ጐይታ ካብዞም ኣንጸልላዮማና ዘለው ለበዳታት ከናግፈና ከም ኣሕዋት ብሓባር ንማህለል! ር.ሊ.ጳ.

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሎሚ ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓም በዓለ ቅዱስ ማትያስ ሓዋርያ ዘኪራ እንክትውዕል ምስቲ ካብ ነዊሕ እዋን ዝተቈጽረ ብኮሚቴ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ናይ ሓባር ጸሎትን ጾምን ግብረሠናይን ዕለት ወሲኽኻ ካብዚ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ለበዳታት ኩሉ ከናግፈና ናብ ጐይታ ክንምህለል ከምዚ ክብሉ ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎቶም ቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሮም ገሊጾም...

ብቕንያቱ ክዝረበሉ ዝቀነየ ብሓባር ናይ ምጽላይን ሙጻምን ግብረሠናይ ምግባርን ዕለት ድሮ በጺሑስ ሎሚ ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይ ንግሆ ቅዳሴኦም ስለዚ ሓሳብ እዚ እንከቅርቡ ክንዮ ለበዳ ኮቪድ 19 ሕይወት ሚልዮናት ዝቀዝፉ ካልእ ለበዳታት ጥሜትን ውግእን ሥቃይ ሕጻናትን ስለዘለው ካብዚ ኩሉ ከናግፈና ንጐይታ ንማህለል ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሎሚ ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓም በዓለ ቅዱስ ማትያስ ሓዋርያ ዘኪራ እንክትውዕል ምስቲ ካብ ነዊሕ እዋን ዝተቈጽረ ብኮሚቴ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ናይ ሓባር ጸሎትን ጾምን ግብረሠናይን ዕለት ወሲኽኻ ካብዚ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ለበዳታት ኩሉ ከናግፈና ናብ ጐይታ ክንምህለል ከምዚ ክብሉ ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎቶም ቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሮም ገሊጾም።

ላዕለዋይ ኮሚተ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ሎሚ ዕለተ ጸሎትን ጾምን ግብረሠናይን ክትከውን እዚ ከኣ ምሕረትን ርሕራሔን እግዚአብሔር ኣብዚ ዘሕዝን ዘመነ ለበዳ ንምምህላል እየ። ኩልና ኣሕዋት ኢና። ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ኩልና ኣሕዋት ኢና ይብል ነበረ። ስለዚኸስ ደቂ ተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ናይ ነፍሲወከፍ ማሕበር እምነት ሎሚ ኣብ ጸሎትን ንስሓን ተጸሚድና ካብዚ ሕማም ለበዳ እንድሕነሉ ጸጋ ክዕድለና ንእግዚአብሔር ንለምን ኢሎም።

