ዲያብሎስ ብቅንኢ ሥልጣንን ገንዘብን ንቤተክርስትያን ከዕኑ ወትሩ ምስ ተቃለሰ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ መሥራቲት ደናግል ደቂ ፍቅሪ ዝኾነ ቅድስት ልዊዛ ደ ማሪላክ ዘኪራ ስለ እትውዕል ቅዱስነቶም እውን ንሎሚ ዕለት 9 ግንቦት 2020 ዓም ኣብ ዘዕረጕዎ መሥዋተ ቅዳሴ ስለ ደናግል ደቂ ፍቅሪ ጸልዮም። ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ከኣ መንፈስ ቅዱስ ንቤተክርስትያን እንከዕቢ ርኹስ መንፈስ ከኣ ከዕንዋ ይቃለስ። ቅንኢ ድያብሎስ ኣብቶም ኣባላታ ውድድር ሥልጥእንን ሃብትን ኣሕዲሩ ከዕኑ ይጋደል ምትእምማን ሓደ ክርስትያን ግን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን እዩ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም ቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሮም ነቲ ልሙድ ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎት ቅድሚ ምግላጾም ንቅድስት ልዊዛ ማሪላክ ዘኪሮም ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብቲ ንሶም ዝነብሩሉ ዘለው ገዛ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዘን ኣብ ኣገልግሎት ዘለዋ ደናግል ደቂ ፍቅሪ ዝሓለፋን ኣብ ጥሮታ ዝኣተዋ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ተዓቊበን ዘለዋን ብምዝካርምስጋናኦም ኣቅሪቦም። ብልማድ እዚ በዓል እዚ ዕለት 15 መጋቢት ከምዝዝከር ንሎምዘመን ግን ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ብምንባሩ ናብ ሎሚ ከምዝተሰጋገረ ብምዝኻኻር ስለ እተን ተኸተልቲ ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ዝኾነ ብቅድስት ልዊዛ ማሪላክ ዝተመስረታ ደናግል ከምዝጽልዩ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ሎሚ ዝኽሪ ቅድስት ልዊዛ ዘማሪላክ ነብዕል ኣሎና። ስለ ደናግል ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ዝኾና ደናግል ደቂ ፍቅሪ ነዚ ንዓና ዝከላኸል ማእከል ሓለዋ ጥዕና ካብ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ኣትሒዘን ዘካይዳ ኣብዚ መሕደር ኣጋይሽ ቅድስት ማርታ እውን ዘገልግላ ንጸሊ። እግዚአብሔር ነዘን ደናግል እዚኤን ይባርኽ።”

ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ግሐ 13.44 ኰይኑ ‘በታ እትስዕብ ሰንበት ከኣ ዳርጋ ዂላ እታ ኸተማ ቓል ኣምላኽ ክትሰምዕ ተኣከበት። ኣይሁድ ነቲ እኩብ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ቅንኣት መልኦም፡ እናተኸራኸሩን እናተጻረፉን ከኣ በቲ ጳውሎስ ዝበሎ ቓል ተኻትዑ። ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ተቢዖም ከምዚ በሉ፡ ቃል ኣምላኽ ቅድም ንኣኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ፡ ካብ ደፋእኩምዎን፡ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ከኣ፡ ብርእስኹም ካብ ፈረድኩምንከ፡ እግዚኣብሄር፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፡ ነህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣሎና። ኣህዛብ ከኣ እዚ ሰሚዖም ተሐጐሱ፡ ንቓል ኣምላኽ ድማ ኣመስገኑ። እቶም ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ ዘበሉ ዂላቶምውን ኣመኑ። ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኲላ እታ ሃገር በጽሔ’ ዝብል ነበረ ቅዱስነቶም ቀንዲ ስብከቶም ኣብዚ ተመስሪቶም እንከቅርቡ ብናይ ዕለቱ መኽፈቲ መዝሙረ ዳዊት እዮም ጀሚሮም።

“[ ኣብ ዝደግምናዮ መዝሙረ ዳዊት ‘እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ፣ የማነይቱን እቲ ቅዱስ ቅልጽሙን ስዒሮም እዮም እሞ፣ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፣ ጽድቁ አብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ’ 97/8.1-2 ደጊምና። እዚ ሓቂ እዩ። ጐይታ ተአምር ጌሩ። እንተኾነ ነዚ ተኣምር ክትርኢ ክንደይ ድኻም ክንደይ ጻዕሪ ከምዘድሊ ከኣ ፍሉጥ እዩ። ክንበብ ኣብ ዝሰማዕናዮ መጽሓፈ ግብረ ሐዋርያ ከተማ ኣንጾክያ ቃል ኣምላኽ ብምስማዕ ሓዋርያት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ እንክሰብኩ መንፈስ ቅዱስ ብኩሉ መዳይ ክሕግዞም እንከሎ ክንደይ ሓጐስ ክንደይ ዓወደት ከምዝረኸቡ ሰሚዕና። ኣብዚ እንዕዘቦ ነገር እንተሃልዩ በቲ ሓደ ወገን ጐይታ ብመንፈስ ቅዱሱ ጌሩ ቤተክርስትያኑ ንክዕቢ ክሕግዝ ንርኢ። እንተኾነ በቲ ካልእ ወገን እቲ ርኹስ መንፈስ ንቤተክርስትያን ከዕኑ ይቃለስ። ወትሩ ከምኡ እዩ። ንቅድሚ ትግስግስ እንተኾነ እቲ ጸላኢ ይመጽእ እሞ ከዕንወካ ይቃለስ። ሽሕ’ኳ ኣብ መወዳእታ እቲ ዓወት ኣዎንታውን ናይ ሠናይ ነገርን እንትኾነ ብዙሕ መሥዋዕትነት ብዙሕ ጻዕርን ድኻምን ወረ ክሳብ ብሰማዕትነት ደምካ ኣብ ምፍሳስ የብጽሕ። እዚ ጸገም እዚ ኣብዛ ሓዋርያት ዝሰበኹላ ኣንጾክያ ተፈጺሙ። ንኣብነት ሊስጦርያ ምስ ኣተወ ሓዋርያት ወንጌል ምስ ሰበኹ ሕሙማቶም ምስ ኣሕወዩ ከም ኣማልኽቲ ብምግማት መስዋዕቲ ከቅሩቡሎም ተደናዲኖም። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ካልኦት እኩያት መጺኦም ብዳርባ እምኒ ክቀትልዎም ክደናደኑ ቅዱስ ጳውሎስ ኣደዳ ናይዚ ከምዝኽዕነ ግሐ 14.19 ይትርኽ። ወትሩ ቃልሲ እዩ። ቀቅድሚ እዛ ሎሚ ዘንበብናይ ክፍሊ ኣብ ግሐ 13.6 ዘሎ እንተተመልከትና እቲ ጠንቋላይ ኤሊማስ እቲ ወንጌል ናብቲ ገዛኢ እቲ ቦታ ንከይበጽሕ ክሳብ ክንደይ ዕንቅፋትን ተንኰልን ከምዝፈሓሰ ንምልከት። ከምኡ ጐይቶት እታ መጻኢ ብምጥንቋል ዘይተኣደነ ገንዘብ ተክስቦም ዝነበረት ባርያ ንክርስቶስ ከይትቅበል ሓራ ከይትኸውን ዝገበርዎ ቃልሲ ምዕዛብ ይኣክል። እታ ቀዳመይቲ ተግባር ናይዞም ብገንዘብ ዝዓወሩ ኣረሜን ተግባር ተጻይ ሓዋርያት ምልዕዓላት ብምግባር ተቀባልነት ከይዘረኽቡን ከምዝስጐጉን ምግባር እዩ። እዚ ብቅደም ሰዓብ ኣብ ኩሉ ስብከተ ወንጌል ክሳብ ሎሚ ከምኡ ይቅጽል ኣሎ። ንብሥራት ስብከተ ወንጌል ንምዕናው ዲያብሎስ ዝጥቀመሉ ሜላ ኣየናይ ኮን ይኸውን! እንተበልና ቅንእን ሕስድናን እዩ። መጽሓፈ ጥበብ ሰሎሞን ‘ሞት ግና ብቅንኣት ሰይጣን እያ ናብ ዓለም ዝኣተወት’ (2,24) ይብል። ኣብዚ እነሀ ቅንእን ሕስድናን። እዚ ስምዒት እዚ ወትሩ መሪር እዩ። ኣብ ግብረ ሓዋርያት ዝተዓዘብናዮም በዚ ዝተለኽፉ ሰባት ከኣ ወንጌል ብዓወት ክስበኽ ምስ ረኣዩ ይሓርቁ ኣስናኖም ይሕርቅሙ። እዚ ቊጥዓ እዚ ቊጥዓ ዲያብሎስ ኰይኑ የዕኑ! ይሰቅል ከምቲ ናይ ኢየሱስ የግርፍ። ነዚ ቃልስን ገድልን እንክዕዘብ ወትሩ ይቑጣዕ። ከምቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ‘ቤተክርስትያን ብምጽንናዕ እግዚአብሔርን ስደት ዓለምን ወትሩ ንቅድሚት ትግስግስ’ (ከተማ እግዚአብሔር 18.52) ዝብሎ እዩ ነገሩ። ጸገም ዘይብላ ስደት ዘይብላ ቤተክርስትያን ገለ ነገር ጐዲልዋ ከምዘሎ ክትርዳእ የድሊ። እዚ ከኣ ዲያብሎስ ቀሲኑ ኣሎ ማለት እዩ። ዲያብሎስ እንተቀሲኑ ከኣ ኩሉ ጽቡቕ ይኸደሉ ኣሎ ማለት እዩ። ከመይ ንሱ ወትሩ ቅንእን ሕስድናን ተጐልቢቡ ክፍትን ከጋድል እዩ ንብረቱ። ቅንእኸስ የዕኑ። ንቤተክርስትያን ውህደት ዝህባ መንፈስ ቅዱስ እዩ እቲ ክፉእ መንፈስ ግን የዕንዋ። እዚ ክሳብ ሎሚ ከምኡ እዩ ዘሎ። ስለዚኸስ ወትሩ ቃልሲ እዩ። ሓደ መጋበሪ ናይዚ ቅንእን ሕስድናን ግዝያዊ ሥልጥእን እዩ። ኣብ ግሐ 13.50 ‘ኣይሁድ ግና ነተን እግዚኣብሄር ዚፈርሃ ሕፉራት ኣንስትን ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣነዐብዎም። ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስን ድማ ስደት ኣለዐሉ፡ ካብ ወሰን ሃገሮምውን ሰጐጒዎም’ ይብል። ናብዘን ኣንስቲ ከይዶም ‘እዘን ኣንስቲ እዚአን መናዕብቲ እየን ስጐጒወን’ ኢሎም። እተን ኣንስቲ ምስተን ካልኦት ኣንስቲ ተዘራረባ ኣባረርወን ድማ። ናብቲ ግዝያዊ በዓል ሥልጣን ይኸዱ ምናልባት ገገሊኡ ግዝያዊ ሥልጣን ጥዑይ ክኸውን ይኽእል እቶም ሰበሥልጣን እውን ጥዑያት ክኾኑ ይኽእሉ እንተ እቲ ሥልጣን ብዓንዱ ርእሱ ግን ሓደገኛ እዩ። ሥልጣን እዚ ምድሪ እዚ ወትሩ ተጻይ ሥልጣን እግዚአብሔር ምስ ተንቀሳቀሰ እዩ። ምስ ሥልጣን ዓለም ወትሩ ገንዘብ ኣሎ። እዚ ጸገም እዚ ነዛ ኣብ ምጅማር ዘላ ቤተክርስትያን እውን የጋጥማ። መንፈስ ቅዱስ ቤተክርስትያን ኪሃንጽ ውህደት ኪፈጥር እንክሠርሕ እቲ ርኹስ መንፈስ ግን ከዕንዋ ይቃለስ ንቤተክርስትያን ንክዕንቅጽ እውን ናብ ግዝያዊ ሥልጣን ይጐዪ። እቲ ኣብ ጽባሕ ትንሣኤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘጋጠመ እውን ናይዚ ምዕባለ እዩ፣ ከመይ እቶም ዓወት ኢየሱስ ዝረኣዩ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ወተሃደራት ናብ ሊቃነ ካህናት ከይዶም ነቲ ዝኾነ ሓቂ ነገርዎም። ወዮም ካህናት ከኣ ብጉቦ ወዲ ጉቦ ነታ ሓቂ ቀበርዋ ገንዘብ ሂቦም ደቂስና እንከሎና ሰሪቆሞ በሉ ኢሎምዎም። በዚኸስ ብጊሓቱ ንትንሣኤ ክርስቶስ ንቃሉ ንሱቅ ንከብሉ ናብ ግዝያዊ ሥልጣን ከይዶም ብገንዘብ ተዓወቱ። ስለዚኸስ ኣብ ስብከተ ወንጌል እንክንወፍር እምንቶና ኣብ ግዝያዊ ሥልጣንን ገንዘብን ከይንገብር ዓቢ ጥንቃቀ የድልየና። ክርስትያን ዘቦኡ ክተኣማመነሉ ዘለዎ ብኢየሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ቅዱስን ይኹን። እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝልእኮ መንፈስ ቅዱስ እዩ መባዂዕቲ ስብከተ ወንጌል ኰይኑ ንቤተ ክርስትያን ዘዕቢ ሓይሊ። እወ ብርግጽ ቤተክርስትያን ብሰላምን ዕጋበትን ታሕጓስን ንቅድሚ እትግስግሰሉ ኣብ መንጎ ምጽንናዕ እግዚኣአብሔርን ስደት ዓለምን ኰይና እያ። ]  ”

ብድምጺ ንምክትታል!
09 May 2020, 14:11
ንኩሉ ኣንብብ >