ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፥ እግዚኣብሔር ኣቦ እምበር መላኺ ኣይኰነን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፥ እግዚኣብሔር ኣቦ እምበር መላኺ ኣይኰነን 

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፥ እግዚኣብሔር ኣቦ እምበር መላኺ ኣይኰነን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓስርቱ ቃላት ኣማእኪሎም ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 13 ሰነ 2018 ዓ.ም. ዘበገስዎ ትምርህቲ ቀጺሎም ኣብ ናይ ሎሚ ዕለት 20 ሰነ ናይ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ዓስርቱ ቃላት እቲ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ህዝቡን ዘሎ ርክብ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ትእዛዝ ዝብል ቃል፡ ቃል ቢሉ እዩ ዘንብሮ፡ ዋላ’ኳ ኣገባብ ሕጊ ዘለዎ ይዅን፡ ቃል ቢሉ እዩ ዘቕርቦም። እቲ ፍልልይ ኣብ ሕግን ቃልን ከኣ ንሱ እዩ።

ቅዱስ መጽሓፍ እቲ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሰብን ቃል ኪዳን ዘጽንዕ ዓስርቱ ቃላት ብወግዒ ከምዘዘኻኽር ዝገልጽ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ሎሚ ዕለት 20 ሰነ 2018 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ማእከል ኣርእስቲ ገይሮም የብርሁ፡ እግዚኣብሔር ምሳና ዘተ የርህው፡ መላኺ ዘይኰነስ ቃሉ እቲ ነጻ ዘጽኣና ቃል ፍቕሪ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓስርቱ ቃላት ኣማእኪሎም ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 13 ሰነ 2018 ዓ.ም. ዘበገስዎ ትምርህቲ ቀጺሎም ኣብ ናይ ሎሚ ዕለት 20 ሰነ ናይ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ዓስርቱ ቃላት እቲ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ህዝቡን ዘሎ ርክብ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ትእዛዝ ዝብል ቃል፡ ቃል ቢሉ እዩ ዘንብሮ፡ ዋላ’ኳ ኣገባብ ሕጊ ዘለዎ ይዅን፡ ቃል ቢሉ እዩ ዘቕርቦም። እቲ ፍልልይ ኣብ ሕግን ቃልን ከኣ ንሱ እዩ።

እግዚኣብሔር ምስ ሰብ ዘተ የበግስ

ብመሰረቱ ሓደ ትእዛዝ ዘተ ዘይሓትት መልእኽቲ እዩ፡ ቃል ግና ዘተ ከም ቅድመ ኵነት የንብር፡ ፍቕሪ ብቓል እዩ ዝዕንገል፡ ትእዛዛ ምቕራብን ቃል ምዝራብን ዝተፈላለየ እዩ፡ ትእዛዝ ንስኻ ትብሎ እንተሎካ ዘይብል ኽኸውን እንከሎ ቃል ግና ምሳኻ ክዛረብ ቃልካ ዝጽበይ ተዛታዪ እዩ፡ ናይ ሓደ መላኺ እግዚኣብሔር ኣምሳል እቲ ካብ ኣናስር ኣትሒዙ ሳጥናኤል ሰብ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ክህልዎ ዝደልዮ ኣመለኻኽታ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ዓይነት መላኺ እግዚኣብሔራዊነት ኣተሓሳስባ እዩ ኣብ ሰብ ውሽጢ ሳጥናኤል ከንብር ዝደለየ፡ ሰብ ንፍቕሪ ከም ትእዛዝ ክርድኦ ድላይ ሳጥናዔን ነበረ።

“እቲ ብድሆ ኸኣ እታ ቀዳመይቲ እግዚኣብሔር ንሰብ ዝሃቦ ሕጋግ፡ ብሓይሊ ብጸቕጢ ዝቐርብ ከልካልን ኣስገዳድን ወይ ከኣ እግዚኣብሔር ዝከናኸን ኣቦ ንደቁ ዝኣልይን ዝከላኸልን ምዃኑ ዝመላኽት እዩ? ዝብል ሕቶ እዩ፡ ካብቲ እቲ ተመን ንሄዋን ካብ ዝብላ ብዙሕ ሓሶት እቲ ዝኸፍኤን ዝገደደን እዚዩ ዘስካሕክሕ ሓሶት ከኣ፡ ንእግዚኣብሔር ከም ሓደ ክፉእ ምቀይና መላኽን መለኰት ገይሩ ብምቕራብ ምቀይናን መላኽን እዩ ዝብል ኣገላልጻ ገይሩ እዩ ዘቕርቦ፡ እግዚኣብሔር ግና ከምዚ ዘይምዃኑ ሓቅታት የረጋግጾ።”