ዕለቱ ዕለተ ጸሎትን ጾምን ምህለላን ብምዃኑ ቅዱስነቶም ንሎሚ ከም ቀዳማይ ንባብ ዝመረጽዎ ትንቢት ዮናስ 3 ኰይኑ `ንዮናስ፣ ተንስእ፣ ናብ ነነዌ፣ ናብታ ዓባይ ከተማ፣ ኪድ፣ ኣነ ዝእዝዘካ ኣዋጅ ከኣ ኣውጀላ፣ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ካልኣይ ጊዜ መጾ። ዮናስ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ተንስኤ፣ ናብ ነነዌውን ከደ። ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ፣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ እያ። ዮናስ ናብታ ኸተማ ኺኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ፣ ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ፣ ኢሉ ኣወጀ። ሰብ ነነዌ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመኑ፣ ጾም ድማ ኣወጁ፣ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ናእሽቱኦምውን ክሻ ተኸድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉስ ነነዌ በጽሔ፣ ካብ ዝፋኑ ተንስኤ፣ ባርኖሱ ቐንጠጠ፣ ክሻ ተኸድነ፣ ኣብ ሓሙዅስቲ ድማ ተቐመጠ። ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉስን መኳንንቱን ከምዚ ዚብል ኣዋጅ ተኣወጀ፣ ሰብ ወይስ እንስሳ፣ መጓሰ ኸብቲ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዐማ፣ ኣይውፈራ፣ ማይውን ኣይስተያ፣ ሰብን እንስሳን ክሻ ይከደኑ፣ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገዱን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ። ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን፣ ንሕና ኸይንጠፍእ ከኣ ካብ ጕሁር ቍጥዓኡ እንተ ተመልሰን፣ መን ይፈልጥ∶ ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ፣ ግብሮም ረኣየ፣ ኣምላኽውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገብሮን ከኣ' ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ንኩነት ሕዝቢ ነነዌ ምስ ዘሎናዮ ኩነታት ብምንጽጻር ሕዝቢ ነነዌ ለበዳ ነሮም ናቶም ለበዳ ግን ለበዳ ሓጢኣት እዩ ዝነበረ ብሞራል ወዲቆም ሓጢኦም ሰኣን ዝነግሮም ዳርጋ ጠፊኦም ዝነበሩ ድሕሪ ብዙሕ ውረድ ደይብ ጐይታ ንዮናስ ካልኣይ ግዜ ምስ ለኣኸ እቲ መልእኽቲ በጺሑ ካብቲ ሞራላዊ ለበዳ ሕማም ደሓኑ እግዚአብሔር ከኣ ኣናገፎም ምስ በሉ ሎሚ እውን ብብዙሕ ለበዳታት ተኸቢብና እንትርፊ ካብ እግዚአብሔር ካልእ ረድኤት ስለዘብልና ንክንምህለል ከምዚ ክብሉ ዓዲሞም። 'ንሕና እውን ሎሚ ናይ ኩሉ ባህልታትን እምነታትን ተኸተልቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ነዛ ዕለተ ጾሎትን ጾምን ዕለተ ንስሓ ክትኮነና ብላዕለዋይ ኮሚቴ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ኣብ ዝተወሰነላ ዕለት ንማህለል። ነፍሲወከፍና ይጸሊ ማሕበራትና ይጸልዩ ኩሎም ማሕበራት እምነት ይጸልዩ ኩልና ኣሕዋት ብሓባር በታ እተታሓሕዘና ሓባራዊት ሕውነት ካብዚ ስቃይን ትራጀዲን ለበዳታት ከድሕነና ንማህለል` ኢሎም።

እዚ ለበዳ እዚ ኣብ ዘመንና ኣብዚ ግዜ እዚ ይወርድ ይኸውን ኢሉ ዝተጸበዮ ዝሓሰቦ ማንም የለን እንተኾነ እነሆ ወሪዱ ንርእዮ ኣሎና። ብዙሓት ይሞቱ ኣለው። እቲ ዝሓሰመ ከኣ ብዙሓት በይኖም ይሞቱ ኣለው ብዙሓት ምንም ክገብሩ ብዘይምኽኣሎም እናበኸዩ በይኖም ይሞቱ ኣለው። ምናልባት ገለ ጽልምት ዝበለ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ብዛዕባ ካልኦት ዝዓጠኒ ኣይኮነን ዝብል `ንዓይ ኣይተንከፈን እግዚአብሔር ይመስገን ካብዚ ድሒነ እየ` ኢሉ ወሰኑ ክሕዝ ዘይኮነ ብዛዕባ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ሕሰብ እብሎ። እቲ እዚ ለበዳ እዚ ዘስዕቦ ሓደጋ ክስቈረና ኣለዎ ቁጠባዊ ቅልውላው ከም ቀዳማይ ሳዕቤን ናይዚ ለበዳ ክንደይ የሳቂ ኣሎ። ኣብ ትምህርትን ኲስኰሳን ደቅና ክንደይ ጸገም ኣውሪዱ ኣሎ። ዝገደደ ከኣ ገና ክመጽእ ዘለዎ ጸገምን ጥሜትን ጭንቅን ዘፍርህ ምዃኑ ብሩህ እዩ። በዚ ከኣ ኢና ሎሚ ኩልና ኣሕዋትን ኣሓትን ዘመደ ኣዳም ናይ ኩሉ እምነታት ተኸተልቲ ብሓባር ንእግዚአብሔር ንማህለል።

