ሓቀኛ ሕይወት ክርስትና ኣብ ክርስቶስ ምንባር እዩ! ስለ ተመሃሮን መማህራንን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 13 ግንቦት 2020 ዓም ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረጉዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ 'እግዚአብሔር ንተመሃሮን መማህራንን ኣብዚ ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ንቅድሚት ንኽግስግሱ ትብዓት ክህቦም ንጸሊ' እንክብሉ ስለ እቶም ናይ ጽባሕ ተስፋ ዝኾኑን ኰስኰስቶምን ክንጽሊ ድሕሪ ኣዘኻኺሮም ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ከኣ 'ሕይወት ክርስትና ኣብ ሕይወት ክርስቶስ ተሰዊራ ስለዘላ ንሕና ኣብ ኢየሱስ ኢየሱስ ከኣ ኣባና ጠቢቁ ክነብር ኣለዎ' ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ ነታ ቅድሚ 103 ዓመታት በዚ ዕለት እዚ ኣብ ፋጢማ እትብሃል ቊሸት ፖርቱጋል ንሠለስተ ጓሶት ዝተገልጸት ማርያም ፋጥማ ብምዝካር ነቲ ንሳ ሓደራ ዝበለቶ ተዘኻኽር። ቅዱስነቶም እውን ነዚ ብምዝኽኻር ናይ ሎሚ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ሎሚ ስለ እቶም ኣብ መጽናዕቲ ዝርከቡ ደቅና ተመሃሮን ኣብዚ ግዜ ጸገም ሓዲስ ኣገባብ ኣመሃህራ ክረኽቡ ዝቃለሱ ዘለው መማህራኖምን ንጸሊ። እግዚኣአብሔር ኣብ ጒዕዞኦም ይደግፎም ዓወት ንክረኽቡ ከኣ ትብዓት ይሃቦም ኢሎም።

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ዮሓ 15.1-8 ዝተወስደ 'ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም። ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ። ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም። ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም' ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም ናይዚ ክፍሊ ወንጌል ቀንዲ መልእኽቲ ሕይወት ክርስትና እንትርፊ ምስ ጐይታ ምንባር ካልእ ትርጉም ከምዘይቡሉ ነዚ ኸኣ ብጽቡቅ ኣብነት ጉንዲ ወይንን ጨንፈርን እንክገልጽ ንሕና ከም ጨናፍር ኣብኡ እንተዘይነቢርና ሕይወት ከምዘይብልና እንተኾነ እዚ ኣብኡ ምንባር ማለት ከኣ ከም ማንም ጽግዕተኛ ወይ ባልዕ ኣብኡ ጠቢቅካ ምንባር ዘይኮነ ፍረ ክትፈሪ ግድን እዩ። ስለዚ እዚ ርክብ እዚ እንካ ሃባ ስለዝኾነ ከምቲ ቃሉ ዝብሉ ንስኹም ኣባይ እንተነበርኩም ኣነ እውን ኣባኹም ክነብር እየ ስለዝብለና ቀሲንካ ምንም ከይገበርካ ትድቅሰሉ ወይ ትድስክለሉ ኣይኮነን እንተዘየለ ነቲ ፍረ ዘይፈሪ ከምዝቆርጾ እውን ኣግሂዱ ይነግረና ስለዚ ሓቀኛ ሕይወት ክርስትና ኣብ ጐይታ ምንባር ብሕይወት ምንባር ፈሪኻ ምኽኣል ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ሕይወት ክርስትናኸስ እዚ እዩ። ርግጽ እዩ ሕይወት ክርስትና ትእዛዛት እግዚኣአብሔር ምፍጻም እዩ ዝብል ተማሂርና። እዚ ብግዲ ክንገብሮ ኣሎና። ካብኡ ሕልፍ ምስ በልና ኸኣ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ትምህርታት ዘስተንተናዮ ሕይወት ክርስትና መንገዲ ብፅዕናን ምኽርታት ወንጌል ብዛዕባ ብፅዕና ተኸቲልካ ምምልላስ እውን እዩ። ከምቲ ጐይታ ምሕረት ዝገብሩ ብፁዓን እዮም ዝብለና ከምቲ ንሱ ኣብ ወንጌሉ ዝምህሮ ምሕረት እግዚኣአብሔር ተቀቢልካ ናብ ካልኦት እንከተብጽሕ ናይ ምሕረት ሥራሕ ጐይታ ብነፍስስ ይኹን ብሥጋ ዕለት ዕለት ንቅድሚት እንከተገስግስ እዚ እዩ ሓቀኛ ሕይወት ክርስትና ዝበሃል። እዚ ከኣ እቲ እንካ ሃባ ዝዓይነቱ ርክብ ጐይታን ክርስትያንን ኣብቲ ጒንዲ ወይኒ ጠቢቅካ ክትነብር እሞ ሕይወት ክህልወካ እንተዀይኑ ከም ሕያው ጨንፈር ፍረ ክትፈሪ ትጽቢት ይግበረለካ። ንሕና በዛ ባዕልና ብዘይ ኢየሱስ ምንም ክንገብር ከምዘይንኽእል ናይ ሎሚ ቃለ ወንጌል ጽቡቅ ገሩ ይገልጸልና። ጐይታ ይቅረ ይበለለይ ደኣ እምበር ከም ፍቃዱ ንሱ እውን ብዘይካና ምንም ክገብር ኣይክእልን ማለት ከሃሌ ኩልነቱ ኣብ ቦታኡ እንከሎ በዛ ምሳሌ ናቱ ክዛረብ ይፈቅደለይ ግዲ ይኸውን እዚ ኸኣ እቲ ጒንዲ ጨናፍር እንተዘይብሉ እቲ ጨናፍር እንተዘይዓምቢቡን ፈርዩን ጉንዲ በይኑ ፍረ ክፈሪ የጸግሞ። ስለዚ እቲ ኣብኡ ምንባር ምሳኡ ምውህሃድ ምሳኡ ሓደ ምዃን ክንብል እንከሎና ፍረና ኣድልይዎ ዘይኮነስ ንሕና ብሕይወት ምእንቲ ክነብር ፍረ ምእንቲ ክንፈሪ ኣብቲ ጒንዲ ከም ኣድለይቲ ኣብኡ ክንነብር ይዕድመና።

