ቅርበት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ግሪኽ ብባርዕ ሓዊ ንዝተጐድኡ ቅርበት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ግሪኽ ብባርዕ ሓዊ ንዝተጐድኡ 

ቅርበት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ግሪኽ ብባርዕ ሓዊ ንዝተጐድኡ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ግሪኽ ብዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ ንዝተጐድኡ ኵሎም ቅርበቶም ገሊጾም፡ መንግስትን ወለንተይናታትን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ምጥፋእ ባርዕ ሓውን ንዝተጐድኡ ኵለ መደያዊ ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ጻዕሮም የበራትዑ። በቲ ዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ ሕጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 74 ዝግመቱ ዜጋትት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም እንክንገር ቁጽሮም እውን ክብ ክብል ከምዝኽእል ክንገር እንከሎ፡ ካብ 500 ሚእቲ ንላዕሊ ዝግመቱ እውን ማህሰይቲ ከምዝወረዶምን በሻሓት ዝቝጸሩ ቤቶምን ንብረቶም ሓዲጐም ከምዝወጹ፡ ናይ ብዙሓት ቤትን ንብረትን እውን ከምዝባደመን እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኮነ ተባሂሉ ብኢደ ሰብ ዝተለዓዓለ ክኸውን ይኽእል ዝብል ግምት ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘንን ቅርበትን መግለጺ ተለግራም መልእኽቲ፡ ነቶም ዝተጠቕዑ ኩሎም ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡ ብፍላይ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ኵሎም ኣብ ኢድ መሓሪ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣወኪፎም፡ ንመንግስትን ወለንተይናታትን ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጹጽ ሓደጋ ንምውጋድን ሕዝቢ ካብ ሓደጋ ንምድሓን ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ኣበራቲዖም። ነቶም ስድራ ቤት ምዉታት ናይ ጐይታ ቡራኬ ምሕረን ሓይልን አመሓላልፍ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ባርዕ ሓዊ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ማህሰይቲ ዝወረዶምን ቍጹሪ ክብ ክብል ከምዝኽእል ግሙት ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ከምዝንገር ሕጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 74 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከዘጓነፎምን 500 ሚእቲ ዝግመቱ ማህሰይትን በሸሓት ዝቝጸሩ ቤቶምን ንብረቶም ዛሕዚሖም ንኽወጹ ከምእተገዱን መንግስቲ ግሪክ ሕጹጽ ኣዋጅ ከምዝወሰነ ነቲ ዝተጠቕዐ ሕዝቢ ካብ ቀጵሮስን ስፐይን ካልእቶ ሃገራት ኤውሮጳ ሓገዝ ከምዝቐረበን እቲ ንግሪኽ ዘንበከርከኸ ከቢድ ባርዕ ሓዊ መንቀሊ ኢደ ሰብ ክኸውን ከምዝኽእል መንግስቲ ግሪክ ኣፍሊጡን መራሔ መንግስቲ ዚፕራስ እቲ ዝወረደ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዘሰንብድ እንክብሉ ከምዝገለጽዎን ሕብረት ኤውሮጳ ሃገዝ ከቕርብ ይጽውዑ።

ብፁዕ ኣቡነ ሮሶላቶስ፡ ነቲ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ገሃነማዊ እንክብሉገሊጾም፡ መግለጺ ሓዘንን ጸሎን የቕርቡ

ናይ ኣተንስ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ግሪክ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሰባስቲኣኖስ ሮሶላቶስ፥ ሓዘኖም ገሊጾም፡ እቲ ዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ ገሃነም እንክብሉ ገሊጾም፡ ብዙሕ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ማህሰይቲ ዘጓነፎም ክብ ክብል ከምዝኽእልን ምስቲ ብባርዕ ሓዊ ዝተጠቕዔ ከባቢ ቀጻሊ ርክብ የካይዱ ምህላዎም እውን ሓቢሮም፡ ስለ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ዝተሃሰዩን ቤቶምን ንብረቶምን ዝባደሞምን ዜጋታት ኵሎም ንጸልይ፡ ስለ እቶም ነቲ ዝተጐድኤ ሕዝቢ ሓገዝን ድጋፍን ኣብ ምቕራብ ኰነ ነቲ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ ህርኵት ጻዕሪ ንዘካይዱ ዘለዉ ኵሎም ንጸልይ፡ እቲ ዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ ብዛዕባ ምህዳር እንኽተሎ ኣገባብን ነጠቓቕማ ምህዳር ኩሉ ኣብ ሕቶ ዘእትው እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ፡ ዓቢይ ሰብኣውን ምህዳራውን ሓደጋ

ኣብቲ ብባርዕ ሓዊ ዝተጠቕዔ ከባቢ ዘጓነፈ ናይ ሞት ሕደጋን ዘስዓቦ ማህሰይትን ውድመትን ኵሉ ብዓቢይ ስቓይ ንርእዮ ዝበሉ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ በጠለመዎስ ቀዳማዊ እውን ብወገኖም፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፡ ጸሎትና ምስቶም ናይ ኣተነስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሄሮኒሞስን ምስ መጥሮፖሊ ከተማታት ግሪኽን ኣሕቢርና፡ እግዚኣብሔር ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዓቢይ ሓደጋ ክኣልዮን ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ዝተሃሰዩን ምዉታት ስድራ ቤትን ቤቶምን ንብረቶምን ንዝባደሞም ኩሎም ብፍቕሩ ክበጽሖም ንጽልይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደነት ሓልዮ ከምዘይፍለዮም አረጋግጽ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ቅርበት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ግሪኽ ብባርዕ ሓዊ ንዝተጐድኡ

25 July 2018, 17:00