ድለ

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2016 ዓ.ም. ክራኮቪያ፥ ሓነጽቲ መራኸቢ ድልድልን ምሕረትን ኩኑ!

ዕለት 27 ሓምለ ቅድሚ ክልተ ዓመት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ቅድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ ከተማ ክራኮቪያ መሓርቲ ምሕረት ኪረኽቡ እያቶም እሞ ብፁዓን እያቶም (ማቴ. 5,7) ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ንክኻየድ ተወሲኑ ኣብ ዝነበረ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተረኺቦም፡ ሓድሽ ወለዶ ነቲ በጽሒ ወለዶ ሓባራዊ ናብራ ኣብ ብዝሃነት ተኻኣልነት ዝምስካር ምልክታ ኣብ ዓለም ክሓድግ መዓዱ።

ዕለት 27 ሓምለ ቅድሚ ክልተ ዓመት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ቅድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ ከተማ ክራኮቪያ መሓርቲ ምሕረት ኪረኽቡ እያቶም እሞ ብፁዓን እያቶም (ማቴ. 5,7) ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ንክኻየድ ተወሲኑ ኣብ ዝነበረ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተረኺቦም፡ ሓድሽ ወለዶ ነቲ በጽሒ ወለዶ ሓባራዊ ናብራ ኣብ ብዝሃነት ተኻኣልነት ዝምስካር ምልክታ ኣብ ዓለም ክሓድግ መዓዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ካብ ዕለት 27 ሓምለ ክሳብ ዕለት 31 ሓምለ 2016 ዓ.ም. መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ክራኮቪያ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ መንእሰያት ብሓባር ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እያቶም እሞ ብፁዓን እያቶም ኣብ ዝብል ቃለ ወንጌል ድሮ ዝኽሪ እውን እንተዀነ፡ ናይ ቫቲካን መደብር ተለቪዥን ንድሕሪት ምልስ ቢሉ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝፈጸምዎ መበል 15 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ክራኮቪያ ኣብ መዓልቲ መንእሰያትን ኣብቲ እዋን ዝተነብረ መንፈሳውን ባህላውን መርሓ ግብርታት ብምስማዐ ርእየት ምስቲ ኣብቲ እዋን ዝንበር ዝነበረ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ኣሳዅዒ የዘኻኽረና።

ቀዳመይቲ መዓልቲ፥ ኣብ ሕቑፎ ክራኰቪያ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ክራኮቪያ ዓለም ሓቆፍ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ፡ መንእሰያት ብውዕዉዕ ስምዒት ምስ ተቐበልዎም ጐደናታት ክራኮቪያ ብመንእሰያት ኣዕለቕሊቓን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ክራኮቪያ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ሕንጻ ተረኺቦም ብመስኮት ንኹሎም ነቶም ኣብቲ ቅርዓት ሕንጻ ሊቀ ጳጳሳት ንዝነበሩ መንእሰያት ከምቲ ቅድሚኦም ዮሓንስ ጳውልስ ዳግማዊ ደሓር እውን በነዲክቶስ መበል 16ን ዝፈጸምዎ፡ ሰላምታኦም ከምዘቕረቡ ይዝከር።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2016 ዓ.ም. ክራኮቪያ፥

ቀይሕ ጽገሬዳ ኣብ ትርጋጽ ቅዱስ ምስሊ ጸሊም ዝሕብሩ ሓወልቲ ቅዱስተ ማርያም

ንጽባሒቱ ቅዱስነቶም ናብቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብሔራዊ ቅዱስ ስፍራ እንክብሉ ዝሰመይዎ ኣብ ቸስቶኮዋ ናብ ዝርከብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ብምኻድ ንዝኽሪ መበል 1050 ዓመተ ጥምቀት ፖላንድ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምዕራጐም ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ እናተዘዋወሩ ነቶም ልዕሊ 500 ዝግመቱ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦምን፡ ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስተ ማርያም ጸላም ኣመ አምላክ ቅዱስ ምስሊ ፊት ተረኺቦም ጸሎት ኣቕሪቦም ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ደሓር እውን በነዲክቶስ መበል 16 ቀይሕ ጽገሬዳ ኣብ ትሕቲ እቲ ቅዱስ ምስሊ ማርያም ኣንበሩ።

ስነ ስርዓት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም

ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ክራኮቪያ ኣብቲ ቀዳማይ መርሓ ግብሪ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት ብናይ ክራኮቪያ ሊቀ ጳጳሳት ዝተሰነዩ 15 ኣካለ ስንኵላን መንእሰያት ብሓባር ብንእሽተይ ናይ ከተማ ምህዳራዊት ባቡር ተሳፊሮም ናብቲ ኣደባባይ ምስ በጽሑ ሽሕ’ኳ ብርቱዕ ዝናም እውን እንተነበረ ብምሊዮን ዝቑጸሩ መንእሰያት ነቲ ብሩዕ ዝናም በዲሆም ብውዕዉዕ ስምዒትን ሓሴትን ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ብሊኒያ ተቐበልዎም። እቲ ንቕድስና ጽዉዓት ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝተዳለወ መደብ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም ንምብጋስ ኣብቲ መዓልቲ መንእሰያት ንዝሳተፉ  ዝውክሉ 187 ሓገራት ሰንደቕ ዕላማ ብዘንበልበሉ መንእሰያት ትርኢት ሰንደቕ ዕላማ ተኻይዱን፡ ምስክርነት ምሕረት ቀረበ።

