ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንዝሠርሑ ጐይታ ኣብ ኣገልግሎት ሓቂ ክጽመዱ ይሓግዞም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ስለ ዘለውን ዝሞቱን ዘዕርጕዎ ጸሎት ብምቅጻል ሎሚ ዕለት 6 ግንቦት 2020 ዓም ስለ እቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዘገልግሉ ኣብዚ ነሕልፎ ዘሎና ዘመን ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ኣገልግሎት ሓቂ ክጽመዱ ብምጽላይ ስለ እቲ ንሓደጋ ለበዳ ከይፈርሁ ዝህብዎ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም። ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ከኣ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጸልማት ንከብርሃልና ንኢየሱስ ክነፍቅደሉ ጐይታ ሕያዋይን ትሑትን ወትሩ ኣብ ጐድንናን ስለዝኾነ ካብቲ ብጸልማት ዝምሰል ከቢቡና ዘሎ ሓጢኣትን መንፈስ ዓለምን ትዕቢትን ንከገላግለና ብርሃኑ ኣብ ልብና ኪኣቱ ነፍቅደሉ ሽዑ ክንድሕን ኢና እሞ ካብ ብርሃን ኢየሱስ ኣይንፍራህ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሮም ሎሚ ስለ መነመን ከምዝጽልዩ ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ሎሚ ስለ እቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዘገልግሉ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንጸሊ። ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ኣገልግሎት እንክጽመዱ ብዙሕ ሓደጋ የጋጥሞም እቲ ሥራሕ ከኣ ብዙሕ እዩ። ጐይታ ኣብ ዘበርክትዎ ኣገልሎ ክሕግዞም ወትሩ ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ሓቂ ንክጽመዱ ክረድኦም ንለምን።”

ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ካብ ዮሓ 12.44 ዝተወስደ ኰይኑ 'ብኣይ ዚኣምን በቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ብኣይ ኣይኰነን ዚኣምን። ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርእዮ። እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ አሎኹ። ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ እንተሎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ' ዝብል ዝርከቦ ነበረ፣ ቅዱስነቶም ቀንዲ መልእኽቲ ናይዚ ክፍሊ ወንጌል ኣብ መንጎ ኢየሱስን ኣቦኑን ዝነበረ ጥቡቅ ርክብ ዝገልጽ ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣቦኡ ዝበሎ ጥራይ ይገብር ከም ዝነበረ ብርሃን ዓለም ኰይኑ ከምዝተላእከ በዚ ከኣ ብኣኡ ዚኣመነ ኩሉ ኣብ ጸልማት ንከይትርፍ ቀንዲ ተልእኾኡ ምብራህ ነቲ ዝጸልመቶስ ይኹን ጽልግልግ ዝበሎ ንኸብርህ ብኣኡ ንዝኣመነ ከኣ ከምዘብርሃሉ ዝገልጽ ምዃኑ ኣብሪሆም። ኣብ ትንቢት ኢሳያስ 'ኣብ ጸልማት ዝመላለስ ዝነበረ ሕዝቢ ብርሃን ዓቢይ በርሃሎም' ከምዝበሎ እቲ ጐይታ ንሕዝቡ ከብራሃሎም ዘተስፈዎ ብርሃን እነሆ መጺኡ። ኢየሱስ ብርሃን ዓለም ኰይኑ መጺኡ። ሓዋርያት እውን ነዚ ብርሃን እዚ ናብ ኩሉ ዓለም ከብጽሑ ተልእኮ ተቀቢሎም ንኣገልግሎት ወፈሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ተልእኮ እዚ ኣግሂዱ ይዛረቦ ንኣህዛብ ከብርህ ንዓለም ከብርህ ነዚ ብርሃን ክርስቶስ ንከብጸሓሎም ከምዝተሓርየን ከምዝተላእከን ይገልጽ። እንተኾነ እዚ ብርሃን እዚ ናቱ ከምዝይኮነ ናይቲ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ከምዝኾነ ይገልጽ። በዚኸስ ተልእኾ ኢየሱስን ሓዋርያትን ነዚ ኣብ ጸልማት ዝርከብ ዓለም ንምብራህ እዩ።

