ድለ

መዓልቲ ማንደላ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ንሕነጽ መዓልቲ ማንደላ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ንሕነጽ 

መዓልቲ ማንደላ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ንሕነጽ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማንደላ ምኽንያት፥ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ኣብ ኩሉ ናይ ሕይወት መዳይ ሓናጺ ሰላም ክኸውን ዝላበው መልእኽቲ ከምቲ ልሙድ ትዊተር ብእተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex - ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ኢየሱስ ኣብቲ ዘጋጥመና ዕለታዊ ሕይወት ኩሉ ብሓባር ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ክንሓንጽ ይዕድመና ዝብል መዓልታዊ መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብትኽክል እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማንደላ ቅዱስ ኣቦና ማንደላ ኣብ ሕንጸት ናይ ፍቕሪ ስልጣነ መላእ ሕይወቶም መስዋዕት ዝገበሩ ምዃኑ የመልክቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕለት 18 ሓምለ መልእኽቲ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ንማንደላ ዝተወከፈ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ማንደላ ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ናይ ሕውነትን ፍቕርን ሰላምን ስልጣነ ዘተባብዑን ምእንቲ’ዚ ልዑል ዕላማ’ዚ ገዛእ ርእሶም ዘወፈዩ እዮም፡

ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ዕረፍት ሎሚ እውን ናይ ሰላም ምስሊ ምዃኖም ዝንገረሎም ነልሰን ማንደላ

ዕርቅን ምሕረትን

ዝሓለፈ 2017 ዓ.ም. ሓምለ 18 ቅዱስ ኣቦና ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማንደላ ምኽንያት ኣብቲ እዋን ኣብ ትዊተር ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፡ ኵሉ ዓይነት ዘርኣነት (ኣድልዎ ብዘርኢ) ዘይምቅብባልን ሰብኣዊ ፍጡር ከም መጋበርያ ምጥቃምን ዝብልን ኵሉን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጸቕጢ ዘተኣታትው ኩነት ምስናፍን የድሊ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ እንክዝከር፡ ዕለት 5 ታህሳስ 2013 ዓ.ም. ማዲምባ (ነልሰን ማንደላ) ካብዚ ዓለም ብሞት ምስ ተፈለየ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በርጐሊዮ ኣብቲ እዋን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ንዝነበሩ ንጃኮብ ዙማ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መግለጺ ሓዘን፡ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ማንደላ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾን ይዅን ደኣ እምበር እቲ ማንደላ ብዘይ ምቍራጽ ብርቱዕ ጻዕሪ ዝገበረሉ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ምንቕቓሕ ዕላማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሕዳሴ ብዘይጐነጻዊ ባህሊ ክተኣታተው ዕርቅን ምሕረትን ሓቅን ተመሪሑ ክረጋገጽ ብቐዳምነት ባዕሎም ማንደላ ኣብነት ብምዃን ዘበገሱ እዮም እንክብሉ በዚ ዓይነት ቃላት ንማንደላ ከምዝገለጽዎም ኣስዒቦም እውን ማንደላ ብቃልን ሕይወትን ንሓድሽ ትውልዲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ድልያ ፍትሕን ሰላምን ናይ ሓባር ጥቕምን ክተግህ ዘመላኸቱ እዮም ስለዚህ ማንደላ ኣብነቶምን ንሓዳስ ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስተንፍሶ እዮም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ይዝከር።

መዓልቲ ማንደላ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ንሕነጽ
19 July 2018, 16:22