ኣብ ሥድራቤታት ፍቅሪ ይሰስን! ድርቅና ኣብ ዘለዎ መንፈስ ኣምላኽ የለን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዓርቢ ዕለት 15 ግንቦት 2020 ዓም ሎሚ ብዓለም ለኸ ደረጃ ተዘኪሩ ንዝውዕል ዕለተ ሥድራቤት ብምዝካር ምእንቲ ሥድራቤት ጸልዮም ኣብ ስብከቶም ከኣ እምነት ኣብ ኢየሱስ ሓጐስ ሂቡ ናብ ነጻነት እንክመርሕ ድርቅና ግን ናብ ሽብር ይመርሕ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ ሎሚ ንግሆ እውን ቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሮም ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ሎሚ ዓለም ለኸ ዕለተ ሥድራቤት እዩ። ኣብ ሥድራቤት መንፈስ ኣምላኽ መንፈስ ፍቅርን ምክብባርን ሓርነትን ክወርድ ስለ ሥድራቤት ንጸሊ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግሐ 15,22 ኰይኑ እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ካብ ኣረመነት ናብ ክርስትና ዚኣተው ብገሊኦም ዘራእቲ ሁከት ምስ ተበጽበጹ ሓዋርያት ብሓባር ጸልዮም ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ንሕናን መንፈስ ቅዱስ እንክብሉ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ብኢድ ጳውሎስን በርናባስን ይሰዱ። እታ መልእኽቲ ከኣ `ንሕና ሓዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትን ኣብ ኣንጾክያን ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ካብ ኣህዛብ ንዘሎኹም ኣሕዋት ሰላም ንብለኩም ኣሎና። ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ኻባታትና ወጺኦም ክትግዘሩን ሕጊ ኽትሕልዉን ኢሎም፡ ብቓሎም ከም ዝሀወኹኹምን ንልብኹም ከም ዘዕገርገሩን ስለ ዝሰማዕና፡ ምስ እዞም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን፡ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰባት፡ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንሐሪ ሰሚርና ብሓደ ዄንና መደብና። ስለዚ ይሁዳን ሲላስን፡ ንሳቶም ነዚ ብኣፎም ድማ ኪነግሩኹም፡ ሰዲድናልኩም ኣሎና' ትብል ነበረት።

