ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ር.ሊ.ጳ ዕለት 08 ሓምለ 2018 ዓምፈ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ር.ሊ.ጳ ዕለት 08 ሓምለ 2018 ዓምፈ 

ብዙሓት ዝተጠምቁ ክርስትያን እግዚአብሔር ከምዘየሎ ብምሕሳብ ይነብሩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 8 ሓምለ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን ጸሎተመልአከ እግዚብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ‘እግዚብሔር ንዝኾነ ሰብኣዊ መደብ ይገማጠሎ ወትሩ ከኣ ከምእንካታዕ ይገብረና፣ ስለዚ ክርስትያን ዘቦኡ ምልክታት ጥራይ ምድግጋም ኣይኣክልን እዩ ንኢየሱስ ንቃላቱን ሓቀኛ ተዝዞ የድሊ` እንክብሉ ኣስተምሂሮም፣

ኣባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንትማሊ ዝቐረበ ካብ ወንጌል ማርቆስ ኮይኑ ኢየሱስ ናብ ትውልዲ ዓዲ ናዝሬት ምስ ተመልሰ ኣብ ቤተመቅደስ ኣትዩ ክምህር ከምዝጀመረ ዝገልጽ ነበረ፣ ኣብ ንቡር ኩነታት እዚ ፍጻሜ እዚ ዓቢ ዓወትን ሕውነትን ክፈጥር ነርዎ ኮይኑ ግን ክሳብ ካልእ ተኣምር ናይ ምግባር ድሌቱ ዝዓጽውን ካብኡ ንክኸይድን ዝደፋፍእ ዘይምእማን ምስ ኣጋጠሞ ‘ነቢይ ብዘይካ ኣብ ገዛእ ዓዱን ማእከል ኣዝማዱ ቤቱን ኣይሓስርን እዩ’ እንክብል እንትርፎ ቊሩባት ንእግረመንገዱ ክሓልፍ እንከሎ ኢዱ ዘንበረሎም እሞ ዝተፈወሱ ሕሙማት ሓንቲ ከይገብረ ገደፎም ዝብል እዩ፣

ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ደቂ ዓዲ ኢየሱስ

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተመቅደስ ክምህር ምስ ጀመረ ማዕረ ማዕረኡ ንቃላቱ ክጠራጠሩን ዝገደደ ከኣ ክዕንቐፉን ጀመሩ፣ እዝስ ወዲ እቲ ጸራብን ወዲ ማርያምንዶ ኣይኮነን ክብሉ ጀመሩ፣ ቅዱስነቶም ነዚ ኩነታት ደቂ ዓዲ ብኣግራሞት እንክትንትኑ ‘ከመይ ኢሎም እዮም እዞም ደቂዓዱ ንኢየሱስ ካብ ኣግራሞት ናብ ምጥርጣር ንሓቂ ልብኻ ከፊትካ ካብ ምቕባል ኣብ ምዕንቃፍ ይበጽሑ ኢሎም ይሓቱ እሞ ከምዚ ክብሉ ይምልሹ።

“በመለኻክታ ነበርቲ ናዝሬት እግዚብሔር ብከምዚ ዝበለ ገርሀይና ሰብ ንክዛረብ ክሳብ ክንድዚ ክትሕት ዘይክእል ብጣዕሚ ዓቢ እዩ። እቲ እግዚብሔር ከማና ሰብ ኮይኑ ሥጋ ዝለበሰሉ ብኣእምሮ ሰብ ዚሓስብ ከም ሰብ በእዳው ዝሰርሕ ብልቢ ሰብ ዘፍቅር ዝበልዕ ዝሰቲ ዝደክም ሓደ ከማና ዝኾነሉ ምሥጢረ ሥጋዌ ዕንቅፋት ኮይንዎም! ወልደ እግዚብሔርከስ ንኩሉ ውሃ ዘበሉ ዕላማታት ደቂሰብ ይገማጥሎም! ኣእጋር ጐይታ ዝሓጸቡ እቶም ኣርድእቲ ዘይኮነስ ጐይታ ባዕሉ እዩ ኣእጋር ኣርድእቱ ዚሓጽብ! ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ዕንፋትን ዘይምእማንንከስ እዚ እዩ፣ እዚ ግን ኣብቲ ዘመንቲ እቲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ዘመናት ዝነበረ ወላ ሎሚውን ዘሎ እዩ፣”

እግዚአብሔር ወትሩ ብሃንደበት ምስ መጸና እዩ! ልብና ክንከፍተሉ የድሊ!

