን ግብረ ገባውን መምዘኒ ዘይብሉ ቢሎም ዝፈርዱን ዴስነታዊ ወይ ሕዝብነታዊ ቢሎም ቅድመ ፍርዲ ዘንብሩ ብስም ሓደ ስነ ምግባር ተዛማዲ እያቶም ቢሎም ዝፈርዱ ከምዘለዉ ገሊጾም፡ ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓት ዘይብሎም ኰነ ነቶም ድኹማትን ብውዕዉዕ ስምዒት ዝጣበቑ እናሓሰቡ (ቍ. 101 ረአ)፡ ንገለ ገለ ካቶሊካውያን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምእንጋድ ትሕቲ ስነ ሕይወታዊ ስነ ምግባር ገይሮም ዝሓስብዎን ትሕቲኡ እውን ክሕሰብ ዝደልዩ ከምዘለዉ ገሊጾም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጻእተይና ክርስቶስ ኣሎ፡ እዚ ኽኣ ናይ ሓደ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ምህዞ ወይ ከኣ ዓጀውጀው እይኰነን (ቍ. 103 ረአ)።

ተውህቦ (ትዕድልቲ) ቅድስና

እቲ ኣህላኺ ሄዶንነት (ትፍግዕተይና፥ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ይምጻእ ኣብ ሕይወት እቲ ዘገድስ ሓጐስ ጥራሕ እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ)፡ ሕይወት ሓላፊ እዩ እሞ ብላዕ ተሓጐስ ዝብሎ ዓይነት ኣነባብራ ነቲ ኣብ ናይ ምሕረት ተግባር ገዛእ ርእስኻ ምውፋይ ዝሓትት ንእግዚኣብሔር ስብሃት ምቕራብ ንዝብል ባህጊ ዝጻረር እዩ (ቍ. 107-108 ረአ)። ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓሳብ ብምቕራብ ናብ ራብዓይ ምዕራፍን ብምስግጋር፡ ዓቕልን ትዕግስትን ልባምነትን ፍስሃን ዋዛን ትብዓትን ሓቀይና ውዕዉዕ ስምዒትን ዝብሉ ናይ ቅዱስ ሕይወት ኣገባብ ንምስትውዓል ዝድግፉ ግድነታውያን ኣገባባት ወይ ባህርያት ምዃኖም የመላኽቱ፡ ጐዳና ቅድስና ብሕይወት ኣብ ማሕበራውነት ዝንበርን ካብ ዓለም ምህዳብ ዝብል ዓይነት ሰቂለ ሕሊና ዝንበሮ ዘይኰነስ ጽንዓት ኣብ ጸሎት ምንባር ማለት ምዃኑ (ቍ. 110-152 ረአ) ይትንትኑ።

ንቝሕን በሊሕን ገድሊ

ሕይወት ክርስትና ነቲ ዘደንዝዝን ዝሁም ዝገብርን ዕውሉማዊ ኣመለኻኽታ ዝቃወም ቀጻሊ ተጋድሎ እዩ፡ (ቍ. 159 ረአ)። ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፡ ኣብ ሓምሻይ ምዕራፍ፡ ተጻይ ናይ ክፍኣት መንፈስ ክንጋደል እንክዕድሙ፡ ናይ ክፍኣት መንፈስ ሓሳባዊ ወይ ጽውጽዋይ ዘይኰነስ ዘሳቕይ ኣካል (ቍ. 160-161 ረአ) ምኻኑ ሓቢሮም፡ ስላሕታዊ ውዲታቱ በቲ ናይ ንቝሕን በሊሕን ገድሊ ብርቱዕ መጋበርያ ብዝኾነ ጸሎትን ቅዱሳት ምስጢራትን ብናይ ፍቕሪ ስራሕን (ግብረ ሰናይን) (ቍ.162 ረኣ) ምቅዋም ከምዘድሊ የገንዝቡ። ብፍላይ ኣብዚ ብዙሕ ዓይነት ኣገባባት ዘቕርብን ዘዘንግዕን ተኽእሎታት፡ ጽምጺ እግዚኣብሔር ጽን ንምባል ቦታን ግዜን ዘይሓድግ በጻሕን ናጻ ግዜን ቀጥዒ ኣልቦ ተጠቃምነት እደ ጥበባዊ ምዕባለን ዝኣመሰሉ ኩነታት  ዝቐርበሉ ዘመን ብምዃኑ ግብረ ልልያ ዘለዎ ኣገዳስነት ብኣጽንዖት ይገልጹ (ቍ. 29)። በዚ ምኽንያት’ዚ እቲ ብቐጻሊ ንምብራህን ምጥፋእን ሓደጋ ዝተቓልዔ መንእሰይ ካብ ክውንን ሓቅን ኵነት ኣርሒቑ ኣብ ምናባዊ ዓለም ንምንባር ሓደጋ ተቓሊዑ ንዝርከብ መንእሰይ ምክንኻን የድሊ(ቍ. 167 ረአ)፡ እቲ ግብረ ልልያ ኣብዛ ሕይወት እዚኣ ካልእ ክንረኽቦ ዘሎና ነገር ንምድላይ ዘይኰነስ እንታይ ደኣ እቲ ብጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልናዮ ተልእኾ ከመይ ገርና ብሉጽ ንምግባር ምድላይ እዩ (ቍ. 174 ረአ) ብዝብል ሓሳብ የጠቓልሉ።

10 July 2018, 13:36