ድለ

ጐይታ ብሓቁን ብተስፋኡን እናኣሰነየ ከጸናንዓና ነፍቅደሉ! ር.ሊ.ጳ ጐይታ ብሓቁን ብተስፋኡን እናኣሰነየ ከጸናንዓና ነፍቅደሉ! ር.ሊ.ጳ 

ጐይታ ብሓቁን ብተስፋኡን እናኣሰነየ ከጸናንዓና ነፍቅደሉ! ር.ሊ.ጳ

ጐይታ ንሓዋርያቱ ከጸናንዕ ንዕዘብ ብከመይ ዝበለ መንገዲ ከምዘጸናንዖም እውን ንመሃር። ንሕና ብዙሕ ኣገባብ ምጽንናዕ ኣሎና። ከም ኣብነት ከኣ ካብቲ ተሰሚዑካ ብመንፈስን ብኣካልን ተሳታፊ ጸግም ኰንካ ዝግበር ምጽንናዕ ክሳብ ናይ ቃል ዓለም ጽንዓት ይሃብኩም ክሳብ ብተለግራም ዝለኣኽ ሓጺር ናይ ምጽንናዕ መልእኽታት ኣሎና። ዘገርም እዩ መሪር ሓዘና ንገልጽ ኣብ ጐድኑኹም ኣሎና ወዘተ እናበልካ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝበሃልን ዝጸሓፍን መልእክታት ንማንም ኣየጸናንዕን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 8 ግንቦት 2020 ዓም ዓለምለኸ ዕለተ ቀይሕ መስቀልን ቀያሕ ወርሕን ብምዝካር ነቶም ኣብዘን ትካላት ዘገልግሉ ጐይታ ክባርኽ ጸልዮም። ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ከኣ ነቲ ሓቅን መንገድን ሕይወትን ኣነ እየ ዝብል ቃል ጐይታ መሠረት ብምግባር ጐይታ በዚኤን ኣሰንዩ ከጸናንዓና ነፍቅደሉ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ሎሚ ዕለት 8 ግንቦት 2020ዓም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ዓለምለኸ ዕለት በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ዘፖምፐይ እውን ምዃኑ ዝዝከር ኰይኑ ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎት ቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሮም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ሎሚ ዓለም ለኸ ዕለተ ቀይሕ መስቀልን ቀያሕ ወርሕን ንዝክር ኣሎና። ስለ ኣብዘን ናይ ግብረሠናይ ትካላት ዘገልግሉ ጐይታ ነቲ ንኩልና ግብረ ሠናይ ዝኾነ ሥራሖም ክባርኽ ንጸሊ ኢሎም።

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ዮሐ 14.1 ዝተወስደ ኰይኑ 'ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ' ዝብል ይርከቦ።

ቅዱስነቶም ነዚ ኣብ መንጎ ኢየሱስን ሓዋርያትን ዝተገብረ ዘተ መበገሲ ብምግባር እዚ ከኣ ድሕሪ ድራር ጸሎተ ሓሙስ ኢየሱስ ብዓቢ ሓዘን ሓደ ካብ ሓዋርያቱ ኣሕሊፉ ከምዝህቦ ምስ ነገሮም ሓዋርያት ብጣዕሚ ምስ ሓዘኑን ቃዘኑን ጐይታ ምልስ ኢሉ ከጸናንዖም ዝጀመሩሉ ታሪኽ ዝገልጽ እዩ። ጐይታ ንሓዋርያቱ ከጸናንዕ ንዕዘብ ብከመይ ዝበለ መንገዲ ከምዘጸናንዖም እውን ንመሃር። ንሕና ብዙሕ ኣገባብ ምጽንናዕ ኣሎና። ከም ኣብነት ከኣ ካብቲ ተሰሚዑካ ብመንፈስን ብኣካልን ተሳታፊ ጸግም ኰንካ ዝግበር ምጽንናዕ ክሳብ ናይ ቃል ዓለም ጽንዓት ይሃብኩም ክሳብ ብተለግራም ዝለኣኽ ሓጺር ናይ ምጽንናዕ መልእኽታት ኣሎና። ዘገርም እዩ መሪር ሓዘና ንገልጽ ኣብ ጐድኑኹም ኣሎና ወዘተ እናበልካ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝበሃልን ዝጸሓፍን መልእክታት ንማንም ኣየጸናንዕን።