እቲ ኢየሱስ ሒዝዎ ዝመጸ ንነገራት ዝገማጥል ኣተሓሳስባከስ ነቶም ናይ ትማልን ናይ ሎምን ሓዋርያቱ ብኣካልስ ይኹን ከም ማሕበረሰብ መምዘኒ ኮይኖም ሎሚ እውን እንተኾነ ብዙሕ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታት ነቲ ኩነት ንከይንቅበል ክዕንቅፉና ይኽእሉ፣ ኮይኑ ግን ጸጋ እግዚብሔር ክረኽበና ዝመጸሎም ኣገባባት ምስ ኣተሓሳስበና ብዙሕ ጊዜ ኣይሰማማዕን፣ ቅዱስነቶም ነዚ ኣብነት ክትኮነና እትኽእል ቅድስት ማዘር ተረዛ ዘካልኩታ ምዃና ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

“ሓንቲ ንእሽቶ እናቴ ናብ ጐደናታት ብምኻድ ነቶም ንሞት ዝቀረቡ ክቡር ሞት ንክሞቱ ኣኪባ ተገልግል ዝነበረት ወላ ሳንቲም ዝህባ ኣይነበረን፣ እዛ ንእሽቶ ድንግል እዚኣ ብጸሎትን ብሥራሓን መስተንክር ነገራት ገራ፣ ትሕትና ሓንቲ ድንግል ንምሉእ ግብረሠናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ገማጢልዎ፣ ንዘመንና ዝኸውን ሓደ ዓቢ ኣብነት እዩ፣”

እምነት ማለትከስ ንኢየሱስን ንወንጌሉን ምእዛዛ እዩ!

ቅዱስነቶም ቀጺልዎም ዝሓትዎ ነቲ ክረኽበና ኢሉ ካብ ሰማየ ሰማያት ዝመጽእ መለኮታዊ ዕድመ ንምቅባል ‘ልብናን ኣእምሮናን ክንከፍት ይግባእ’ ኢሎም።

እምነት ክህልወና ኣለዎ! እምነት ክሰኣን እንከሎ ንጸጋ እግዚብሔር ዓንቃፊ እዩ፣ ብዙሓት ዝተጠምቁ ክርስቶስ ከምዘየለ ኮይኖም ይነብሩ፣ ንምልክታትን ወስታታትን እምነት ይደጋግምዎ ኮይኑ ግን ኣብቲ ሓቀኛ ተኣዝዞ ንኢየሱስን ወንጌሉን ኣይኣቱን፣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንሕና ኩልና ነፍሲወከፍና ኣብዚ መሠረታዊ ማሕበር እዚ ብዕምቈት ክነብር ምስኡ ዝሰማማዕ ሕይወት ኣልዩና ብግብሪ ክንምስክር እናተቃለስና በቲ ቀንዲ መጋበሪኡ ዝኾነ ናይ ፍቅሪ ስራሕ ክንገልጾ ኣሎና፣

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ እኖና ድንግል ማርያም ብኣማልድነታ ንድርቅና ልብታት ክነለስልስን ንጽበት ኣእምሮና ክነሰፍሕን ንጸጋ እግዚብሔር ክንክፈትን ትሓግዘና ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ደጊሞም፣

ዝኽሪ ዕለት ከተማ ባሪ!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነታ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ባሪ ምስ ብፁዓንን ቅዱሳንን ፓትርያርክታት ማእከላይ ምብራቅ ስለሰላም እቲ ዞና ዝጸልይዎ ፍሉይ ዕለት ዘኪሮም፣

“[ ስለ እቲ ናይ ሓድነት ክርስትያን ጭቡጥ ምልክት ዝኾነን ዕቱብ ተሳፍትሮ ሕዝበ እግዝብሔር ዝተራእየሉን ርክብ ንእግዚአብሔር ምስጋና አቅርብ! ነቶም ኣብዚ ጸሎት ዝተሳተፉ ኣሕዋተይ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያንን ወከልቶምን እውን እንደገና ብልቢ አመስግን። በቲ ዘርኣይዎ ምቅሉልነትን ምስክርነትን ብጣዕቢ ተሃኒጸ እየ፣ ንሊቀ ጳጳሳት ከተማ ባሪ ትሑትን ኣገልጋልን ሓውና ብተሓባበርቱን ብኩሎም ምእመናኑን ብጸሎቶምን ብኣካል ኣብኡ ብምርካቦምን ዘሰነይዎን ዝደገፍዎን ኣመስግን። ”

ንባሕረኛታት እውን እዝክሮም ኣሎኹ!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነታ ‘ሰንበት ናይ ባሕሪ’ ብዝብል ዝኽሪ ንባሕረኛታትን ገፈፍቲ ዓሣን ዝተወፈየት ዕለት ብምዝካር ስለኦምን ስለ ሥድራቤታቶምን ከምዝጽልዩ ሓቢሮም፣ ነቶም ንባሕሪ ካብ ብከላ ክከላኸሉ ለይትን መዓልትን ዝቃለሱ እውን ዘኪሮም፣

ነዚ መደብ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

08 July 2018, 11:58