ድለ

ሰላም ኢየሱስ ንልብና ንካልኦት ከምዝኽፈት ይገብሮ! ስለ ኣብነት ጅግንነት ዝኾኑ ኣለይቲ ሕሙማን ንጸሊ

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንመወዳእታ ምስ ሓዋርያቱ ካብዚ ምድሪ እዚ እንክሰናበት 'ሰላመይ እሓድገልኩም ሰላመይ እህበኩም። እቲ ኣነ ዝህበኩም ሰላም ከምቲ ዓለም ዝህቦ ሰላም ኣይኮነን' እንክብል ነቶም ስምባደን ፍርህን ኣደንዚዝዎም ዝነበረ ሓዋርያት ብዝተኻእሎ ኣጸናኒዑ ዝተሰናበተሉ

‘ኣብነት ጅግንነት ኰይኖም ኣብ ለበዳ ኮቪድ 19 ቅድመ ግንባር ኰይኖም ዘገልግሉ ኣለይቲ ሕሙማት እግዚአብሔር ይባርኮም ነቶም ሕይወቶም ዝኸፈሉ ከኣ ኣብ መንግሥቱ ይቀበሎም’ እንክብሉ ናይ ሎሚ ሰሉስ ዕለት 12 ግንቦት 2020 ዓም መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረጉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ‘ሰላም ኢየሱስ ብነጻ ዝዕደል ጸጋ ኰይኑ ልባትና ንብጾትና ከም እንኸፍት ገቢሩ ነታ ሓቀኛ ሰላም መንግሥተሰማያት ብተስፋ ከምእንጽበ ይገብረና እንተ ዓለም ዝህበና ሰላም ግን ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ዝዓብለላ መኻንን ዋጋ ዝኽፈለላን ግዝያዊትን እያ’ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቲ ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ናብ መላእ ዓለም ዝተመሓላለፈ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሮም ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ሎሚ ዕለት ኣለይቲ ሕሙማን እያ። ትማሊ መልእኽቲ ሰዲደሎም። ሎሚ ስለኦም ንጸሊ። እዞም ሰባት እዚኦም ደቂ ኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን መንእሰያትን ዝርከብዎም ነዚ ሥራሕ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘለዎም ብቅዓትን ክእለትን ብዓቢ ተወፋይነት ይፍጽሙ ኣለው። እግዚአብሔር ይባርኮም። ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብነት ጅግንነት ኰይኖም ገሊኦም ሕይወቶም ዝሰውኡ እውን ኣለው። ስለ ኣለይቲ ሕሙማን ንጸሊ ኢሎም።

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል መቀጸልታ ናይ ትማሊ ካብ ወንጌል ዮሓ 14.27-31 ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንመወዳእታ ምስ ሓዋርያቱ ካብዚ ምድሪ እዚ እንክሰናበት 'ሰላመይ እሓድገልኩም ሰላመይ እህበኩም። እቲ ኣነ ዝህበኩም ሰላም ከምቲ ዓለም ዝህቦ ሰላም ኣይኮነን' እንክብል ነቶም ስምባደን ፍርህን ኣደንዚዝዎም ዝነበረ ሓዋርያት ብዝተኻእሎ ኣጸናኒዑ ዝተሰናበተሉ ሁመት ይትርኽ። እዚ ሰላም እዚ ከምቲ ዓለምና ዝርድኦ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝእወጅ ውግእ ናይ ምቊራጽን ካልእን ዘይኮነ ውሳጣዊ ሰላም ናይ ልቢ ሰላም ንነፍስኻ ዘረጋግእ ሰላም ከምዝኾነ ነዚ ከኣ ኢየሱስ ጥራይ ክህበና ከምዝኽእል ብምግላጽ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።