እቲ ጉንዲ ካባና ዝደልዮስ እንታይ ኰን ይኸውን! እንተቢልና ብርግጽ ፍረ ምፍራይ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካባና ዝደልዮ ፍረኸ እንታይ እዩ እንተበልና! ምስክርነት እዩ። ኣብ ወንጌሉ ብርሃን ዓለም ኢኹም ክብለና እንከሎ 'ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ በዚ ኸኣ ነቲ ሠናይ ግብርኹም ርእዮም ንሰማያዊ ኣቦኹም ከመስግኑዎ እዮም` ይብለና። እዚ ምስክርነት እዚ እዚ ክብሪ እዚ እዩ እምበኣር ኢየሱስ ካባና ዝሓቶ። እምነት ክርስትና ከኣ ብምስክርነት እያ እትዕምብብን እትዓብን እትፈርን። ቤተክርስትያን ክትዓቢ እንተዀይና ምስክርነትና ግድን የድሊ። ምሥጢር ናይቲ ንሕና ኣብኡ ንሱ ኣባና ይንበር እንብሎ ብኣብነት ጉንዲ ወይንን ጨናፍርን ሓደራ ዝብለናኸስ እዚ እዩ።

ሎሚ ነዚ እንተኣስተንቲና ብዙሕ ክሕግዘና እዩ። ኣብ ኢየሱስ ክነብር ኢየሱስ ከኣ ኣባይ ክነብር። ሕይወት ምእንቲ ክህልወኒ ከምቲ ጨንፈር ምስ ጉንዲ ዝለግብ ኣነ እውን ምስ ኢየሱስ ክለግብ እሞ ሕይወትን ሓይልን ጽድቅን ብነጻ ክረክብ እሞ ናብ ፍረ ክበጽሕ ክምስክር በዚ ምስክርነት እዚ ከኣ ቤተክርስትያነይ ከዕቢ` ኢልና ነስተንትን።ኣብ መንጎናን መንጎ ኢየሱስ ክህሉ ዘለዎ ርክብከስ ብጣዕሚ ጥቡቅ ኰይኑ ብዘይ ምንም ዘረባ ምሥጢራዊ ብዝኾነ ኣገባብ ይግበር። ምናልባት ሓደ ካባኹም ኣባቴ! ነዚ ዝገብሩ እቶም ባሕታውያን ዝበቅዑ ለይትን መዓልትን ንዓኡ ዝተወፈዩዶ ኣይኮኑን! እንትቢሉ ኣይፋል እዚ ወደይ እዚ ኩልና ክንገብሮ ዝተጸዋዕናዮ ሕይወት እዩ። ስለዚ 'ጐይታየ ንስኻ ከምዘሎኻ እፈልጥ እየ ሓይሊ ሃበኒ ኣነ ኸኣ ነቲ ዝበልካኒ ኩሉ ክገብር እየ' ዝብል ዓሚቚ ርክብን ዕላልን የድልየና።

ብዙሕ ብዛዕባ ጉንዲ ወይንን ጨናፍሩን ብዙሕ ንዛረብ ንሰብኽ እንተኾነ ኣብቲ ምሳሌ ደው ንብል ዳርጋ ሥራሕ ሓረስቶትን ኣታኽልቲ ወይንን ንሕዝ ማለት ምክንኻኑ ነቲ ፍረ ዘይፈሪ ምቊራጹ ወዘተ። እዚ ሓቂ እዩ። ዝፈሪ ዘይፈሪ ዝእረም ዝቊረጽ ንብል። እንተኾነ ኣብቲ ጥቡቅ ርክብ ጉንድን ጨናፍርን ብውሽጢ ውሽቲ ዘራኽቦም መትንታትን ሠራውር ሕይወትን ኣይንሓስብ ስለዝኸስ ፍረ ክንፈሪ ምስክርነት ክንህብ እንተዀና ካብቲ ጒንዲ ክንመጽዮ ዘሎና ነገራ ከምዘሎ ንዘክር እዚ ከኣ ብዝጠበቀ ርክብን ሓድነትን ስለዝኾነ ምስ ጐይታ ሓደ ንኹን ኣብኡ ምስኡ ንንበር ሕይወት ክንረክብ ክንዓቢ ክንዕምብብ ፍረ ክንፈሪ ክንምስክር ኢና ሽዑ ቤተክርስትያና እውን ክትዓቢ እያ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ሓቀኛ ሕይወት ክርስትና ኣብ ክርስቶስ ምንባር እዩ! ስለ ተመሃሮን መማህራንን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
13 May 2020, 15:29
ንኩሉ ኣንብብ >