ናይ ሃገራት ካሪቢያን መዓልቲ መንእሰይ፡ ቅዱስ ኣቦና፥ ፍቕሪ ብጥራሽ ኣይጽንቀቕን ናይ ሃገራት ካሪቢያን መዓልቲ መንእሰይ፡ ቅዱስ ኣቦና፥ ፍቕሪ ብጥራሽ ኣይጽንቀቕን 

ናይ ሃገራት ካሪቢያን መዓልቲ መንእሰይ፡ ቅዱስ ኣቦና፥ ፍቕሪ ብጥራሽ ኣይጽንቀቕን

ቅዱስ ኣቦናር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 23 ሐምለ 2018 ዓ.ም. ኣብታ ክፍሊ እኩባት ደሲታት ኣንቲለ ዝዀነት ደሴት ማርቲኒካ መንእሰይ ኣባይቲ ስድራ ካሪቢያን ዝልወጥ ኣዩ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናብ ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ካሪቢያን ሃገራት መዓልቲ መእንሰይ ምኽንያት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ቅዱስ ኣቦናር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 23 ሐምለ 2018 ዓ.ም. ኣብታ ክፍሊ እኩባት ደሲታት ኣንቲለ ዝዀነት ደሴት ማርቲኒካ መንእሰይ ኣባይቲ ስድራ ካሪቢያን ዝልወጥ ኣዩ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናብ ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ካሪቢያን ሃገራት መዓልቲ መእንሰይ ምኽንያት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

“ፍቕሪ ጠሪሹ ዘይንጽቀቕ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ዘለዎ እዩ፡ ኣብ ናይ ምልዋጥ ስድራ ቤት ካሪቢያን ውጥናትኩም ጽባሕ ብግቡእ ንምግጣም ዝሓለፈ ከይረሳዕኹም ህልው ኩነት ኣሳዅዑ” ዝብል ቃላት ብኣጽንዖት ዘመላኸተ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኺ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ኣብ ደሴት ማርቲኒካ እንከመሓላፉ፡ እቲ ብናይ ኣንቲለ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ትሕቲ መንእሰይ ስድራ ቤት ካሪቢያን ይለውጡ ዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ካብ ዕለት 10 ሐምለ ክሳብ ዕለት 23 ሓምለ 2018 ዓ.ም.  ዝተዳለወ ናይ ካሪቢያን መዓልቲ መንእሰያት፡ ኣብታ Amoris Laetita - ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእሰታ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ሰፊሕ ኣስተንትኖ ዘካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

Giornate caraibiche della gioventù. Papa: l’amore non finisce mai

ቡሶላ ታሪኽን መበቆል ሕሉፍን

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዕለት 15 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ናብቲ ናይ ካሪቢያን መዓልቲ መንእሰያት ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ስድራ ቤት ንምልዋጥን ንምሕዳስን ንመጻኢ ዝኣመተ ህልው ኩነታት ስድራ ቤት ምስትውዓል ከምዘድልን ብፍላይ ከኣ ኣብታ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ሕመረት ዝዀነ ኣብ ምዕራፍ ኣባዕተ፥ ንቕድሚት ዘሰጉም መርሓ ፍኖት ብዝብል ኣርእስቲ ዘንበርዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ እናሓሰቡ፡ ወትሩ ነቲ መበቆል ዝዀነ ሕሉፍ ብዘይምዝንጋዕ  ኣብ ሕልፉን መጻእን ዘንሳልል መእኽቶም፡ “ወትሩ ንድሕሪት ቍሊሕ በሉ፡ ኣባሓጐታትን ዓባይን ወለድን ተመልከቱ፡ ምስኦም ዘትዩን ምኸሩን፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ጥራሕ እዩ እቲ ናይ ምልዋጥ ብቕዓት ዘለዎ ለዋጢ ጉልበት ኣብ ተግባ ንምውዓል ዝከኣል።  

“ኣብ ሕሉፍ ዘይተሰርተ፡ መበቆል ምዝንጋዕ፡ እቲ ኣብ ውሳጠ ዝተሰርተ ሕሉፍ መበቆል፡ ናይ ታሪኽን ባህልን ስድራ ቤታዊ መበቆልን ምዝንጋዕ ኣብ ህልው ኰነ ንመጻእን ኣሚትካ እትገብሮ ክዋነ ክህሉ ዘይከኣል እዩ፡ ካብ ሰረት ወይ መበቆል እቲ ንቅድሚት ከተብል ዝድርኸካ ሓይሊ ትረክብ። ኵላትና ውጽኢት ፋብሪካዊ ቤተ ሙከራ ኣይኰንናን፡ ታሪኽን መበቆልን ዘሎና ኢና። እቲ እንፍጽሞ ኵሉ እንህቦ ውጽኢትን ክንፈጥሮ እንኽእልን ጽባቔን ኵሉ ካብ መበቆል ዝምንጭው እዩ።”

ፍቕሪ ጠሪሹ ዘይጽንቐቕ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ኵሉ ብሓባር ፍቕሪ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝዀነ ውሳጣዊ ሓይሊ ኣለዎ ኣብ ዝብል እማነ ርግጸይናነት ገይሩ፡ ክዓዪ ሓደራ ቢሎም፡ ነቶም መንእሰያት፥ መንእሰይ ወለዶ መንእሰይ ዲዅም ወይ ዝኣረገ መንእሰይ፡ ዝብል ሕቶ ነቶም ተጋባእያን መዓልቲ መንእሰያት ካሪቢያን ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ነቲ እዋናዊ ብድሆ ንምስናፍ ናይ ኵሉ መንእሰይ ሕቶ ኣገዳሲ እዩ፡ ምስ በሉ፡ ነቶም ኣእዳዎም ኣጣሚሮም ንዘለዉ እናሓሰቡ፡ እጅጌኦም ዓጺፎም ጻዕራማት ኵኑ ሓደራ ቢሎም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዛዚሞም።

ናይ ሃገራት ካሪቢያን መዓልቲ መንእሰይ፡ ቅዱስ ኣቦና፥ ፍቕሪ ብጥራሽ ኣይጽንቀቕን
16 July 2018, 17:00