ድለ

ቅዱስ ኣቦና ንኣናጐስጢስን ወመዘምራንን፥ ንብጻይኵም ኣገልግሉ፡ ቅድስና ንሃካያት ኣይኰነን

ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 31 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ 19 ሃገራት ዝተዋጽኡ ካብ 13 ክሳብ 23 ዓመት ዝዕድመኦም ዝርከብዎም ብጠቕላላ 70 ሺሕ ዝግመቱ ኣናጐስጢስን ወመዘምራንን ኣጋ ምሸት ሰዓት ሹዱሽተ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻራ ተቐቢሎም፥ ጐረቤትናን ብጻይናን ወዲ ዓዲ ይኹን መጻእተይና ብዘየገድስ ንመሰረታዊ ድላያቱ ቀረባ ብምዃን ብሓቂ ቅዱሳት ክትኮኑ ዓለም እውን ክትልውጡ ትኽእሉ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሮማ በቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ብርቱዕ ሃሩር ተኸቢባ ኣብ ዘላትሉ እዋን ዕለት 31 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ነቶም መዝሙረ ዳዊት ምዕራ 34 ፍቕዲ 14 ንሰላም ድለያ ሰዓባውን ብዝብል ቃል ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ መበል 12 መንፈሳዊ ንግደት ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽሳተፉ ዝመጹ መብዛሕቲኦም ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተዋጽኡን ከምኡ እውን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካብ ደሴታት ኣንቲጉኣን ባርቡዳን ከይተረፉ ዝተዋጽኡ ዝርከብዎም ብጠቕላላ ካብ 19 ሃገራት ዝተዋጽኡ 70 ሺሕ ዝግመቱ ካብ ዕለት 30 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ቅዱሳት ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ንዘካየዱ ኣናጐስጢስን ወመዘምራንን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተቐቢሎም መርሕ ቃል ቅድሚ ምልጋሶም እናተዘዋወሩ ነቶም መንእሰያት ሰላምታኦም ከምዘቕረቡን፡ ብፍላይ በቲ ዘሎ ሃሩር ናይ ኣየር ጠባይ ምኽንያት መካይን መጥፋእቲ ሓዊ ማይ ብምንጻግ እቶም መንእሰያት ነቲ ዝነበረ ሃሩር ክጻወሩ ከምእተደገፉን ይኹን ደኣ እምበር ነቲ ዝነበረ ሃሩር በዲሆም ንሰላም ድለያ ሰዓባውን እናበሉ ኣብ ዙርያ ር.ሊ.ጳ. ተረኺቦም ክዝምሩን ቃል ቅዱስነቶም ክሰምዑን ዝተሰምዖን ሓጐስ ልዑል ምንባሩ ልኡካን ቫቲካን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የረጋግጹ።

ነዚ መፈሳዊ ንግደት ናይ ዘሰናድው ናይቲ Coetus Internationalis Ministrantium- ዓለም ለኻዊ  ኣናጐስጢስን ወመዘምራንን ማሕበር ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ላዲስላቭ ነመት ብስም ኵሎም ንቕዱስ ኣቦና ሰላምታኦም ከምዘቕረቡን፡ ካብ ዝተፈለለያ ሃገራት ኤውሮጳን ካብ ኤውሮጳ ወጻእን ኣብ ዙሪያኹም ንርከብ፡ እዚ እንነብሮ ዘሎና ርጉእ ኩነት ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ከኣ ክኸውን ንምነይ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

እትገብሮ ኵሉ ምእንቲ ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይዅን

ቅዱስ ኣቦና እቲ ነቶም 70 ሺሕ ዝግመቱ ኣናጐስጢስን ወመዘምራንን መንእሰያት ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕ. 10፡ 31፥ … ዝኾነ ይዅን እንተ ገበርኩም ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ … ንዝብል ሓሳብ ዘቓልሕ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ምስ ኢየሱስ ዕርክነት ምግባር እንታይ ማለት ምዃኑ ብዑምቀት ዘብርህ ሓሳብ እዩ፡ ኣብ ድንግዝግዝን ደልሃመትን ምስ እንርከብ እቲ ምስ ኢየሱስ ዘሎና ዕርክነት ይመርሓናን፡ ክብሪ እግዚኣብሔር ናይ ግብረ ገብ ቡሶላ ምስቁል ትካብ (ሓባሪ ቐስቲ) ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ ድምጺ እግዚኣብሔርን ፍቓዱን ንኸነለልይ ዘብቅዓና ከምዝዀነ ቅዱስነቶም ብሰፊሕ ኣብሪሆም።