ቅዱስነቶም ነዚ ፍጻሜ እዚ ብሓጺሩ ምስ ገለጹ ከመይ ኢልካ ብሰላምን ታሕጓስን ጀሚርካ ናብ ሁከት ከምእትሰጋገር ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሐዋርያት ብመጀመርያ ኣብ ቤተክርስትያን ናይ ሰላም ግዝያት ከምዝነበሩ ንዕዘብ እንተኾነ ግዝያት ስደትን ግዝያት ሽብርን ከምዝነበሩ እውን ንዕዘብ። ናይ ሎሚ ቀዳማይ ንባብ ከኣ ሓደ ካብዚኦም ይገልጽ። እቲ ጸገም ከኣ ከምዚ እዩ። ካብ ኣረመነት ብቀጥታ ብዘይ ምንም መሰጋገሪ ናብ ክርስትና ኣትዮም ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣመኑ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎም ተሓጒሶም። እዚ ናይ ታሕጓስ ፍጻሜ ግን ነቶም ነባር ክርስትያን ኢና ዝሓሽና ኢና ዝብሉ ቅድሚኦም ክርስትና ዝተቀበሉ ኪወሓጠሎም ኣይተኻእለን። እዚ ክኸውን የብሉን በሉ። ወረ ዝገደደ ሓደ ኣረሜን ቅድሚ ክርስትያን ምዃኑ እምነት ዕብራውያን ኪቅበል ኣለዎ እንክብሉ ኣብ ክርስትና ደረጃታት ክፈጥሩ ይጽዕሩ። ንሕና ቀዳማይ ደረጃ ክርስትያን ኢና እቶም ካብ ኣረመነት ዝመጹ ከኣ ካልኣይ ደረጃ ክኾኑ ኣልዎም። ንሕና ናይ ኦሪት ግልጸት እውን ኣሎና። ከመይ ክርስቶስ ነቲ ናትና ኦሪትን ሕግን እዩ ምልኣት ኣልቢሱ ንሕና ኢና ቀዳሞት እንክብሉ ዓቢ ናዕብን ክትዕን ኣልዓሉ። ንባህልታት ኣይሁድ እንተዘይተኸቲሎም ኢሎም ነዚ ከኣ ዝተፈላለየ ንባበ መለኮታውን ሞራላውን ሓዋርያዊ ጒስነት ዝምልከትን ትንተና ገሮምሉ። እዚ ኣገባብ እዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ንሓርነት መንፈስ ቅዱስ ዚዕንቅጽ ነቲ ብነጻ ዝተዓደለ ትንሣኤ ክርስቶስን ዝዕድሎ ጸጋን ዚዓግት እዩ። ንኩሉ መሥርዑ ከትሕዙን ከጻርዩን እኳ እንተጸዓሩ ድርቅና ነርዎም። ነቲ ብእምነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዚዕደል ጸጋ ከም ሥነሓሳባዊ ውደባ ወሲዶሞ ከምቲ ሊቃውንቲ ሕጊ ምስ ጽሑፋት ኦሪት ዝገበርዎ ዝተፈላለየ ሕግታትን ዶግማን ሰሪዖም ነቲ እምነት ናብ ግበር ኣይትግበር ዚዓይነቱ መንፈስ ዘይብሉ ሕጊ ለዊጦሞ። ዘይዕጸፉ ነቃጻት ኰይኖም ነቶም ዝኽተልዎም እውን ከምኡ ነቃጻት ከምዝኾኑ ገሮሞም። እዚ ንቅጽና እዚ ከኣ ካብ ታሕጓስ ወንጌልን ካብ ሓርነቱን የርሕቀካ። ንኢየሱስ ንምኽታል ፍጹም ኰንካ ንክትረኤ ዝግበር ጉዕዞኸስ ነቃጽ መንገዲ ሒዝካ ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ኣይ ባዕልኻ ክትከዶ ኣይካልኦት ክኸድዎ ዓጺኻዮ ደው ትብል ማለት እዩ። እዚ ከኣ ዓቃባዊ ኰንካ ነቃጽ ሓሳብ ሒዝካ ንሕልናኻን ሕልና ተኸተልትኻን ምጥምዛዝ እዩ። ወይ ነዛ ኣነ ዝብለካ ተኸተል ወይ ምሳይ ኣይኮንካን ብማለት ነቶም ተኸተልቶም እውን ኣብዚ ድርቅና እዚ ከምዝልእሙ ወይውን ገዲፎም ከምዝኸዱ ይገብሩ ነበሩ። እዚ ኸኣ ተጻይ መንፈስ ኣምላኽ እዩ።