እሞኸ ደኣ ጐይታ ከመይ ገሩ እዩ ንሕዝቡ ዘጸናንዕ እንተበልና ኣብዚ ክፍሊ ወንጌል ተገሊጹ ንረኽቦ። ንሱ ብቀዳምነት ብቀረባ ብኣካል ኣብ ጐድኖም ኰይኑ ብሓቅን ተስፋ ብምሃብን የጸናንዖም። ስለዚ ንሕና እውን እንተደኣ ብሓቂ ክነጸናንዕ ኰና ነዘን ሠለስተ ነገራት ክነስተውዕል ይግባእ። ቅርበትና ብሓቂ ይኹን ክንርሕቅ የብልናን ብኣካል ብሓቂ ኣብ ጐድኒ ክንህሉ ጐይታ ምስኦም ኰይኑ እዩ ኣነ ምሳኹም ኣሎኹ ዝብሎም ምሳና እውን ብዘይ ምንም ረኣዩለይ ስምዑለይ ወትሩ ከምዘሎ ንዘክር ምሥጢረ ሥጋዌ ነዚ እዩ ዝገልጸልና ምሳና ንዘለዓለም ክህሉ ከማና ሰብ ኮነ። ብሓቂ ኣብ ጐድኒ እንተሎና ኣብ ጥቃ እቲሰብ እንተሎና ከምዚ ናይ ኢየሱስ ብዙሕ ዘረባ ኣይደልን ብጸጥታ ምስናይ እዩ። እታ ካልኣይቲ ሓቂ ትብል ኰይና ጐይታ ብሓቂ እዩ ዘጸናንዕ ንቃልዓለም ንከምስል ኣይኮነን። እንተ ናትና ኣጆኻ ኩሉ ኪሓልፍ እዩ ኣብ ጐድንኻ ኣሎና ንብል ክሳብ ክንደይ ሓቂ ይኸውን። ጐይታ ግን ሓቂ ብርእሳ ብምዃኑ ዝብሎ ዘሎ ብሓቂ እዩ። እታ ሓቂ ከኣ ተጒ የብላ። ክኸይድ እየ ክመውት እየ እንተኾነ ክምለሰኩም እየ ይብሎም። ነታ ሓቂ ኣይሓብኣን።

እታ ሳልሰይቲ ከኣ ተስፋ ኰይና ኢየሱስ ከምዚ ይብሎም 'ርግጽ እዩ ኩነቱ ከቢድ ዘሕዝን እዩ ግን ኣጆኹም ልብኹም ኣይሸበር ብኣይ እመኑ' ምስ በሎም እንታይ ከምዝገብር ከኣ 'ከይደ ስፍራ ምስ ኣሰናዶኹልኩም ኣብቲ ኣነ ዘሎኹዎ ክትህልው ተመሊሰ ክወስደኩም እየ' ክብል ዓቢ ተስፋ ይህቦም። ነዚ ከኣ ክሳብ ሎሚ ነፍሲወከፍና ካብዚ ዓለም እዚ እንክንሰናበት ይገብሮ ኣሎ። ተመሊሰ ክወስደኩም እየ ስለዝበለና ቃሉ ከኣ እሙን ስለዝኾነ ወትሩ ይምለስ። በዚኸስ ከምቲ ንሕና ንገብሮ ጸገም የለን ኣጆኹም ምንም ኣይመጽእን እዩ እናበልካ ዝሓዝካ ዘይብልካ ናይ ሓሶት ተስፋ ከም እትህቦ ኣይኮነን። ኩነታቱ ከቢድ ሓደጋ ሞት ዘንጸላለዎ ምዃኑ ኣግሂዱ ሓቁ ነጊሩ ኣብ ጐድኖም ኰይኑ ብተስፋ የጸናንዖም። ነዚ ናይ ጐይታ ምጽንናዕ ሃንጐፋይ ኢልና ክንቀበሎ እኳ ዝግባእ እንተኾነ ቀሊል ከምዘይኮነ ዘይሓብኡ ቅዱስነቶም ብዙሕ ግዜ ብርቱዕ ሓዘን እንከጋጥመና በቲ ወሰን ዘይብሉ ርሕራሔኡን ጣዕሙን ከጸናንዓና ኣይነፍቅድን እንተንሱ ብለውሃትን ትሕትናን ብሓቅን ብተስፋን ከጸናንዓን ፍቃድና ይጽበ። ጐይታ ነዚ ጸጋ እዚ ክህበና ነቲ ዘየደናግር ሓቀኛ ምጽንናዕ ጐይታ ንክንቅበል ፍቃደኛታት ንምዃን እንመሃረሉ ጸጋ ክህበና ንለምኖ። ምናልባት እዚ ርሑቅን ንክትቀስን ዝመሃዝን ከይመስለና ጐይታ ቀረባና እዩ ሓቀኛ ብምዃኑ ከኣ ናይ ተስፋ መዓጹ የርሕወልና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ጐይታ ብሓቁን ብተስፋኡን እናኣሰነየ ከጸናንዓና ነፍቅደሉ! ር.ሊ.ጳ
08 May 2020, 17:30
ንኩሉ ኣንብብ >