ጐይታ ቅድሚ ንሰማይ ምብጋሱ ነቶም ናቱ ይሰናበቶም ጸጋ ሰላም ከኣ ይህቦም። እዚ ሰላም እዚ ግን ከምቲ ንሕና ንግንዘቦ ዓውለማዊ ሰላም ኩልና ከም እንምነዮ ውግእ ዘይብሉ ቅሱን ሕይወት ዘይኮነ ሰላም ልቢ ሰላም ነፍሲ ኰይኑ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ውሽጥና ክንቅበሎ እንኽእል ሰላም እዩ። ጐይታ እዚ ንሱ ዝህበና ሰላም ከም ናይ ዓለም ሰላም ከምዘይኮነ የስምረሉ። ዋእ ዓለም ሰላሙ ከመይ ገቢሩ ይህበና! ጐይታኸ ከመይ ገቢሩ ይህበና! ዝተፈላለየ ሰላም ዶ ኣሎ እዩ! እንተበልና እወ! እቲ ዓለም ዝህበካ ሰላም ቀሲንካ እትነብረሉ ሕይወትካ ብልብኻ ቀሲንካ እትነብረሉ ሰላም እዩ። ዓለም ነዚ ሰላም እዚ ከም ናትካ ንብረትካ ገራ ትህበካ። እዚ ሰላም እዚ ካብ ካልኦት ነጺላ በይንኻ ኰንካ ሰላም ኣሎኹ ቀሲነ ኣሎኹ ከም እትብል ትገብረካ። እዚ ሰላም እዚ ከይተረዳኣካ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ነፍሲወከፍ ኣኣብ ዘለዎ ቀሲኑ ኣይትረብሸኒ ኣይርብሸካን እየ ዚዓይነቱ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ኣይትቅረበኒ ዚዓይቱ ሰላም እዩ ዓለምና ዝህበና ሰላም። እዛ ሰላም እዚኣ ዋጋኣ ክቡር እዩ ከመይ ዕለት ዕለት ነቲ መጋበሪ ሰላም እትብሎ ነገራት ክተማዕብልን ክትቅይርን ኣሎካ። ሓንቲ ነገር ደስ እንተኢላትካን ተቅስነካ እንተዀይናን ንዓዓ ትዕድግ ድሕሪ ቊሩብ ግዜ እቲ ዝነበረካ ህንጡይነት ይጠፍእ ካልእ ነገር ትርኢ እዝስ የቅስነኒ ኢልካ ትዕድግ እዚ እውን ግዜኡ ወሲዱ ምስ ሓለፈ እንደገና ካልእ ዘቅስነካ ሰላም ዝህበካ ነገር ሃሰስ ትብል እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ናይ ዓለም ሰላም መኻንን ዋጋ እተኽፍልን እያ። እንተ እታ ኢየሱስ ዝህበና ሰላም ግን ብኣንጻሩ ከም እትንቀሳቀስ ዝገብር ናብ ኣሕዋትን ኣሓትን ተንቀሳቂስካ ሰላም ክትብል ክትካፈል ማሕበር ትፈጥር ምስ ካልኦት ከም እትዋሳእ ትገብር። እታ ናይ ዓለም ዓቢ ዋጋ እንክተኽፍል ናይ ኢየሱስ ሰላም ግን ብነጻ ትዕደል ጸጋ ጐይታ እያ። ንቅድሚ ስለ እተገስግስ ከኣ ፈርያም እያ። ፍልልይ ናይዘን ክልተ ሰላም ንምርዳእ ነቲ ኣብ ሉቃ 12.13 ዘሎ ኣብነት ዓሻ ሃብታም እንተተመልከትና ከነጽረልና ይኽእል። እቲ ዓሽእ ሃብታም ቆፎታቱን መኻዚኖኡን ብናይ ዝሓለፈ ዓመታት እቶት ድሮ መሊኡ ብምንባሩ ኣብቲ ዓመት እቲ ከኣ ዝለዓለ እቶት ይጽበ ነሩ። እንታይ ከምዝገብር ምስ ጨነቆ ሓሲቡ ሓሲቡ ነቲ ዝነበረ መኻዚኖ ኣፍሪሱ ሓዲስ ሰፊሕ መኻዚኖ ሰሪሑ እኽሉ ኣኪቡ ንነፍሱ በሊ ቅሰኒ ተሓጐሲ ደስ እውን ይበልኪ ንመዋእልኪ ምሉእ ዝኸውን እቶት ረኺብኪ ኢሉ ንነፍሱ ከደዓዕስ እንከሎ 'ኣምላኽ ግና፥ ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ካባኻ ኺወስድዋ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ።' ናይ ዓለም ሰላምከስ እዚ እዩ! ኣየውፍር ኣየእቱ! ኣየስግር! ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ከም እተዕነኒ ገሩ ቅልቅል ኢሉ ህልም ይብል። እንተ እታ ኢየሱስ ዝህበና ሰላም ግን ንኩሉ መዓጹ ጋህ ኣቢላ ከፊታ ክሳብ ናብታ ንሱ ዝኸዳ ሰማያት ንምኻድ ኣኽኢላ መዓጹ መንግሥተ ሰማያት ትኸፍተልካ። ንበይንኻ ዘይኮነ ንካልኦት እውን ናብ መንግሥተ ሰማያት ሒዝካ ንክትኣቱ ስለ እትሕግዝ ከኣ ፈርያም እያ። ንዓይ ንብሕተይ ዝብል ፈጺሙ ኣብ ጥቃኣ ኣይቀርብን።

ሎሚ ቁሩብ ኣብ ሕልናና ተመሊስና ነዘን ሕቶታት እዚአን እናሰላሰልና እንተነስተንትን ብዙሕ ምሓገዘና እብል። ሰላመይ ኣየነይቲ እያ! ሰላም ኣበይ እየ ዝረኽባ! ኣብ ነገራትዶ ኣብ ጥዑም ናብራዶ ወይስ ኣብ ጉዕዞታት ሎሚ ግን ክንጐዓዝ እውን ኣይንኽእልን ስላመይ ኣብ ሃብትን ውርሻን ድየ ዝረኽባ ወይስ ከም ነጻ ህያብ ካብ ጐይታ እቅበላ! ንሰላም ክኸፍል ዶ ኣሎኒ ወይስ ብነጻ ካብ ጐይታ ክረኽባ ኣሎኒ! ገለ ነገር ክጐድለኒ እንከሎ እቊጣዕዶ! ኤእ እዚኣስ ሰላም ጐይታ ኣይኮነትን። እሞኸ ደኣ ከመይ ገርና ንፈትሻ እዛ ሰላመይ ካበይ ምዃና! ኣብ ሕይወተይ ቅሱን ድየ! እድቅስ ዶ! እዚ ግን ካብ ጐይታ ኣይኮነን። ሰላምዶ ኣሎኒ ንካልኦትከ ሰላም እልግስ ወትሩዶ ንቅድሚት እግስግስ! ናይ ጐይታ ሰላምከስ እዚኣ እያ! ምድረሰማይ ይሕሰም ይጥዓብ ጸገም ይሃሉ ኣይሃሉ ወትሩ ኣብ ውሽጠይ ኣላ። እዛ ሰላም እዚኣ ፈርያም እያ ንዓይስ ይኹን ንካልኦት ተስፋ ተስንቅ ንሰማይ ትጥምት።

ትማሊ ሓንቲ መልእኽቲ ተቀቢለ ይቅረታ ከምዚ ብምባለይ ግን ክፍሊ ሕይወት እዩ እንታይ ክግበር ናብ ዘረባይ ክምለስ ትማሊ ካብ ሓደ ንፉዕ ካህን ሓንቲ መልእኽቲ ተቀቢለ ብዛዕባ ሰማይ ኣውሒደ ከምዝዛረብ እሞ ኣብዚሔ ክዛረብ ኣዘኻኺሩኒ። ሓቁ እዩ ስለዝኾነ ከኣ ሎሚ ብዛዕባ ሰማይ ብዛዕባ እታ ሰማያዊት ሰላም ኢየሱስ ዝህበና ንሎምን ንመጻእን እትኸውን ሰላም ስለዝኾነት ኣብዚ ምድሪ እዚ እንከሎና ነቲ ሰማያዊ ሰላም ክነስተማቅሮ ሎሚ ክነፍርዮ ንኽእል። እዚ መደዓዓሲ ወይ መደንዘዚ ኣይኮነን። እታ ናይ ዓለም ሰላም እወ ተደዓዕስ ንግዜኡ ተደንዝዘካ ተቅስነካ ጽንሕ ምስ በልካ ግን ኣብታ ናይ ቀደምካ ትምለስ። እንተ ናይ ኢየሱስ ሰላም ኣብዚ ጀሚራ ክሳብ ላዕላይ ሰማይ ከምእነስተማቅር ትገብረና። እዛ ሰላም ናይ ጐይታ ናብ ውሽጥኻ ኣይኮነን እተጠምተካ ናብ ጐይታ ከም እትጥምት እያ ትገብረካ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ፍልልይ ናይ ዓለም ሰላምን ኢየሱስ ዝህበና ሰላምን እዚ እዩ።

ጐይታ ነዛ ተስፋ ዝመልኣን ፈርያምን ምስ ካልኦት እንካፈላን ማሕበር እነቁመላን እንዋሳኣላን ወትሩ ሰላም መንግሥተ ሰማያት እነማዕደዋላ ሰላም እዚኣ ይለግሰልና።

ሰላም ኢየሱስ ንልብና ንካልኦት ከምዝኽፈት ይገብሮ! ስለ ኣብነት ጅግንነት ዝኾኑ ኣለይቲ ሕሙማን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
12 May 2020, 13:31
ንኩሉ ኣንብብ >