ብዙሓት ዝተጠምቁ ክርስትያን እግዚአብሔር ከምዘየሎ ብምሕሳብ ይነብሩ! ር.ሊ.ጳ
ኣባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንትማሊ ዝቐረበ ካብ ወንጌል ማርቆስ ኮይኑ ኢየሱስ ናብ ትውልዲ ዓዲ ናዝሬት ምስ ተመልሰ ኣብ ቤተመቅደስ ኣትዩ ክምህር ከምዝጀመረ ዝገልጽ ነበረ፣ ኣብ ንቡር ኩነታት እዚ ፍጻሜ እዚ ዓቢ ዓወትን ሕውነትን ክፈጥር ነርዎ ኮይኑ ግን ክሳብ ካልእ ተኣምር ናይ ምግባር ድሌቱ ዝዓጽውን ካብኡ ንክኸይድን ዝደፋፍእ ዘይምእማን ምስ ኣጋጠሞ ‘ነቢይ ብዘይካ ኣብ ገዛእ ዓዱን ማእከል ኣዝማዱ ቤቱን ኣይሓስርን እዩ’ እንክብል እንትርፎ ቊሩባት ንእግረመንገዱ ክሓልፍ እንከሎ ኢዱ ዘንበረሎም እሞ ዝተፈወሱ ሕሙማት ሓንቲ ከይገብረ ገደፎም ዝብል እዩ፣
ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ደቂ ዓዲ ኢየሱስ!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተመቅደስ ክምህር ምስ ጀመረ ማዕረ ማዕረኡ ንቃላቱ ክጠራጠሩን ዝገደደ ከኣ ክዕንቐፉን ጀመሩ፣ እዝስ ወዲ እቲ ጸራብን ወዲ ማርያምንዶ ኣይኮነን ክብሉ ጀመሩ፣ ቅዱስነቶም ነዚ ኩነታት ደቂ ዓዲ ብኣግራሞት እንክትንትኑ ‘ከመይ ኢሎም እዮም እዞም ደቂዓዱ ንኢየሱስ ካብ ኣግራሞት ናብ ምጥርጣር ንሓቂ ልብኻ ከፊትካ ካብ ምቕባል ኣብ ምዕንቃፍ ይበጽሑ ኢሎም ይሓቱ እሞ ከምዚ ክብሉ ይምልሹ።
በመለኻክታ ነበርቲ ናዝሬት እግዚብሔር ብከምዚ ዝበለ ገርሀይና ሰብ ንክዛረብ ክሳብ ክንድዚ ክትሕት ዘይክእል ብጣዕሚ ዓቢ እዩ። እቲ እግዚብሔር ከማና ሰብ ኮይኑ ሥጋ ዝለበሰሉ ብኣእምሮ ሰብ ዚሓስብ ከም ሰብ በእዳው ዝሰርሕ ብልቢ ሰብ ዘፍቅር ዝበልዕ ዝሰቲ ዝደክም ሓደ ከማና ዝኾነሉ ምሥጢረ ሥጋዌ ዕንቅፋት ኮይንዎም! ወልደ እግዚብሔርከስ ንኩሉ ውሃ ዘበሉ ዕላማታት ደቂሰብ ይገማጥሎም! ኣእጋር ጐይታ ዝሓጸቡ እቶም ኣርድእቲ ዘይኮነስ ጐይታ ባዕሉ እዩ ኣእጋር ኣርድእቱ ዚሓጽብ! ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ዕንፋትን ዘይምእማንንከስ እዚ እዩ፣ እዚ ግን ኣብቲ ዘመንቲ እቲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ዘመናት ዝነበረ ወላ ሎሚውን ዘሎ እዩ፣
እግዚአብሔር ወትሩ ብሃንደበት ምስ መጸና እዩ! ልብና ክንከፍተሉ የድሊ!
እቲ ኢየሱስ ሒዝዎ ዝመጸ ንነገራት ዝገማጥል ኣተሓሳስባከስ ነቶም ናይ ትማልን ናይ ሎምን ሓዋርያቱ ብኣካልስ ይኹን ከም ማሕበረሰብ መምዘኒ ኮይኖም ሎሚ እውን እንተኾነ ብዙሕ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታት ነቲ ኩነት ንከይንቅበል ክዕንቅፉና ይኽእሉ፣ ኮይኑ ግን ጸጋ እግዚብሔር ክረኽበና ዝመጸሎም ኣገባባት ምስ ኣተሓሳስበና ብዙሕ ጊዜ ኣይሰማማዕን፣ ቅዱስነቶም ነዚ ኣብነት ክትኮነና እትኽእል ቅድስት ማዘር ተረዛ ዘካልኩታ ምዃና ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
እምነት ማለትከስ ንኢየሱስን ንወንጌሉን ምእዛዛ እዩ!
ቅዱስነቶም ቀጺልዎም ዝሓትዎ ነቲ ክረኽበና ኢሉ ካብ ሰማየ ሰማያት ዝመጽእ መለኮታዊ ዕድመ ንምቅባል ‘ልብናን ኣእምሮናን ክንከፍት ይግባእ’ ኢሎም።
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ እኖና ድንግል ማርያም ብኣማልድነታ ንድርቅና ልብታት ክነለስልስን ንጽበት ኣእምሮና ክነሰፍሕን ንጸጋ እግዚብሔር ክንክፈትን ትሓግዘና ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ደጊሞም፣
ዝኽሪ ዕለት ከተማ ባሪ!
ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነታ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ባሪ ምስ ብፁዓንን ቅዱሳንን ፓትርያርክታት ማእከላይ ምብራቅ ስለሰላም እቲ ዞና ዝጸልይዎ ፍሉይ ዕለት ዘኪሮም፣
ንባሕረኛታት እውን እዝክሮም ኣሎኹ!
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነታ ‘ሰንበት ናይ ባሕሪ’ ብዝብል ዝኽሪ ንባሕረኛታትን ገፈፍቲ ዓሣን ዝተወፈየት ዕለት ብምዝካር ስለኦምን ስለ ሥድራቤታቶምን ከምዝጽልዩ ሓቢሮም፣ ነቶም ንባሕሪ ካብ ብከላ ክከላኸሉ ለይትን መዓልትን ዝቃለሱ እውን ዘኪሮም፣