ማንም ሰብ ሥራሕን ክብረትን ፍትሓዊ ደሞዝን ክጐድሎ የብሉን! ር.ሊ.ጳ

ብመይደይ ዝፍለጥ ቤተክርስትያን ከኣ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ሠራሕተኛን ጠበቃ ሠራሕተኛታትን ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት 1 ግንቦት 2020 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ስለ ኩሎም ሠራሕተኛታት ዓለምና ኣብ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ፍትሓዊ ክፍሊትን ክብረት ዘለዎ ሥራሕን ንክህልዎም ጸልዮም። ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ከኣ ሥራሕ ክብረት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ሥራሕ ፈጣሪ ምቅጻል ምዃኑ እውን ክንግንዘብ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን

ዓለም ናይ ሠራሕተኛታ እያ ዝብል ዘመን ኣብ ዝተጐሃሃረሉ እዋን ቤተክርስትያን ቀዳመይቲ ተጣባቂት ሠራሕተኛታት ምዃና ብምግላጽ ቅዱስ ዮሴፍ ጠበቃኹም ኢላ ምስ ኩሎም ሠራሕተኛታት ዓለም ንእተብዕሎ በዓል ባሕቲ ግንቦት ብምዝካር ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ሎሚ በዓለ ቅዱስ ዮሴፍ ሠራሕተኛን በዓል ሠራሕተኛታትን ስለዝኾነ ስለ ኩሎም ሠራሕተኛታት ንጸሊ። ስለ ኩሎም ንጸሊ። ማንም ካብዚኦም ሥራሕን ክብረትን ፍትሓዊ ደሞዝን ከይጐድሎም ከምኡ እውን ኣድላዪ ዕረፍቲ ረኺቦም ደስ ኢልዎም ከዕርፉ ንጸሊ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት 1.26 ዝተወስደ 'ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ' ዝብል ዝርከቦ እግዚአብሔር ነቲ ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ዝፈጠሮ ሰብ ሓላፍነት ናይቲ ንሱ ዝጀመሮ ፍጥረት ሂቡ ብሥራሕ ነቲ ናይ ምፍጣር ሥራሑ ክቅጽል እሞ ምሳኡ ተሓባባሪ ኰይኑ ንዓለምና ክዓያን ክሕልዋን ሓላፍነት ኣልቢስዎ። ቅዱስነቶም ነዚ እንክገልጹ ዕብየት ፍቅሪ እግዚአብሔር ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ኣብ ምፍጣር ዘመደ ኣዳም ጥራይ ከይተሓጽረ በቲ መቀጸልታ ፍጥረት ዝኾነ ሥራሕ እውን ንእግዚአብሔር ክመስል ምፍቃዱ በዚ ከኣ ሥራሕ ክብረት ወዲሰብ ምዃኑ እንተኾነ እዚ ክብረት እዚ ብብዙሕ መንገዲ ክገሃስን ክርግጸን ክሳብ ንክቡር ወዲሰብ ከም ኣቅሓን ባርያን ኣውሪዱ ግዱድ ሥራሕስ ምዝመዛ ደቂሰባት ክሳብ ንሰብ ከም ኣቅሓ ኣብ ምሻጥን ምልዋጥን ኣውሪድዎ ይርከብ። ናብ ካልኦት ከየመልከትና ኣብ ዕለታዊ ናብራና ሎሚ ከም ሎሚ እውን ንብዙሕ ናይ ሥራሕ ሰዓታት ዝተሓተ ደሞዝ ብምኽፋልስ ይኹን ኣብ ገዛውትና እነሸቅለንን እነሸቅሎምን ከዳሞ ዝግበር ዓመጽ ኩሉ ነዚ ክብሪ እዚ ምርጋጽ እዩ። ሎሚ እምበኣርከስ ምስ ኣመንትስ ይኹን ዘይአመንቲ ናይ መላእ ዓለም ሠራሕተኛታት ንሕበር እሞ እዛ ዕለት እዚኣ ነቶም ኣብ ሥራሕ ፍትሒ ክረኽቡ ንዝቃለሱ ትኹን። ምስዚ ንፉዓትን ቅኑዓትን ወሃብቲ ሥራሕ ከምዘለው እውን ክንዝንግዕ የብልናን እዞም ማንም ሠራሕተኛ ክሰጒ ሕልናኦም ዘይገብረሎም ንሠራሕተኛታ ከም ቅዱስ ዮሴፍ ኰይኖም ልዕሊ ደቆም ዝምልከቱ እውን ክነመስግኖም ይግባእ ኢሎም። ቅዱስ ዮሴፍ ክብረት ዘለዎ ሥራሕ ንምርካብ የኽእለና ንኩልና ሥራሕ ሃልዩና ክብረት ዘለዎን ንነፍሲወከፍን ዝኸውን ሥራሕ ንምርካብ ይሓግዘና እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቀሪቦም።

“ቅዱስ መጽሕፍ ኣምላኽ ፈጠረ ክብል እንከሎ ፈጣሪ ምዃኑ ይገልጸልና። ንምድሪ ፈጠረ ንሰብ እውን ፈጠረ እሞ ተልእኮ ሃቦ ንምድሪ ከማሓድራ ክሰርሕ ነቲ ሥራሕ ፍጥረት ክቅጽል ሓደራ በሎ። ሥራሕ እትብል ቃል እግዚአብሔር ንኩሉ ክፈጥር እንከሎ ዝተጠቅማ ዓንቀጽ ኰይና ዘፍጥ 2.2 'ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ፡ ብሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ግብሩ ዐረፈ' እንክብል ሥራሕ ማለት ምፍጣር ምዃኑ ይገልጾ። `ነዚ ሥራሕ እዚ ንክቅጽሎ ከኣ ነቦና ኣዳም 'ንስኻ ነዝን እዝን ክትገብር ኣሎካ ምሳይ ሓቢርካ ንምፍጣር ሥራሕ ዳርጋ እነሆ ነዛ ዓለም ኣረክበካ ኣሎኹ ንቅድሚት ከም እትቅጽል ግበር` ዝብሎ እንክጥዕም ኣብ ዘፍ 2.15-20 ብዝርዝር ክገብሮ ዘለዎ ይገልጸሉ። በዚኸስ ሥራሕ እንትርፊ ፍጥረት ኣምላኽ ምቅጻል ካልእ ከምዘይኮነ ንግንዘብ። ሥራሕከስ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበና ጸዋዕታ ንፍጽምና ዓለምና እዩ። ሥራሕ ንወዲሰብ ንእግዚአብሔር ከምዝመስል ዝገብሮ እዩ። ወዲሰብ ንእግዚአብሔር ስለዝመስል ብዙሕ ነገራት ይፈጥር ሥራሕ ይፈጥር ሥድራቤት ይፈጥር ዓለም ንቅድሚት ከም እትቅጽል ከኣ ይገብር። እዚ ዓቢ ጸዋዕታ እዩ። በዚ ከኣ እዩ ቀዳማይ ምዕራፍ ፍጥረት ኣብ ምዝዛሙ እግዚአብሔር ኩሉ ጽቡዕቅ እኳ ደኣ ብጣዕሚ ጽቡቅ ምዃኑ ረኣየ ዝብለና (ዘፍ 1,31)። እዚ ማለት እቲ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ መንፈስ ሥራሕ ብጣዕቢ ጽቡቅ ምዃኑ ውሕደት ከምዝፈጥር ጽባቄን ሕያውነትን ከምዝፈጥር እንከመልክት እዚ ከኣ ወዲሰብ ብምሉኡ ብሓሳቡ ብጉልበቱ ብተግባሩ ብኩሉ ኩሉ ክሠርሕ ከምዘለዎ የመልክት። ሥራሕ ክብረት ወዲሰብ እዩ። ንእግዚአብሔር ዘምስሎ ክብረት። ሥራሕ ክብረት እዩ። ሓደ ግዜ ኣብ ናይ ግብረሠናይ ወይውን ካሪታስ ማእከል ንሓደ ሥራሕ ዘይነበሮ ሰብ ንሥድራኡ ዝብላዕ ክደሊ ይረኽቦ እሞ ሓደ ሠራሕተኛ ናይቲ ግብረ ሠናይ `እንተወሓደ ንገዛኻ እንጌራ ደሊካ እንክትምለስ ሥራሕ እዩ' ምስ በሎ እቲ ከኣ 'ንዓይሲ እዚ እኹል ኣይኮነን፣ ነቲ ኣብ ገዛ ሒዘዮ ዚኣቱ እንጌራ ርሂጸ ክረኽቦ እደሊ ኢልዎ`። በዚ ከኣ ክብረት ናይ ሥራሕ ክብረት ርሂጽካ መግቢ ዕለትካ ናይ ምርካብ ከዝጐደሎ ገሊጹሉ። ብዘሕዝን መልክዑ ሎሚ እዚ ክብረት እዚ እዩ ተረጊጹ ዘሎ። ኣብ ታሪኽ ሕሱም ዘመነ ባርነት ካብ ኣፍሪቃ ንኣመሪካ ክጓረቱ ወዘተ። ሎሚ እውን እንተኾነ ብዙሓት ባሮት ዘመንና ኣለው ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ሥራሕ ክብረትን ሓርነትን ዘይረኸቡ ምስ ጨነቆም ኣብ ምዝመዛ መጸይቲ ደቂ ሰባት ዝኾኑ ዝኸምኦም ሰባት ዝወደቁ ግዱድ ሥራሕ ዘይፍትሓዊ ደሞዝ ቈጺርካ ኣይውድኡን። ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣንቢብኩሞ ትኾነ ኣብ ጋዜጣ ዝተጻሕፈ ሓደ ወሃብ ሥራሕ ኣብ ኣህጉር ኤስያ ንሠራሕተኛኡ ብከመይ ዝበለ ጭካነ ገሪፉ ከምዝቀተሎ ዝገልጽ ወጺኡ ነሩ። እዚ ሠራሕተኛ ምሉእ መዓልቲ ሠርሑ ሓምሳ ሳንቲም እዩ ዝቅበል ነሩ ሓንቲ ንእሽቶ ጉድለት ምስ ተረኽበቶ ከኣ ሕይወቱ ስኢኑ። ክብረት ሥራሕ ከምዚ ኢሉ ክዋረድ እንክትርኢ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ብዙሓት ምናልባት ኣነ ደሓን እየ ሠሪሔ እኣቱ ክትብሉ ትኽእሉ። ንስኻስ ወይውን ንስኽስ እወ ኰይኑ ግን ክንደይ ዕለታዊ ሠራሕተኛታት ውሱን ሥራሕ ዘይብሎም ምስ ጨነቆም ካብ 12 ክሳብ 14 ሰዓታት መዓልታዊ እናሠርሑ ዘይንቡር ሕይወት ዘሕልፉ ክንደይ ሠራሕተኛታት ገዛ ኣብ ዘብልዎ ወይውን ዘብላኦ ጠፊእወን ደም እናነብዑን እናነብዓን ዝነበሩ ሎሚ ኣብዚ ምዕቡል ዓለም እውን ከይተረፈ ኣለው። ብዛዕባ መሰል ሠራሕተኛ ደሞዝ ዓመታዊ ዕረፍቲ ጥሮታ እሞ ከኣ ርእሱ ዝኸኣለ ድራማታት ኣሎ። እዚ እቲ ኣብ ጋዜጣ እነብቦ ኣብ ኤስያን ካልእን ዘይኮነ ኣብዚ ኣብ ማእከልና ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሠራሕተኛ እትፍጸም ኢፍትሓውነትን ምርጋጽ ክብሪ ወዲሰብን ክብሪ ናቲ ኢፍትሓውነት ዝገብር እውን ስለእተዋርድ ኣብታ ናይ ጨቋንን ባርያን ሥርዓት ትመልሰና። እንተ እታ እግዚኣአብሔር ዝህበና ጸዋዕታ ሥራሕ ጸዋዕታ ምቅጻል ፍጥረት እግዚእብሔር ግን ክብሪ ትህበና። እዚ ግን ፍትሒ ምስ ዝነግስ ክብሪ ወዲሰብ ምስ ዝሕሎ እዩ። ሎሚ እምበኣርከስ ምስ ኩሎም ንዕለት ሠራሕተኛታት ዝዝክሩ ዘለው ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝኣምኑስ ይኹኑ ዘይኣምኑ ሓቢርና ስለ እቶም ኣብ ሥራሕ ፍትሒ ክረኽቡ ዝቃለሱ ስለ እቶም ንፉዓት ወሃብቲ ሥራሕ እናዘከርና ወላ ብክሳራ እውን ይኹን ኣብ ሥራሕ ፍትሒ ክርከብ ንጸሊ። ክልተ ወርሒ ይገብር ሓደ ወሃብ ሥራሕ ካብ ሃገረ ጣልያን ይድውለለይ እሞ ማንም ሠራሕተኛ ክሰጉጒ ከምዘይደልን ምእንታኡ ክጽልን ይምሕጸነኒ ከመይ ይብል እዚ ንፉዕ ሰብ ሓደ ሠራሕተኛ ካብ ሥራሕ ደው ምባል ንገዛእ ርእሰይ ካብ ሥራሕ ደው ምባል ኰይኑ ስለዝስመዓኒ ይብል። ስለዚ ስለ እቶም ወሃብቲ ሥራሕ እውን ንጸሊ። ንቅዱስ ዮሴፍ ስለ ክብረት ሥራሕ ክንቃለስ ደግፈና ንበሎ። ንኩልና ከኣ ዝግብኣና ሥራሕ ክፈጥረልና እምበር ካብ ሥራሕ ባርነት ከድሕነና ንማሕጸና። ናይ ሎሚ ጸሎትና እዚኣ ትኹን።”

ብድምጺ ንምክትታል!
01 May 2020, 12:11
ንኩሉ ኣንብብ >