ምናልባት ገለ ካባኹም እዚ ምስ ኩሎም ኣመንቲ ካልእ ሃይማኖታት ሓቢርካ ምጽላይ ንእምነትና ኣብ ተዛማዲ ሓቅነት ከትሕቶ ይኽእል ክብልይ ይኽእል። እንተኾነ እግዚኣብሔር ኣቦ ኩልና ምዃን ንኣምን እንተዀና ኩልና ብሓባር ናብኡ ዘይንምሕጸነሉ ምኽንያት ኣበይ ኣሎ። ስለዚኸስ ነፍሲወከፍ ከምቲ ዝፈልጦን ከምቲ ዝርድኦን ከምቲ ዝኽእሎን ገሩ ከከም እምነቱን ባህሉን ይጸሊ። ኣብዚ ጸሎት እዚ ተጻይ ነንሕድሕድና ኣይኮነን ንጽሊ ዘሎና። ኩልና ደቂ ዘመደ ኣዳም ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና። በዚ ከኣ ናብቲ ኣቦናን ፈጣሪናን ዝኾነ እግዚአብሔ ር በብእምነትናን ከከም ባህልና ንምህለል ኣሎና። ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና ንምህለል ዘሎና። እዚ ኣድላዪ እዩ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን እንክንጽሊ እንክንጸውም ንዝፈጸምናዮ በደልን ሓጢኣትን ምሕረት እንክንልምን ጐይታ ነዚ ለበዳ እዚ ክኣልየልና ናብኡ እንከንእዊ ዓቢ ነገር እዩ።

እዚ ለበዳ እዚ ከም ማይ ኣይሂ ኣብ ዘይሓሰብናዮ ግዜ እዩ ሓደ ወዲቁና። ሕጂ ቁሩብ ንበራበር ንመስል ኣሎና። ክንዮ እዚ ለበድ እዚ ካልእ ለበዳታት ንዓለምና የንቀጥቅጣ ኣሎ። ንሕና ዘይነስተውዕለሎም ዕለት ዕለት ዝሞቱ ቆጺርካ ዘይውድኡ ኩነታት ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለምና ይወርዱ ኣለው። ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ማለት ካብ ወርሒ ጥሪ 2020 ዓም ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ልዕሊ 3 ሚልዮንን 700 ሺሕን ዝኽዕኑ ሰባት ብጥሜት መይቶም። ሕሰብዎ እሞ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ከባቢ ኣርባዕተ ሚልዮን ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥሩ ሰባት ብጥሜት እንኪሃልቁ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ጸሎትከስ ጐይታ ነዚ ኩሉ ለበዳታት ክቅንጥጠልና ንምምህላል እዩ።

ካልእ ለበዳታት ክንዮ ለበዳ ኮቪድ 19 እውን ኣለው። ለበዳ ጥቤት ለበዳ ውግእን ወዘተ። እቲ ቀንዲ ጉዳይና ሎሚኸስ ላዕለዋይ ኮሜቴ ሕወነት ዘመደ ኣዳም ምስጋና ይብጽሓዮ ኩልና በብእምነትናን ባህልናን ከም ሰብ ነነዌ ብሓጢኣትና ተጸጺትና ንስሓ ክንኣቱ ክንጸውም ክንምህለል ነንሕድሕድና ክንተሓጋገዝ ተዓዲምና ኣሎና። ከምቲ ሰብ ነነዌ እንተተመሰለልና ብዚዓይነቱ ብምሉእ ልቦም ምስ ተጸጸቱን ምስ ጾሙን ትሕት ምስ በሉን ነቲ መዓት ዝቀንጠጠሎም ጐይታ ሎሚ ኣውን ንዓና ጸሎትናን ንስሓናን ምህለላናን ተቀቢሉ ነዚ ወሪዱና ዘሎ መዓት ይቀንጥጠልና። እግዚአብሔር ንኩልና ይባርኽ ይራሕርሓልናን ይምሓረናን እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ጐይታ ካብዞም ኣንጸልላዮማና ዘለው ለበዳታት ከናግፈና ከም ኣሕዋት ብሓባር ንማህለል! ር.ሊ.ጳ.
14 May 2020, 16:18
ንኩሉ ኣንብብ >