ዲያብሎስ ብቅንኢ ሥልጣንን ገንዘብን ንቤተክርስትያን ከዕኑ ወትሩ ምስ ተቃለሰ እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ቅዱስነቶም ቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሮም ነቲ ልሙድ ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎት ቅድሚ ምግላጾም ንቅድስት ልዊዛ ማሪላክ ዘኪሮም ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብቲ ንሶም ዝነብሩሉ ዘለው ገዛ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዘን ኣብ ኣገልግሎት ዘለዋ ደናግል ደቂ ፍቅሪ ዝሓለፋን ኣብ ጥሮታ ዝኣተዋ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ተዓቊበን ዘለዋን ብምዝካርምስጋናኦም ኣቅሪቦም። ብልማድ እዚ በዓል እዚ ዕለት 15 መጋቢት ከምዝዝከር ንሎምዘመን ግን ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ብምንባሩ ናብ ሎሚ ከምዝተሰጋገረ ብምዝኻኻር ስለ እተን ተኸተልቲ ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ዝኾነ ብቅድስት ልዊዛ ማሪላክ ዝተመስረታ ደናግል ከምዝጽልዩ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ግሐ 13.44 ኰይኑ ‘በታ እትስዕብ ሰንበት ከኣ ዳርጋ ዂላ እታ ኸተማ ቓል ኣምላኽ ክትሰምዕ ተኣከበት። ኣይሁድ ነቲ እኩብ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ቅንኣት መልኦም፡ እናተኸራኸሩን እናተጻረፉን ከኣ በቲ ጳውሎስ ዝበሎ ቓል ተኻትዑ። ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ተቢዖም ከምዚ በሉ፡ ቃል ኣምላኽ ቅድም ንኣኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ፡ ካብ ደፋእኩምዎን፡ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ከኣ፡ ብርእስኹም ካብ ፈረድኩምንከ፡ እግዚኣብሄር፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፡ ነህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣሎና። ኣህዛብ ከኣ እዚ ሰሚዖም ተሐጐሱ፡ ንቓል ኣምላኽ ድማ ኣመስገኑ። እቶም ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ ዘበሉ ዂላቶምውን ኣመኑ። ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኲላ እታ ሃገር በጽሔ’ ዝብል ነበረ ቅዱስነቶም ቀንዲ ስብከቶም ኣብዚ ተመስሪቶም እንከቅርቡ ብናይ ዕለቱ መኽፈቲ መዝሙረ ዳዊት እዮም ጀሚሮም።