እቲ ዓቢይ ድራማ ብርሃን ኢየሱስ ግን ብኡ ንብኡ ከጥፍእዎ ምጽዓሮም እዩ። ባዕሉ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ዮሓ 1. 'ኢየሱስ ብርሃን ዓለም ኰይኑ ናብቶም ናቱ መጸ እቶም ናቱ ግን ኣይተቀበልዎን ከመይ ካብ ብርሃን ጸልማት ስለዝመረጹ' ይብል። ኣብ ጸልማት ምንባር ዝገደደ ከኣ ነዙይ ናብራ እዚ ምልምማዱ ኣብ ባርነት ጸልማት ስለዝኸትት ካብኡ ክትላቀቅ ኣጸጋሚ እዩ። ናይ ኢየሱስ ገድሊኸስ እዚ እዩ እቲ ገድሊ ገና ይቅጽል ኣሎ ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ንዝነብር ሕዝቢ ዓለም ብርሃኑ ምልኣኽ ኩነታት ከመይ ከምዘለው ንምግላጽ ብርሃኑ ምስዳድ በዚ ከኣ ንሓቂ ንናጽነት ከርኢ ይጋደል። ንሓቅን ንናጽነትን ብብርሃን ኢየሱስ ርኢኻ ምኽኣል ዓወት ድሕነት እዩ።

ዕድለኛ ዝኾነ ማለት ጸጋ ድሕነት ዝተዓደሎ ቅዱስ ጳውሎስ ንክርትያን ያኢ ከሳድድ ናብ ደማስቆ ገጹ ክኸይድ እንከሎ ነዚ ብርሃን ክርስቶስ ብግህዶ ርእይዎ። ደርጒሕዎ ክሳብ ኣብ መሬት ጻሕ ኢሉ ከምዝወድቅን ምርኣይ ክሳብ ዝስእንን ኰን። ንኢየሱስ ብኣካል ረኺብዎ ኣብሪሁሉ። እቲ ኣብ ርእሲ ዝነበሮ ጸልማት ብዓይኒ ዑረት ዝተወሰኾ ጸልማት ሓውሲ ንኩሉ ዝቀንጠጠሉ ከኣ ምሥጢረ ጥምቀት ነበረ። በዚ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ከምቲ ባዕሉ ዝምስክሮ ካብቲ ዝነበሮ ጸልማት ናብ ዝድርጉሕ ብርሃን ናይ ምሕላፍ ተመኩሮ ረኸበ። ናትና ምስግጋር ጥምቀት እውን ከምኡ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ቀዳሞት ዘመናት ንምሥጢረ ጥምቀት ናይ ብርሃን ምሥጢር ይብልዎ ነበሩ ከመይ ብርሃን ክርስቶስ ስለዝህብ። ነዚ ብኣምሳል ንምግላጽ ከኣ ወለዲ ተጠማቂ ኣብ ግዜ ጥምቀት ሽምዓ ኣብሪሆም ነቲ ዝጥመቅ ሕጻን ብርሃን ክርስቶስ ተቀበል ይብልዎ። ኢየሱስ ከስ ብርሃን ኣምጺኡልና። እንተኾነ እቶም ናቱ ነጺጎሞ። ከመይ ኣብ ጸልማት ብዙሕ ምንባርን ምልምማዱን እቲ ብርሃን ስለዝድርጉሕ ቀልጢፍካ ኣይትቅበሎን። እዚ ድራማ እዚ ድራማ ኩነታት ሓጢኣትና እውን እዩ። ሓጢኣት የዕውረካ እሞ ንብርሃን ከምዝትጻወር ይገብረካ። ሕሙም ኣዕይንቲ ትውንን ንብርሃን ክትገጥሞ ኣይትኽእልን ትሃድም። ነዚ ከኣ ኢየሱስ ኣግሂዱ 'ዓይንኻ ሕሙም እንተዀይኑ እቲ ኣባኻ ዘሎ ጸልማት ዝገደደ እዩ ዝኸውን' እናበለ ዝወቅሰና። ዓይንኻ ጸልማት ጥራይ ዝለመደ እንተኾይኑ ጸገም እዩ። ዓይንኻ ይዓውር። እዞም ከምዚ ዓይነት ጸልማት ኣምጺኦም ብኣኡ ጐልቢቦም ዘዕውሩ ኣዕይንቲ እምነትና ዝሽፍኑስ እንታይ ኮን ይኾኑ እንተበልና ኣርእስቲ ሓጢኣት መንፈስ ዓለም ትዕቢት እዮም።