ቅድስቲ ፋውስቲና፥ ሓዋርያ መለኰታዊ ምሕረት

ቀዳም ንምሕረት ተወኪፉ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ላጋውኒኪ ኣብ ዝርከብ ማእከል መለኰታዊ ምህረት ተባሂሉ ናብ ዝግለጽ ንቅድስቲ ፋውስቲና ዝተወከፈ ቅዱስ ስፍራ ነጊዶም፡ ቅድስቲ ፋውስቲና ክሳብ ኣብ ሰማያዊ ቤት ምውላዳ ዝተቐመጠትሉ ገዳም ቅድስተ እመቤት ዘምሕረት ብምኻድ ኣብቲ ቅድስቲ ፋውስቲና ዕለት 22 ለካቲት 1931 ዓ.ም. ናይ ዝተገለጸላ ኢየሱስ ኣባኻ እኣምን ዝብል ጽሑፍ ዝተነብሮ ምስሊ ኢየሱስ ዘምሕረት ኣብ ዝተነብረሉ ናይ ቅድስቲ ፋውስታ ቅዱስ ዓጽም ዝዓረፈሉ ስፍራ ጸሎት ኣዕረጉ።

ቅዱስ  ትሩፋት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ

ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ቤተ ጸሎት ቅድስቲ ፋውስቲና ወጺኦም ነቶም ኣብቲ ኣጸደ (ቅርዓት) ቅዱስ ስፍራ ንዝተኣከቡ መንእሰያት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ብመለኰታዊ ምሕረት በሪ ናብቲ ቅዱስ ስፍራ ብምእታው፡ መርሓ ግብሪ ስርዓተ ምስጢረ ንስሓ መሰረት ብዙሓት ካህናት ምስጢረ ንስሓ ይሰርዑ ከምዝነበሩን ቅዱስነቶም እውን ንሸሞንተ መንእሰያት ምስጢረ ንስሓ ሰሪዖም ምስ ናይ ፖላንድ ካህናትን ገዳማውያንን ብሓባር መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐምን ደም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘለዎ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ንዝተነብረ ቅዱስ ትሩፋት ተሳለሙ።

መዓዲ ምሳሕ ምስ መንእሰያትን ወለንተይናታትን

ኣብ ናይ ክራኮቪያ ቤተ ሊቀ ጳጳስ በጺሖም ናይ ክራኮቪይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ስዝዊችን ሓንቲ ኣስተርጓሚትን ኣብቲ መዓልቲ መንእሰያት ካብ ዘገልግሉ ውሽጢ 13 መንእሰያት ወለንተይናታትን ካብ ነፍሲ ወከፍ ተሳተፍቲ ሃገራት ዝተዋጽኡ መንእሰያትን ብሓባር ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቛዲሶም፡ ብቛንቋ ስፓንሽን ጣልያንን ምስቶ መንእሰያት ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጡ።

ቅዱስ በሪ ናይ መበረ ጥበብ መልኰታዊ ምሕረት ቀጽሪ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንበረ ጥበብ መለኰታዊ ምሕረት ኣብ ዝካየድ ናይ ጸሎት ዋዜማ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መደብ ንኽሳተፉ ምስ በጽሑ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ብዝግመቱ መንእሰያት ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡ ምስ ሽዱሽተ መንእሰያት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ብቕዱስ በሪ ምሕረት ምስ ሓለፉ ኣብቲ ዝተሰናደወ መድረኽ ምስ በጽሑ ኢየሱስ ምንጪ ምሕረት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ መንፈሳዊ ምርኢት ቀሪቡን ቃል ምስክርነት እውን ምስ ተሰምዐ ሰለስተ መንእሰያት ብንዘቕረቡሎም ሕቶ ኣደጊፎም ቃለ ምዕዳን ለገሱ።

ወንጌል ከምቲ ኣብ መገዲ ዝመርሕ ዳህሳሲ (ቡሶላ)

ንጽባሒቱ ወንጌል ኣብ ጐዳና ጉዕዞ ኣንፈት ሓባሪ ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣብ ዝተዳለወ መደብ መዕጸዊ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተረኺቦም ነቶም ኣብቲ መደብ ንዝተሳተፉ  ሰለስተ ሚልዮን ዝግመቱ መንእሰያት ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ዋይሊችካ፡ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐምን፡ ንዅሎም መንእሰያት ኣብ ሕይወትኩም ወንጌል ቦሶል ገርኩም ኣብ መላእ ዓለም ልኡካንን መሰኻኽርን መለኰታዊ ምሕረት ኵኑ እንክብሉ ከምዝመዓዱ እንክዝከር፡

መበል 32 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕረገዎ ናይቲ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን፡ ንተሳተፍቲ መንእሰያት ንዝወከሉ ናይ ኢየሱስ ብርሃን ዝገልጽ ውሉዕ ፋኑስ ምስ ዓደሉ ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሒር ብሓባር ምስ ኩሎም መንእሰያት ደጊሞም እቲ ኣብ 1985 ዓ.ም. ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተበገሰ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መእሰያት ቀጻልነቱ ብምርግጋጽ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ክካይድ ከምዝወሰኑ ይዝከር።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2016 ዓ.ም. ካራኮቪያ፥ ሓነጽቲ መራኸቢ ድልድልን ምሕረትን ኩኑ!
28 July 2018, 17:11