ነቃጽ ደረቅ ዘይትዓጻጸፍ ምዃን ካብ ጥዑይ መንፈስ ኣይኮነን ከመይ ነቲ ዓንዲ ሕቈ እምነት ክርስትናና ዝኾነ ትንሣኤን ብነጻ ዝተዓደለና ድሕነትን ኣብ ሕቶ የእቱ። እዚ ኣብ ዘመነ ሓዋርያት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ወትሩ ምስ ተደጋገመ እዩ። በዚ መንፈስ እዚ ዝተለኽፉ ብዙሓት ሓሊፎም እዮም። ኣብ ዘመንና ኣለው። ምናዳ ገልገለ ማሕበራት ኣብያተ ክርስትያናትና እዚኣ ትወጾም ዘይትብሎም ብኩሉ ኩሉ ስሩዓትን ጥርኑፋትን ኣለው። ብጣዕሚ ጽቡቅ ኣበርክቶን ስራሕን ይገብሩ። እንተኾነ ኣብ መብዛሕትኦም ዝረኤ ኣነ ዝበልኩዋ እንተዘይኰይና ብዝብል ትሪ ነቲ ሓደ ካብ ካልእ ክትፈልዮም ዘይትኽእል ዳርጋ በዚ መንፈስ እዚ ዝተለኽፉ እዮም። ብደገ ኩሉ ጽቡቕ ስሩዕ ብውሽጢ ግን ብልሽው ዝኾነ ሕይወት ዝነበሮም ዘለዎም ክሳብ መሥረቲ መንፈሳውያን ማሕበራት ኣይተሳእኑን። ድርቅና ኣብ ዘለዎ መንፈስ እግዚአብሔር የለን ከመይ መንፈስ እግዚአብሔር መንፈስ ሓርነት እዩ። እንተ እዞም ነቃጻትስ ንበሎም ደረቅ ኣነ ዝበልኩዋ ጥራይ ትኹን ድምጸይ ጥራይ ይሰማዕ ዝብሉ ነዛ ሓርነት መንፈስ እግዚአብሔርን ነታ ብነጻ ዝዓደለና ድሕነትን ስለ ዝዕንቅጹ ጸገም እዩ። ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ብነጻ ዝተዓደለና እዩ። ማንም ክገዝኦ ኣይኽእልን ኣይሽየጥ ኣይልወጥ ነጻ ትዕድልቲ እዩ። እዚ ጸገም እዚ ምስ ኣጓነፎም ሓዋርያት ጉባኤ ይጽውዑ ተጋቢኦም ምስ ጸልዩን ምስ ዘተዩን መልእኽቲ ክጽሕፉ ይሰማምዑ። እታ መልእኽቲ ንመንፈስ ቅዱስን ንዓናን ሠናይ ኰይኑ ዝተራእየና ምንም ዓይነት ካልእ ተጽዕኖ ከይግበረልኩም እዩ። እንክብሉ ምስ ጸሓፉሎም እታ ተበጽቢጻ ዝነበረት ማሕበረ ክርስትያን ተጋቢኣ ነጻ መልእኽቲ ምስ ኣንበቡ ስለ እቲ ዝረኸብዎ ምጽንናዕ ተሓጐሶም። ካብ ነውጽን ሽበራን ናብ ሓጐስ ተሰጋጊኦም። መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ግዜ ካብ ሽብር ድርቅና ናብ ሓጐስ ሓርነት የብጽሕ። መንፈስ ቅዱስ ነዚ ግበረለይ እዚ ክገብረልካ ኣይብልን። ኩሉ ብነጻ እዩ። ከም ክርስትያን ክንፈልጦ ዘሎና እቲ ዝሓረየና ጐይታ ባዕሉ ስለዝኾነ `ኣነ እየ ዝሓረኹኹም እምበር ንስኹም ኣይኮንኩምን` እንክብል እዚ ነጻ ሕርየት እዚ ካብኡ ከምዝነቅል እሞ ካብቲ ዝነበርናዮ ኣልዒሉ ማዕረኡ ገሩ ከኣ `ኣዕሩኽተይ እምበር ባሮት ኣይብለኩምን` እንክብል ኩሉ ብነጻ ዝተዓደልናዮ ጸጋኡ ምዃኑ ይገልጸልና።

ነዚ ብነጻ ዝተዓደናዮ ፍረ ቅዱስ ወንጌል ካብቲ ዘይወንጌላዊ ደረቅ ፍረጻማና ፈሊና ክነለሊ ጐይታ ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ። ከመይ እቲ ወንጌላዊ ፍረ ካብቶም ንእምነትና ዝሽብሩ ነገራት ሓራ ከውጽኣን ካብቲ ግበር ኣይትግበር ዝብል ደረቅ ዘየውፍር ዘየእቱ ሕግታና ሓራ ከውጽኣና እዩ። እዚ ዘየውፍር ዘየእቱ ዝብሎ ዘሎኹ ባዕልና ብድርቅናና እንገብሮም ሕግታት ማለተይ እዩ እምበር ንትእዛዛት እግዚአብሔር ኣይኮነን። ጐይታ ካብዚ ንሓርነትና ዝቅንጥጥ መንፈስ ድርቅና ይሰውረና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
15 May 2020, 11:58
ንኩሉ ኣንብብ >