እዞም ሠለስተ ነገራት እዚኦም ካብ ጸልማት ተንከስ ኢልካ ከይትወጽእ ኣብኡ ውሕስነት ከምዝስመዓካ ገይሮም ይሕዙኻ። ንሕና ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ማፍያ እንዛረቦኸስ እዚ እዩ። እንተኾነ መንፈሳውያን ማፍያታት ኣለው ኣብ ገዛኻ ልኩት ኣቢሎም ምስሓዙኻ ወትሩ ጸልማት ትመርጽ ብርሃን የፍርሃካ ከመይ ኣብ ብርሃን እንተወጺእካ ብዙሕ ሕማቅ ነገራት ምንዳ ኣብ ውሽጥኻ ተሓቢኡ ዘሎ ሕማቅ ነገራት ሓቲኣት ክትርኢ ኢኻ። ስለዚ ካብ ኢየሱስ ርሕቅ ኢልካ ኣብ ጸልማት ተሓቢእካ ምቅጻል ትመርጽ። እንተኾነ እዞም ነገራት እዚኦም ከም መንደቅ ኰይኖም ደኣ ይስምዑና እምበር ብማዕዶስ ጭልምልምታ ብርሃን ኢየሱስ ካብዚ ጸልማት መውጺኢ ከምዘሎ ይረኤ እዩ። ከመይ ኤይስ 'ናብ ዓለም ዝመጻእኩስ ክኹንኖ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ንዓለም ከድሕኖ እየ መጺኤ። ኣጆኻ ትባዕ ብርሃን ከብርሃልካ ኣፍቅድ በዚ ብርሃን እዚ ኣብ ውሽጥኻ ንዘሎ ተመልከት ካብኡ ከድሕነካ እየ መጺኤ። ኣጆኻ ከድሕነካ እየ እናበለ እንተደኣ ተቀቢልና ካብ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድቅድቅ ጸልማት የሕወየና ካብቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዘጋጥመና እንነብረሉ ማሕበረሰብ ዘለዎ ጸልማት የናግፈና ካብቲ ፖሎቲካን ሃገራውን ዓለምለኻውን ጸልማት ከምኡ ካብ ካልእ ብዙሕ ጸልማታት የናግፈና። ርግጽ ጐይታ የድሕነና እዩ እንተኾነ ብቀዳምነት ንሕና ንክንቅበሎ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጸልማት ርኢና ንምኽኣል ትብዓት ክህልወና የድሊ ሽዑ እቲ ብርሃኑ ኣብ ውሽጥና ኣትዩ ከድሕነና እዩ። ካብ ጐይታኸስ ኣይንፍራህ። ከመይ ንሱ ሕይዋያ ትሑት ልቢ ወትሩ ኣብ ጐድንና ኰይኑ ዘሰንየና ስለዝኾነ ካብኡ ኣይንፍራህ። ንሱ ከድሕነና እዩ መጺኡ። ካብ ብርሃን ኢየሱስከስ ኣይንፍራህ።

 

06 May 2020, 11:25
ንኩሉ ኣንብብ >