ተፈተውቲ ብኹሉ

ቅዱስነቶም ነቶም መእንሰያት ኩሉ መታን ክድሕን ብዅሉ ተቐባልነት ዘለኩምን ፍቱዋትን ኩኑ፡ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕ. 10፡ 33 ከምቲ ኣነ ንዅሉ ሰብ ብዅሉ ነገር ዘሐጒስ ዘሎዅ ንስኻትኩም ድማ … መዐንቀፊ ኣይትዅኑ፡ ከመይ ምእንቲ ኪድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር ጥቕመይ ኣይደለዅን ዝብል መጋበርያ ቅድስና ምዃን ዓሚዩቕ ምስጢሩ  ብሰፊሕ ተንቲኖም፡ ካልኦት ኣብ መከራን ጸልማትን ክርከቡ እንከለዉ መገዳቶም ንኸነብርሃሎም ሓደራ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ናይ እምነት ሃሴት ዝዀነ ፍቕሪ እግዚኣሔር ዝምስክር እዩ፡ እቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎና ዕርክነት ምስኣቶም እውን ዕርክነት ክህልወና ይድርኽ። እዚ ኣብ ምፍጻም እንተድኣ ንስጉም ኰይንና ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኢየሱስ እንኰ መድሕንና ምዃኑ ንኽፈልጡ ዝሕግዙ ከምዘኽውን ብሰፊሕ ኣረዲኦም።

ዘይከኣል ተልእዀ ኣይኰነን

ምናልባት ብዙሓት ካባና እዚ ንምፍጻም ዝኽእል ዶ እኸውን ዝብል ሕቶ ከነልዕል ንኽእል፡ ብርግጽ ድሒንካ ንምድሓን ካልኦት ወፊርካን ክድሕኑ መገዲ ምሕባር ዓቢይ ተልእኾ እዩ፡ ዘይከኣል ተልእኾ ግን ኣይኰነን፡ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ምዕ. 11፡ 1 ፥ ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎዀ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ እንክብል ናይቲ ተልእኾ ተኻኣልነቱ ኣብ ምምሳል ንኢየሱስ ከምዘሎ የረጋግጸልና፡ ቅዱስ ኣብ ምዃን፡ ህያው ወንጌላውነት፡ ወንጌላዊ ህያውነት፡ ህያው ወንጌል፡ ቅዱሳት ዝነብርዎ ሕይወት፡ ነቲ ናይ ኢየሱስ መልእኽቲ ብሕይወቶምን ኣብ ሕይወቶምን ዝተርጐሙ እያቶም፡ ወንጌላውነት ብሕይወት እያቶም!

ወተሃደር ዝነበር ቅዱስ ዝዀነ

ዕለት 31 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ኢግናዚዮስ ዘሎዮና ምዃኑ ዝዘከሩ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ምዕዳን፥ ቅዱስ ኢግናዚዮስ ዘሎዮላ መንእሰይ ወተሃደር እንከሎ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብርን ሞጐስን ዝደልይ ከምዝነበረን፡ ደሓር ግን ብኽብሪ እግዚኣብሔር ተማረኸ፡ ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ክብሪ ናይ ገዛእ ሕይወቱ ሕመረትን ትርጉምን ኣስተውዓለን ኣንበረን፡ ምእንቲ’ዚ ንቕዱሳት ኣብ ምምሳል ንዕበይ፡ እቲ ዅሉ እንገብሮ ንኽብሪን ውዳሴን እግዚኣብሔርን ንድሕነት ኣሓትናን ኣሕዋትናን ይኹን እንክብሉ ነቲ ነዊሕን ሕቶ መንእሰያትን እናሳዅዑ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦና ንኣናጐስጢስን ወመዘምራንን፥ ንብጻይኵም ኣገልግሉ፡ ቅድስና ንሃካያት ኣይኰነን
01 June 2018, 09:49