ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካን

ዛዕባ ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካ ዓለም ዝትንትን ሊመስ እተሰምየ ወርሓዊ መጽሔት ኣብ ናይ መወዳታ ሕትመቱ፡ ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ሓተታዊ ትንተና ንንባብ ኣብቂዑ።

ዛዕባ ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካ ዓለም ዝትንትን ሊመስ እተሰምየ ወርሓዊ መጽሔት ኣብ ናይ መወዳታ ሕትመቱ፡ ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ሓተታዊ ትንተና ንንባብ ኣብቂዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ መጽሔት ሊመስ ዋና ኣሰናዳኢ ሉቾ ካራቾሎ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልዑል ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካን ጸረ ዕቀዳን፡ እንክብሉ ይገልጽዎም፡ እታ ናይ ሊመስ ናይ መወዳእታ ሕትመት ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፥ ሰፊሕ መብርሂ ከምእተወሃበሉ እንክንገረ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ኣባል ናይቲ ማሕበር ካቶሊካዊ ስልጣኔ እተሰምየ ኣብ 1850 ዓ.ም. ዝተመስረተ ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣንቶኒ ስፓዳሮ፥ መጽሔት ሊመስ፥ ዝኽሪ መበል ሓምሻይ ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምኽንያት ኣብ ዘቐረቦ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካ፡ ኣብ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካን ከምኡ እውን ናይ ባህሊ ዓለም ዝተፈላለየ ርእይቶ ብምቕራብ ኣብ ተክለ ሰብነት በርጎሊዮ ከስተንትን  ዓቢይን ኣገዳስን ምዃኑ የመልክቱ።

ናይ መወዳእታ ሕትመት ሊመስ

እቲ ብጣልያንኛ ቋንቋ ዝሕተም ዓለም ሓቆፍ ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካ ተንታኒ መጽሔት ኣብ ናይ መወዳእታ ሕትመቱ፡ ፍራንቸስኮን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስርዓተ ምሕደራን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረቦ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካ ዝድህስስ ኰይኑ፡ ኣብ እዋናዊት ናይ ር.ሊ.ጳ. በርጎሊዮ ቤተ ክርስቲያን ኩነትን ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካ ትጽቢታቱ ዝተማእከለ እዩ፡ ኣብቲ ንቤተ ክርስቲያን ካብቲ ክልኩል ዝበሃል ንቤተ ክርስቲያን ሸፊንዋ ዝነበረ ጉልባብ ናጻ ዝገበረ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውልቃዊ ጠባይ ሰብኣዊ መንነት ንምምርማር ዘይኰነስ በንጻሩ ታሪኻዊ ኩነታ ንምምልካት  ዝሃቀነ ምዃኑ ካራቾሎ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ይሕብሩ።

ሓዋርያዊ መገሻታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ናይ ቤተ ክርስቲያን ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካ ውጠና ኣዚዩ ግልጺ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ይብሉ ኣባ ስፓዳሮ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ቅዱስነቶም ብመደብ ዓለም ለኻዊ ይኹን ብብሔራዊ መንፈሳዊ መገሻታቶም ኩሉ ኣቢሎም፡ ኣብ ዓለም ንዘሎ ጋህ ዝበለ ቁስሊ ክትንክፉ ምድላዮም ተስተውዕል። ኣብቲ ጸገምን ማእለያ ዘይብሉ ስቓይን ዘለሉ ዝቖሰለን ከባቢ ንኣብነት ኣብ ላቲን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምጥቃስ ዝከኣል እዩ ኢሎም።

ቅዉም ነገራት

እቲ ነቲ ቅዱስነቶም ዝኽተልዎ ስልተ ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ንኣብነት ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ንኽዀኑ ምምራጾምን ኣነባብራን ኣገላልጻን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ጽሕፈትን ከመይ ክኸውን ኣብ ዘመላኽት እዩ፡ ኵሉ ከምዝፈልጦ እውን ኣብ ዓለም ህቡብ-ተፈታዊ ተክለ ሰብነት ዘለዎም እዮም።

ህቡብነት-ተፈታውነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ህቡነትን ተፈታውነትን ዘለዎም እዮም፡ እቲ ሊመስ መጽሔት ካብ ዘካየዶ ጭብጥታት ብስን ኣሃዝ ዝትንትን መጽናዕቲ ንምቕራብ ሕቶ ካብ ዘቕረበሎም ልዕሊ 54 ሚእታዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰብኣውነትን ተክለ ሰብነትን ዝድግፉ ከምዝዀኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ስፓዳሮ እውን ብወገኖም ዘስምዕዎ ዘረባ እንከጠቓልሉ፡ ዓቢይ ግብረ ገባዊ ዕሴት ወይ ከኣ ክቡር ዝዀነ ግብረ ገባዊ ዋጋ ዝዓሰሎ ተክለ ሰብነት ዝውክሉን ንልቢ ሰብ ዝዛረቡን ንውስጠ ምዃን ሰብ ቃሎም ዘብጽሑን እዮም፡ ስለዚህ እዩ ድማ ህላውነቶም እዚዩ ኣገዳሲ ዝበሃል ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካን
27 July 2018, 15:58