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመንን ዘቅርብዎ ሕቶ

ነቶም ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ንኽልገሱ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ በሸሓት ንዝቑጸሩ ምእመናን ቅዱስ ኣቦና፥ እቶም ምእመናን ብዛዕባ እግዚኣብሔር መንነት ዘለዎም ርእዮትን ሓሳብን ግንዛበን እንታይ ምዃኑ ይሓትቱ፡ ኣቦ ድዩ ወይ መላኺ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ፡ እግዚኣብሔር ኣቦ ምዃኑ ጠሩሽኩም ኣይትረስዑ፡ ዋል’ኳ ኣብ ጽንኩር ኩነት እውን ንሃሉ፡ ዘፍቅር ኣቦ ከምዘለኩም ኣይትረስዑ፡ ከም ውላድ ወይ ከም ግዙኣት ገርና ኢና ገዛእ ርእስና እንሓስብ? ዝብል ሕቶ እውን ደጊሞም ምስ ኣቕረቡ፥

“መንፈስ ቅዱስ ናይ ደቂ እግዚኣብሔር ምዃን መንፈስ እዩ፡ ናይ ኢየሱስ መንፈስ እዩ፡ መንፍስ ጊልያነት ንሕጊ ከም ምልኮ እዩ ዝቕበል፡ ክልተ ተጻራርቲ ውጽኢት ድማ ይወልድ፡ ወይ ግብእነት ዝብል ሕይወት ጥራሕ ወይ ከኣ ነቲ ሕጊ ዝጥሕስ ናይ ጐነጽ ግብረ መልሲ፡ ክርስትና ካብ ሕጊ ናብቲ ሕይወት ዝህብ መንፈስ ምስግጋር ማለት እዩ፡ ኢየሱስ ቃለ ኣብ እምበር ፍርዲ ኣብ ኣይኰነን፡ ኢየሱስ ብሕጊ ዘይኰነ ብቓሉ ንኸድሕን እዩ ዝመጸ!”

ኣባና ናይ ውላድ መንፈስ ድዩ ዘሎ ወይ ናይ ጊሊያ?

ንገዛእ ርእሶም ወይ ከም ውላድ ወይ ከኣ ከም ጊልያ ዝሓስቡ ክርስቲያን ኣለዉ፡ ብዙሓት ነዚ ነቲ ክርስቲያን እየ ዝብል ርእዮም ዘስተውዕልዎ ሓቂ እዩ፡ ኣስርቱ ቃላት ናብ ነጻነት ዝወስድ መገዲ እዩ፡ ዓለም ሕጋዊ ባህርይ ወይ ሕጋውነት ዘይኰነ ሓልዮትን ክንክንን እዩ ዘድልዮ፡ ዓለም ብምሉእ ልቦም ውላድ ምዃኖም ዝስምዖምን ዝምስክሩን ክርስቲያን እዩ ዘድልይዎ፡ እዚ ሓደራኹም ከይትርስዑ፡ ብምሉእ ልቡ ውላድ ምዃኑ ዝስምዖ ክርስስቲያን!

ሰላምታን ጸሎት ብሓባር ምስ ህሙማን

ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ንኽልግሱ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ምኻዶም ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ብወለዳቶምን ብዝተፈላለያ ማሕበር ግብረ ሰናይ ክንክን ጥዕና ምስ ምስ ዝተሰነዩ ህሙማን ተራኺቦም፥ ክትበጽሑኒ ስለ ዝመጻእኩም እመስግነኩም ቢሎም ነኹሎም ጸሎቶም ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ጸሎትኩም እውን የድልየኒ እዩ ምስ በሉ፡ ኣብዚ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኰይንኩም ብዓቢይ ናይ ምስማዐ ርእየት መጋበርያ ኣቢልኩም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘቕርብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ክከታተሉ እውን ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፡ ብሓባር ሓደ ማሕበረሰብ ነቕውም፡ ቢሎም ምስ ኩሎም ሓቢሮም ጸሎት ኣዕሪጐም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም። 

 

09 July 2018, 16:47