ማንም ሰብ ሥራሕን ክብረትን ፍትሓዊ ደሞዝን ክጐድሎ የብሉን! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ዓለም ናይ ሠራሕተኛታ እያ ዝብል ዘመን ኣብ ዝተጐሃሃረሉ እዋን ቤተክርስትያን ቀዳመይቲ ተጣባቂት ሠራሕተኛታት ምዃና ብምግላጽ ቅዱስ ዮሴፍ ጠበቃኹም ኢላ ምስ ኩሎም ሠራሕተኛታት ዓለም ንእተብዕሎ በዓል ባሕቲ ግንቦት ብምዝካር ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት 1.26 ዝተወስደ 'ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ' ዝብል ዝርከቦ እግዚአብሔር ነቲ ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ዝፈጠሮ ሰብ ሓላፍነት ናይቲ ንሱ ዝጀመሮ ፍጥረት ሂቡ ብሥራሕ ነቲ ናይ ምፍጣር ሥራሑ ክቅጽል እሞ ምሳኡ ተሓባባሪ ኰይኑ ንዓለምና ክዓያን ክሕልዋን ሓላፍነት ኣልቢስዎ። ቅዱስነቶም ነዚ እንክገልጹ ዕብየት ፍቅሪ እግዚአብሔር ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ኣብ ምፍጣር ዘመደ ኣዳም ጥራይ ከይተሓጽረ በቲ መቀጸልታ ፍጥረት ዝኾነ ሥራሕ እውን ንእግዚአብሔር ክመስል ምፍቃዱ በዚ ከኣ ሥራሕ ክብረት ወዲሰብ ምዃኑ እንተኾነ እዚ ክብረት እዚ ብብዙሕ መንገዲ ክገሃስን ክርግጸን ክሳብ ንክቡር ወዲሰብ ከም ኣቅሓን ባርያን ኣውሪዱ ግዱድ ሥራሕስ ምዝመዛ ደቂሰባት ክሳብ ንሰብ ከም ኣቅሓ ኣብ ምሻጥን ምልዋጥን ኣውሪድዎ ይርከብ። ናብ ካልኦት ከየመልከትና ኣብ ዕለታዊ ናብራና ሎሚ ከም ሎሚ እውን ንብዙሕ ናይ ሥራሕ ሰዓታት ዝተሓተ ደሞዝ ብምኽፋልስ ይኹን ኣብ ገዛውትና እነሸቅለንን እነሸቅሎምን ከዳሞ ዝግበር ዓመጽ ኩሉ ነዚ ክብሪ እዚ ምርጋጽ እዩ። ሎሚ እምበኣርከስ ምስ ኣመንትስ ይኹን ዘይአመንቲ ናይ መላእ ዓለም ሠራሕተኛታት ንሕበር እሞ እዛ ዕለት እዚኣ ነቶም ኣብ ሥራሕ ፍትሒ ክረኽቡ ንዝቃለሱ ትኹን። ምስዚ ንፉዓትን ቅኑዓትን ወሃብቲ ሥራሕ ከምዘለው እውን ክንዝንግዕ የብልናን እዞም ማንም ሠራሕተኛ ክሰጒ ሕልናኦም ዘይገብረሎም ንሠራሕተኛታ ከም ቅዱስ ዮሴፍ ኰይኖም ልዕሊ ደቆም ዝምልከቱ እውን ክነመስግኖም ይግባእ ኢሎም። ቅዱስ ዮሴፍ ክብረት ዘለዎ ሥራሕ ንምርካብ የኽእለና ንኩልና ሥራሕ ሃልዩና ክብረት ዘለዎን ንነፍሲወከፍን ዝኸውን ሥራሕ ንምርካብ ይሓግዘና እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቀሪቦም።