መርሓ ግብሪ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፓለርሞ መርሓ ግብሪ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፓለርሞ 

መርሓ ግብሪ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፓለርሞ

ዕለት 21 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ክፍለ ሃገር ሲቺልያ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 መሰከረም 2018 ዓ.ም. ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዝርዝር መርሓ ግብርታቱ ብወግዒ ከምእተገልጸን፡ እቲ ሓውጾተ ኖልዎ ምስ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ሰማዕትነት ኣባ ፑሊዚ ዝተተሓሓዘ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ፑሊዚ ብኢደ ማፊያ ናይ ገበን ጉጅለ ዝተቐትሉን ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ከምዝኣወጀትሎምን ዝዝከር ምዃኑ፡ ናይ ፓለርሞ ርእሰ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኮራዶ ሎረፊቸ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ የመልክቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብፁዕ ጁዘፐ ፑሊዚ ካህን ሰበኻ ፓለርሞ ናይታ ሰበኻ ሉል ነጸብራቕ ብቓልን ሕይወትን ዝንበር ወንጌል መሰካርን ክሳብ ዳግማዊ ምጽኣት ጐይታ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዳግማይ ምጽኣት ኣብሳሪት ምዃና ዘረጋግጽ ሰማእት እዩ ኢሎም።

ሓጐስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓለርሞ

ብፁዕ ኣቡነ ሎረፊቸ ናይ ሰበኻኦም ካህናት ተቐቢሎም ብዛዕባ መደብ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ሰፊሕ ሓበሬታ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓለርሞ ሓውጾተ ኖልዎ ከምዘካይዱን። ዕለት 15 መስከረም ብፁዕ ናይ እምነት ሰማዕት ኣባ ፑሊዚ ዝተወለዱላን ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ሰማዕትነቶም ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት እውን ምዃኑ ሓቢሮም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓለርሞ ወንጌላዊ ምስክርነት ሰማዕት ፑሊዚ እትነብር ምዃና እትምስክረሉ ዕለት እውን እዩ ኢሎም።

ምብጻሕን ምቁዳስ መኣዲ ምሳሕ ምስ ድኻታት

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ሰዓት ትሽዓት ኣብ ኣደባባይ ኣርመሪና ተረኺቦም ኣብ ፋልኮነን ቦርሰሊኖን ኣደባባይ ምስ እትርከብ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ክራኸቡ እዮም። ቀጺሎም መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸዕርጉ ናብ ማእከል ከተማ ፓለርሞ ክኸዱ እዮም። መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርጉሉ ኣደባባይ ገና ዘይተወሰነ እውን እንተዀነ ድሮ ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ምብጻሕ ዘሰናድው ኮምቴ ሰበኻ ፓለርሞ ኣብ ምቅርራባት ይርክብ ኣሎ። ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ድኻታትን ስደተይናታትን መኣዲ ምሳሕ ኣብቲ ካብ ዝቐውም ልዕሊ 25 ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ዓለማዊ ወንጌላዊ ልኡክ ቢያጆ ኰንተ ዝተመስረተ ተስፋን ፍቕርን መእለዪ ድኻታት ተረኺቦም ክቋደሱ እዮም። ከምኡ እውን ኣብቲ ፑሊዚ ዘገልገሉሉን ኣብ ከባቢ ብራንካቾ ኣብ እትርከብ ቁምስና ክበጽሑን ኣብቲ እቶም ዕለት 25 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ዝኣወጀትሎም ኣባ ፑሊዚ ናይ ደ ሰማዕትነት ዝተቐበልሉ ኣደባባይ ኣኒታ ጋባልዲ ግላዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም። ምስ ውሉደ ክህነት ፓለርሞን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ገዳማውያንን ክራኸቡን ኣብቲ ቅዱስ ኣጽም ሰማዕት ኣባ ፑሊዚ ዝዓረፈሉ ካቴድራል ፓለርሞ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም። 

መርሓ ግብሪ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፓለርሞ
23 July 2018, 16:24